ንጐይታ ክንዲ ምንታይ ተፍቅርዎ? ክንዲ ይሁዳ`ዶ ዋላስ ክንዲ ማርያም?

ሮብዕ፣ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናይ ሶሙነ ሕማማት ዝንበብ ወንጌል ኣዝዩ ፍሉይ ጣዕሚ ዘለዎ እዩ። ብርግጽ ኲሉ ወንጌል ፍሉይ ጣዕሚ ኣለዎ፣ ግን ንዓይ ብዉልቀይ ግና፣ ልበይ ካብ ዝትንክፋኒ ናይ ሶሙነ ሕማማት ንባባት ናይ ሮብዕ እያ እንተበልኹ ምግናን ኣይመስለኒን።

ብሓፈሻ ሶሙነ ሕማማት፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነቲ ብብዙሕ ዋጢጥ ናብራ ዓለም፡ ሓልዮት ምድራዊ ህይወትን፡ ሓጢኣትን ፈተናንታትን ተሳሒቡን ተዘሪጉን ዘሎ ህይወትና፣ ዝግ ኣቢላ፣ ንነፍሲ ናብቲ ሓቀኛ መርዓዊኣ-ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እተቕርበሉ ቅነ እዩ። ከምቲ ዝተዘርገ ማይ ፍሉይ ኣቢልና ኮፍ ምስ ነብሎ፣ እቲ ዝርገቱ ገዲፉ ዝግ ዝብል። ቅድስት ቤተክርስቲያን ዉን፣ ነታ ሃለዋታ ጠፊኢዋ ዘሎ ነፍስና፣ ነቲ ምእንታኣ ተባሂሉ ዝተኸፍለ ዋጋ ብምዝክኻር፣ ናብቲ ሓቀኛ መድሓኒ ነፍሲ ናብ ክርስቶስ ከም ትጥምት ትገብራ`ሞ፣ ሽዑ እታ ነፍሲ ዝግ ኢላ፣ ሓጢኣታ ብምምርማር፣ ናብ እግሪ ጉይታ ተደፊኣ ከም ትሰግድ ትገብር።

ቤተክርስቲያን “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” /1 ቆሮ 6፥20/ ትብለና። ስለዚ ድማ ንሕማማትን ንስቕያትን ናይ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ክንጸዉርን፣ ነቲ ንሱ ምእንታና ኢሉ ዝተጻወሮ መኸራ ምእንቲ ክንዝኽርን፣ ብሕብረት ከም ንሰግድ ትገብር።

ነዚ መንፈሳዊ ርድኢት ኣብ ምህናጽ ድማ፣ እቲ ዝንበብ ወንጌል ኣዝዩ ልዑል ታራ ኣለዎ። ናይ ሎሚ ዉን ካብቲ ዝቐነይ ዝፍለ ኣይነበረን። እቲ ወንጌል ከምዚ ይብል /ማር 14፥1-11/

“ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሐፍትን ብተንኰል ሒዞም ኪቐትልዎ ደለዩ። ግናኸ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዓልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ ፥ ንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ፧ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። ኢየሱስ ግና ፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ። ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። ሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ተዉዓዓሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።” (ሉቃ 7፥36-50)

ማቴ 26፥6-16

“. . .ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡ ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።”

ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ክልተ ኣንጻራዉያን ነገራት እንዳቕረብኻ፣ ናይ ህይወት ትምህርቲ ምዉሳድ ልሙድ እዩ። ገና ካብ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ነገር ዘብርሁ ብዙሕ ኣብነታት ኣለና። ንኣብነት ካብ ሰባት እንተ ወሰድና፣ ኣቤልን ቃየልን፤ ኢሳዉን ያዕቆብን፤ ፎርኦንን ሙሴን፤ ሳኦልን ዳዊትን፤ ኣዳምን ክርስቶስ (ካልኣይ ኣዳም)፤ ሄዋንን ድንግል ማርያምን፤ ኣጋንንቲን መላኣኽቲን፤ ወዘተ። ካብ ነገራት እንተ ወሰድና፣ ጣኦትን ታቦትን፤ ማይን ሓዊን። ካብ መንፈሳዊ ኣካይዳ ድማ፣ ጽድቒን ሓጢኣትን፤ ልግሲን ምብቃቕን፤ ጸሎትን ቂምን፤ ትዕቢትን ትሕትናን ወዘተ ኣለዉና። እዞም ኲሎም ኣንጻራዉያን ነገራት፣ ኣሉታዊን ኣወንታዊን ገጻት ስለዘርእዩና፣ ነቲ ክፋእ እንተመረጽና ናይ ክፍኣት ዓስቢ ንረኽብ፣ ነቲ ሰናይ እንተ መሪጽና ድማ፣ ናይ ሰናይ ነገር ዓስቢ ከም ንረኽብ፣ ይምህሩና። /ዘዳ 30፡15.19/

“ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ። ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሐብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ. . .ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ።”

ሽቱ ዝቀብኣቶ ሰበይቲ

ታሪክ ናይዛ ሰበይቲ ኣብ ኣርባዕቲኡ ወንጌል ተጻሒፉ ክንረኽቦ ኢና

ማቴዎስ 26፡6-14

ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ ንብዙሕ ተሽይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ። የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ድኻታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። እዚ ኣብ
ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ማርቆስ 14፡3-10

ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልኤ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። ሓያሎ ብልቦም
እናተናደዱ ፥ ንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢዀነ፧ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ
ዲናር ንዚበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። ኢየሱስ ግና ፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ አሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከአለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። ዚከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብኤት። እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዚንገር፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ።

ሉቃስ 7፡36-50

ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37 እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጽኤት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፥ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሐሰበ። ኢየሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ አሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሐደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧ ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሐደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈርድካ፡ በሎ። ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ አሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኼኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሐዲጉላ፡ እብለካ አሎኹ። እቲ ሒደት ዚሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዜፍቅር።  ንኣእ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ፡ በላ። እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዚሐድግሲ፡ መን እዩ፧ ኪብሉ ጀመሩ። ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።

ዮሓንስ 12፡1-8

“ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ።”  /ዮሃ 11፥2/።

ሽዑ ኢየሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ። ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ። ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት። ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ። ስለዚ የሱስ፥ ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።

ኣብዘን ወንጌላት ዘሎ ቀንዲ ነጥቢታት

  1. ኣብ ቤታንያ ምፍጻሙ
  2. ሓንቲ ሰበይቲ መጺኣ ከምዝቐብኣቶ፣ ኣብ ሉቃስ ግና እታ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ ከም ዝነበረት ይነግር
  3. ብዙሕ ዝዋግኡ፣ ብሉጽ ቅብኢ፣ ካብ ናርዶስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ
  4. ከባቢ 300 ዲናር ዝሽየጥ ክቡር ዝዋግኡ
  5. ዝሃቦም መልሲ፣ ማለት ንቀብሩ ስግኡ ከም ዝቀብኣቶ
  6. ወንጌል ኣብ ዝስበኸሉ ኲሉ ግዜ ከም እትዝከር
  7. ኣብ ሉቃስ ዝተዋህበ መልሲ ግና፣ ፍሉይ እዩ። ብዙሕ ከም ዘፍቀረትን ብዙሕ ድማ ከም ዝተሓድገላን እዩ ዝምልስ
  8. ኣብ ማቴዎስን ማርቆስን ርእሱ ከም ዝተለኸየ፣ ኣብ ሉቃስን ዮሓንስን ግና እግሩ ከም ዝተለኸየ

ብርግጽ፣ እዛ ኣብ ኣርባዕቲኡ ተገሊጻ ዘላ ሰበይቲ፣ ሓንቲ ባዕላ ድያ፣ ወይስ ክልተ ድየን ወይስ ሰለስተ፣ ክትፈልጦ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ነቲ ትምህርቲናን መልእክቲ ቤተክርስቲያንን ክርደኣና፣ ኣብ ዮሃንስ ዝነግረና ምስቲ ናይ ሉቃስ ኣላጊብና ከም ሓንቲ ሰብ ንዉሰዳ (ንኣስተንትኖ ምእንቲ ክጠቕመና ኢለ እየ)።

እዛ ንጐይታ፣ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ዝዋግኡ ምሩጽ ጨና ገዚኣ፣ ኣብ ርእሱ ዝለከየቶ፣ ብንብዓታ ንኣእጋር ጐይታ ዘጠልቐየት፣ ኣመንዝራ ዝነበረት ሰበይቲ፣ እቲ ዝሓለፈ ህይወታ ኣሰኪሕዋ፣ ናብ ህይወት ዝቐረበት እያ። ናብ ጐይትኣ ክትቐርብ እንኰላ ዉን፣ ናይ ክንደይ ዓመት ዝኣኸበቶ እቶት፣ ጌራ ኣዝዩ ክቡር ዝዋግኡ ካብ ኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ጨና ብምሓዝ ነበረ። ዋጋ ናይዚ ጨና ንምግማቱ ኣይኸብድን!

እንድሕሪ ንሳ 300 ዲናር ገዚኣቶ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ፣ ናይ ሓደ ሰብ ናይ መዓልቱ ደሞዙ ሓንቲ ዲናር እዩ ኔሩ። ሰለዚ ዋጋ ናይ ሓደ ቀዋሚ ሰራሕተኛ ናይ 300 መዓልታት ደሞዝ እዩ፣ ኮይኑ ግና ናይ ሰበይቲ ስራሕ ምንዝርና እዩ ኔሩ፣ ማለት ቀዋሚ ደሞዝ ኣይነበራን። እቶታ ከከም ዕዳግኡ እዩ (ኪርያላይሶን)፤ እቲ ንመግቢ እተጥፍኦ ዉን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ። ስለዚ ብዉሕዱ ንልዕሊ 3 ዓመት ሰሪሓ ዝኣኸበቶ ገንዘብ ክኸዉን ዝብል ግምት ኣለኒ። ናይ ቁጠባ ክኢላታት፣ በዚ ናይዚ ሕጂ እዋን ሚዛን ገንዘብ ክግምትዎ እንከለዉ፣ እቲ ንሳ ዝዓደገቶ ክቡር ጨና፣ ከባቢ 30,000 ዶላር ከዉጽእ ከም ዝኽእል ይነግሩ።

እዚ ጥራይ ግና ኣይኰነን ፍሉይነት ናይ ማርያም በዓልቲ ጨና (ብግእዝ ማርያም እንተ እፍረት)፣ ኣብ ቅድሚ እግሩ ተደፊኣ ዝነብዐቶ ንብዓት ልዕሊ ዂሉ ኣብነታዊ እዩ። እዛ ሰብ እዚኣ፣ ሙሉእ ዘመና ኣብ ምንዝርና ነበረት፣ ምናልባት ዉን ከምቲ ብዙሓት ኣሓትና ብሰንኪ ስእነትን፣ ክብደት ናብራን፣ ናብ ምንዝርና ስራሕ ዝኣትዋ ዘለዋ፣ እዛ ሰብ እዚኣ ዉን፣ ምናልባት ምስ ጸገማ ዝኣተወቶ ህይወት ኔሩ ክኸዉን ይኽእል።

ምንዝርና ግና ናይ ገዛእ ርእስካ ሓጢኣት ጥራይ ኣይኰነን፣ ንካልኦት ዉን በቲ ሓጢኣት ምርኻስ ዉን እዩ። ስለዚ እዩ ቅዱስ ጳዉሎስ “ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።” ዝበለ /1 ቆሮ 6፡18/። እዚ ርዝነት ናይዚ ከቢድ ሓጢኣት እዚ ጽቡቕ ጌሩ ተረዲእዋ እዩ፣ የግዳስ ተስፋ ኣይቆረጸትን። ናብቲ “ነቲ ናባይ ዚመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ” ዝበለ ጐይታ፣ ብልባ ወሲና ተበገሰት፣ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ቀረበት ግና፣ ብዛዕባ ሓጢኣታ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፣ ምንባዕ መረጸት። ርዝነት ሓጢኣቱን፣ ቅድስና ኣምላኹን ዝተረድአ ሰብ፣ ክዛረብ ኣይደፍርን፣ ክነብዕ እምበር! ስለዚ ነቢዓ!

“ናይ ንስሓ ንብዓት፣ ንዂሉ ሓጢኣት ትሓጽብ” ይብል ቅዱስ ኣዉግስጢኖስ ዘሂፖ። ሓጢኣት ዝመልአት ልቢ፣ ኣንትርፎ ብናይ ንስሓ ንብዓት፣ ብካልእ ማይ ኣይትጸርይን። ስለዚ ዉን፣ ማርያም ነብዐት፣ ዝርንዛሕ ንብዓት፣ ኣብ እግሪ ጐይታ ኣፍሰሰት፣ ብዙሕ ስለዝተሓድገላ፣ ብዙሕ ኣፍቀረት። ብዙሕ ናይ ምፍቃራ ምልክት፣ ክቡር ጨና ብምግዛእ ጥራይ ኣየነበረን፣ እንታይ ደኣ፣ ንሓጢኣታን ብምንባዕ እምበር። ስለዚ ዉን እዩ ጐይታ፣ ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ እዩ ዝበላ። እዚ ናታ ተግባራ ዉን፣ ወንጌል ኣብ ዝተሰብኸሉ ኣጋጣሚ፣ ኲሉ ግዜ ከም መዘኸርታ ከም ዝንገር፣ ቃል ተነበየ፣ እነሆ ንዘመናት እንዳተነግረ ኣባና በጺሑ።

ይሁዳ

በንጻሩ ይሁዳ ንዉሰዶ። ኣጀማምርኡ ጽቡቕ፣ ምዝዛሙ ግና፣ ንጥፍኣት። ወደ መዝሙር ጐይታ ዝነበረ፣ ጐይታ ዝገበሮ ተኣምራት ዝረኣየ፣ ኲሉ ትምህርቲታት ጐይታ ዝሰምዐ። ኮይኑ ግና፣ ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ክህብ፣ 30 ብሩር ዝተቐበለ እዩ።

መለበሚ ደኣ ኮይኑና ኣሎ እምበር፣ ናይ ይሁዳ ነገር ኣየመኽሕን፣ “ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።” /1ይ ጢሞ 6፥10/።

ኣነስ ሓደ ሓደ ግዜ፣ እቲ ጐይታ ምስላ ዘርኢን ዘራኣይን ኢሉ ዝተዛረቦ ክሓስቦ እንከሎኹ፣ እቲ ኣብ እሾኽ ዝቦቐለ መሬት ዝተዘርአ ዘርኢ፣ ይሁዳ (ከምዚ ከማይን) ኮይኑ ይስምዓኒ።

ይሁዳ፣ ኣብ ልቡ እሾኽ ዝነብሮ ከይኸዉን? ጐይታ ናብ ልቡ ዘርኢ ክዘርእ እንከሎ፣ ምስቲ ሰናይ ዘርኢ፣ ማዕረ፣ እቲ እሻኽ ዝዀነ ፍቕሪ ገንዘብ ምስኡ ይዓቢ ነበረ፣ ስለዚ ዉን እዩ “እቲ እሾዅ ከኣ ዓብዩ ሐነቖ ፍረውን ኣይፈረየን” /ማር 4፡7/። ልክዕ ከምቶም ሓዋርያት፣ ናይ ንስሓን ናይ መንፈስ ቅዱስ ፍረን ከየፍሪ ዝገበሮ፣ እቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ።

ማርያም በዓልቲ ጨና፣ ነቲ ክቡር ጨና ገዚኣ መጺኣ፣ ኣብ ርእሲ ጐይታ ከተፍስሶ እንኰላ፣ ብዙሓት ኣዕገርጊሮም እዮም፣ ኮይኑ ግና፣ ቀንዲ መራሒ ናይዚ ይሁዳ እዩ ኔሩ፣ “ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።” /ዮሃ 12፥4-7/።

Many women have complaints of dry vagina, lack of libido, low sexual desires hop over to this pharmacy shop commander viagra and much more.

ይሁዳ

እታ ሰበይቲ

ወደ መዝሙር ዝነበረ ኣመንዝራ ዝነበረት
እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ። ማር 14፡21
ወንጌል ኣብ ዝተነግረሉ ብሰናይ እትዝኸር ማር 14፡9
ሰራቒ ዝነበረ፣ንጐይትኡ ዝሸጠ ንቀብሪ ጐይትኣ ዝኸዉን ጨና ዝለኸየት፣ ፍቕሪ ገንዘብ ዘይነበራ
ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ክህብ 30 ብሩር ዝተቐበለ ሕድገት ሓጢኣት ካብ ጐይታ ክትቕበል 300 ዲናር ዝሃበት
ተሓኒቑ ዝሞተ ብንስሓት ዝተሓደሰ ህይወት ዝረኸበት
ንጐይትኡ ብምስዓም ኣሕሊፉ ዝሃበ ንጐይትኣ እግሩ ብምስዓም ሕድገት ሓጢኣት ዝተቐበለት
ኣጀማምርኡ ጽቡቕ፣ ኣፈጻጽምኡ ሕማቅ ኣጀማምርኣ ሕማቅ፣ ኣፈጻጽማኣ ግና ምስ ጐይታ ህይወት

ክንዲ ምንታይ ኢና ንጐይታና እነፍቅሮ?

ክንዲ ማርያም ድዩ ዋላስ ክንዲ ይሁዳ? ንጐይታና ክንረኽብ ዝኽፈል ንኸፍል ዲና፣ ዋላስ ንጐይታ ኣሕሊፍና ክንህብ ገንዘብ እንቕበል ኢና? መኖም ኢና ንሕና? ዓስቢ ደሊና ከም ይሁዳ ናብ ጐይታ እንቐርብ ሰባት ዲና? ብዙሓት እኰ ኣለና፣ ካብ ጐይታ ገለ ነገር ደሊና፣ እንቐርብ። ገለ ዝጎደለና ነገር ጥራይ ክህሉ እንከሎ ንጐይታና እንዝኽር ብዙሓት ኢና። እዚ ናይ ይሁዳ ዓይነት ህይወት እዩ።

ኲልና፣ ንጐይታ ተፍቅርዎ`ዶ ተባሂልና እንተንሕተት፣ መልስና “እንታይ ሕቶ ኣለዎ፣ ጽቡቕ ጌረ ኣምበሪ” ኢልና ምመለስና። ምምላስ እንሓፍር ሰባት ዉን ብዉሕዱ፣ ብልብና ከምኡ ምሓሰብና። ብዘይ ገለ ሓሶት፣ ንጐይታ ክንዲ ምንታይ ከም እነፍቅሮ፣ ዝነግራና ግና ሰለስተ ነገራት ኣለዋ። ገንዘብና፡ ግዜናን፡ ዝምድናናን። ነዘን ሰለስተ ነገራት ኣብ ህይወትና ብከመይ ከም ነመሓድረን እንድሕሪ መርሚርናየን፣ ሽዑ መልሲ ክንረኽብ ኢና። “ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ” /2 ቆሮ 13፡5/።

  •  ገንዘብ፣- “መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ” እዩ ዝብል እቲ ቃል። ስለዚ ካብቲ ወርሓዊ ነእትዎ ገንዘብ፣ ክንዲ ምንታይ ኢና ንክብሪ ኣምላኽ ንጥቐመሉ? ዕሽር`ኸ ነዉጽእ`ዶ? ንድኻታት ምሕጋዝ`ከ? ንዝተጸገሙ ሰባት ገንዘብ ንህብ ዲና? ሕጉሳት ወሃብቲ ዲና?  “ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዚብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዚኣከል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባካትኩም ጸብለል ኬብል ይከኣሎ እዩ” /2 ቆሮ 9፥13/።
  • ግዜ ወሳኒ እዩ፣ “እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ” /ኢፌ 5፥17/። ንእግዚአብሔር ክንዲ ምንታይ ግዜ ንህቦ? መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ፡ ጸሎት ንምግባር፡ ቤተክርስቲያን ንምኻድ፡ ኣብ ጉባኤ ንምስታፍ፡ ንድኻታት ንምሕጋዝ. . .ክንዲ ምንታይ ንህብ? ተርፍ ዲና ንኣምላኽ እንህቦ? ማለት ኩዑሶ ምስ ረኣና፣ ፊልሚ ምስ ጸገብና፣ ቡን ምስ ሰተና፣ ኣብ ደገ ምስ ዞርና፣ ስራሕ ምስ ወዓልና፣ ኮታስ ኲሉ ናይ ስጋዊ ነገር ጥራይ ጌርና ምስ ወዳእና፣ ሽዑ ተረፍ ግዜ ምስ በዝሓና ዲና ናብ ቤቱ ንኸይድ፣ ዋላስ ግዜ ሂብና ምስ ኲሉ መደብና ንሰርዕ ኢና?

“ኢየሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዜውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዚኣክል፡ ኣውደቐት። ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዚበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።” /ማር 12፥41-44/

ካብ ተረፍና ዲና እንህብ፣ ዋላስ ካብቲ ዘለና?

  • ዝምድናና ዉን ንመርምሮ። ንሰባት ክንፈልጦም፣ ሻሂ ነስትዮም፣ ምስኦም ነዕልል፣ እንታይ ይፎትዉን እንታይ ይጸልኡን፣ መሚና ንፈልጥ። ብፍላይ ኣዚና ንግደሰሎም እንድሕሪ ኮይኖም፣ ጥናቃቒ ብዝመልኦ ኢና፣ ንቐርቦም፣ ንሳቶም ዝፎትዎ እምበር ካልእ ክዳን ኣይንኽደንን። ምስ ሰባት ዘለና ዝምድና ከነደልድል፣ ብዙሕ ሜላታት ንጥቀም፣ ብቴሌፎን ብኢንተርኔት ክንረኽቦም ንፍትን። ምስ ኣምላኽ ዘለና ዝምድና ከነሐይሎ ክንዲ ምንታይ ኢና ንጽዕር?

ማርያም ዲና ዋላስ ይሁዳ? ማርያም ንጐይታ ክትረኽብ 300 ዲናር ከፊላ፣ ንስኻ ወይ ንስኺ `ኸ ክንዲ ምንታይ ከፊልካ/ኪ? ቅዳሴ ክትሳተፉ፡ ኣብ መደብ ብግዜኹም ክትርኸቡ፣ እንታይ መስዋእትነት ከፊልኩም? ኣብታ ናይ እግዚአብሔር መደብ ዝግበረላ ሰዓት ንፎትዎ መደብ ኣብ ቴለቪዥን እንተዝጅምር፣ ሓዲግናዮ ናብ ቤት ኣምላኽ`ዶ ምኸድና? ንኣብነት እስከ ንብል፣ ዓርቢ ስቕለት መዓልቲ፣ ባርሳ ኣንጻር ሪያል ማድሪድ እንተትጻወት፣ እንታይ ምገብርኻ? ወይ ሓንቲ ትፎትዉያ መደብ ድራማ እንትትጅምር እንታይ ምገበርኪ?

እዛ ሓጥእ ሰበይቲ፣ ነቲ ክቡር ዝዀነ ጨና ኣምጺኣ ክተፍስስ እንከላ፣ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ግና ኣጉረምረሙ። ንሳ ተሓጒሳ ነቲ ጨና ክትለኽዮ እንከላ፣ ይሁዳ ነቲ ልዑልን ፈቃር ጐይታ ክሸይጥ ተሃዊኹ። ንሳ ጐይታኣ ከተለሊ እንከላ፣ ንሱ ግና ካብኡ ሃደመ። ንሳ ካብ ሓጢኣት ባርነት ሓራ ኮነት፣ ንሱ ግና ነቲ ጸላኢ ሰናያት ንዲያብሎስ ተገዝአ። ዕሽነት ይሁዳ ክንደይ ይድንጹ? ንስሓ ናይዛ ሓጥእ ሰበይቲ`ከ ክንደይ ይደንቕ?

ዋጋ ክርስቶስ ኣብ ህይወትኹም ክንዲ ምንታይ እዩ? ክንዲ ምንታይ ኢኹም ንጐይታ እተፍቅርዎ? ክንዲ ይሁዳ`ዶ ዋላስ ክንዲ እዛ ዘማዊት ሰበይቲ? ንጐይታ ከም ይሁዳ፣ ብመጠን እቲ ንረኽቦ መኽሰብ ዲና እንቐርቦ፣ ዋላስ ከምዛ ዘማዊት ሰበይቲ፣ እቲ ንጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቁዕ ዝዀነ ኣዝዩ ክቡር ነገር ንምሃብ ድሉዋት ኣለና? ኣነስ እፈርሕ እየ. . .

“ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነተን ንጹሃት ዝዀና ኣእጋር ክሕቊፍ፣ ናባኻ ሰሓበኒ። ካብአን ናይ ህይወት መዓዛ ጨና ምእንቲ ከሽትት፣ ብንብዓት ኣዕይንተይ ምእንቲ ከጠልቅየን፣ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ እሞ፣ ብሰላም ኪድ ዝወደይ፣ ስምካ ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ እዩ፣  ዝብል ቃል ምእንቲ ክሰምዕ፣ ነዚ ዉን ምእንቲ እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተሰምየ ቅዱስ ስምካ ኢልካ ክትገብረለይ ይልምነኻ ኣለኹ። ኦ ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ እግሪ ደቂ መዛሙርትኻ ከም ዝሓጸብካ፣ ንዓይ ዉን ካብ ሓጢኣተይ ሕጸበኒን ኣንጽሃኒን፣ ካብ በረድ ንላዕሊ ምእንቲ ክጽዕዱ ዉን፣ ናይ ንስሓ ማይ ኣብ ልዕለይ ከዓወለይ። ንዘለኣለም ኣለም ኣሜን”ጸሎት ቅዱስ ስምኦን ኣምዳዊ (ሓሙስ ቀትሪ ሰዓት 6)