ጸሎት-ካብ ድርሳን ኣርጋዊ መንፈሳዊ

ዓርቢ ሰዓት 12 ዝንበብ ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ-ድርሳን 25

“ኦ ምእንቲ ኣልኣዛር ዝነባዕኻን ዝበኸይኻን ኣምላኸይ፣ ናተይ ዝመረረ ሓዘነይ ንብዓተይን ተቐበል። ብሕማማትኻ ሕማመይ ፈዉስ፣ ብኣቚሳልካ ነቊሳለይ ኣጥዒ፣ ደምኻ ኣብ ደመይ ሓዉሶ፣ ናይ ህይወት መኣዛ ዝዀነ ቅዱስ ስጋኻ ምስ ስጋይ ሓደ ግበር። እቲ ካብ ጸላእትኻ ዝሰተኻዮ ሓሞትን ከርበን፣ ሓጢኣት ንዝሰተየት ነፍሰይ ጣዕሚ ይዂና። ኣብ ናይ ዕንጨይቲ መስቀል ተሸንኪሩ ዝተዘርግሐ ስጋኻ፣ ሰይጣን ስዒርዎ ዘሎ ሕሊናይ ናባኻ ከም ዝዝርጋሕ ግበሮ። ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዘንበል ዝበለ ርእስኻ፣ ነቲ እኩያን ኣጋንንቲ ዝቐጥቀጥዎ ርእሰይ ልዕል የብሎ።

chበቶም ኸሓድያን ኣይሁድ ብሽንካር ዝተሸንከራ ክቡራት ኣእዳዉኻ፣  ከምቲ ብቃልካ ዝተስፍኻና ካብ ናይ ሞት ጉድጓድ ኣዉጺአን ናባኻ የቕርባኒ። ካብቶም ዓላዉያንን ርኹሳን ሰባት ትፍታፍን ዉርደትን ዝተቀበለ ገጽኻ፣ ነቲ ብሓጢኣት ጸሊሙ ዘሎ ገጸይ ካብ የብርሃዮ። እታ ስልጣንኻ ካባኻ ተፈልያ ናብ ኣቦኻ ዝበጽሐት ነፍሲ፣ ከምኡ ድማ ንዓይ ብጸጋኻ ናባኻ ተብጽሓኒ።

ኦ ወልደ እግዚአብሔር ነቲ ማንም ክምርምሮ ዘይኽእል ምሕረትኻ የድንቕ ኣለኹ፣ መላእኽቲ ንዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዂሉ ከየጥፍእዋ፣ ብምሕረትኻ ከልከልኻዮም። ሕጂ ድማ ንበይ ኣራህርሃለይ፣ ከምቲ ኣካዉሕ ንዓካ ካብ ምፍራሕ ዝተላዕለ ዝተሰንጥቑ፣ ልበይ ዉን ንዓካ ብምፍራሕ ይሰንጠቕ። ከምቲ ንሙቷን ዘተንሳእኻዮም፣ ከምኡ ዉን ነዚ ምዉት ልቦናይ ኣተንስኣለይ። ኦ ጐይታ ብልቦናይ ናብ ቅድስቲ መቓብርኻ ክምለስ፣ ግበረኒ።
Dosage pattern for purchase levitra The pills of levitra are supposed to be eaten up by the person an hour before they make love with their partner so that she can help you out and understand.
ክርስቶስ ኣምላክነ፣ ሓመ ብእንቲኣነ፣ ወበሕማማቲሁ በዘወነ!

ክርስቶስ ኣምላኽና፣ ምእንታና መኸራ ተቐበለ፣ ብሕማማቱዉን ተበጀወና!

ምንጪ፦ መጽሓፍ ሕማማት ገጽ 950