መዝሙር ፋሲጋ-ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ

ኦ ጐይታ፣ ኣብ ቅድሜኻ ብፍርሓት ይሰግደልኻ ኣለኹ፣
ኦ ሰናይ ዝዀንካ ኣምላኽ፣ የመስግነኻ ኣለኹ።
ኦ ናይ ቅዱስና ኣምላኽ፣ ኣብ ብርኸይ ወዲቐ ናባኻ ይምህለል ኣለኹ።

ንዓይ፣ ንድርቡይ ሓጥእ፣ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሓራ ክትገብረኒ፣ ናይ መስቀል ሞት ሞትኻለይ።

ስለ ሰናይ ዉህብቶኻ እንታይ ክህበካ እየ?
je
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ኦ ናይ ሰብ ዓርኪ!
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ኦ ፍጹም መሓሪ!
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ኦ ፍጹም ተዓጋሲ!
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ኦ ኣበሳ ሓዳጊ!
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ክተድሕነና ዝመጻእኻ መድሓኒ!
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ኣብ ማህጸን ድንግል ሰብ ዝዀንካ!
ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ንድሕሪት ዝተኣሰርኻ!

Regular massage link cialis 10 mg of the male organ along the length using Overnight oil for two to three months.

ክብሪ ንዓኻ ይኹን፣ ምእንታይ ብኩርማጅ ዝተገረፍካ!
ክብሪ ንዓኻ ይዂን፣ መከራ ዝተቐበልኻ!
ክብሪ ንዓኻ ይዂን፣ ኣብ መስቀል ብመስማር ዝተሸንከርኻ!
ክብሪ ንዓኻ ይዂን፣ ንስኻ ኣብ መቓብር ዝሓደርኻ፣ ግን ከኣ ተመሊስኻ ካብ ሞት ዝተንሳእካ!
ክብሪ ንዓኻ ይዂን፣ ንሰባት ወንጌል ዝሰበኽካን፣ ዝተኣመንካን!
ክብሪ ንዓኻ ይዂን፣ ኦ ናብ ሰማይ ዝዓረግኻ!

ክብሪ ንዓኻ ይዂን፣ ንስኻ ኣብ የማን ኣቦኻ ኮፍ ዝበልኻ፣ ዳግማይ ዉን ምስ ኣእላፋት መላእኽቲ፣ ብግርማ ኣቦኻ ክትመጽእ ኢካ፣ ነቶም ሕማማትካ ዝከሓዱ ዉን ክትፈርዶም ኢኻ! ሓይሊ ሰማያት ክንቅጥቀጡ እዮም፣ መላእኽቲን ሊቃነ መላእኽቲን፡ ኪሩቤልን ሱራፌልን፣ ኣብ ቅድሜካ ብፍርሓት ይምጽኡ፣ ብክብሪኻ ዉን የንቀጥቕጡ። መሰረታት ምድሪ ኣንቀጥቀጡ፣ ኲሎም ህይወት ዘለዎም ፍጡር ንክብሪኻ ይምህለሉ።

እምበኣር፣ ኣብታ ሰዓት እቲኣ፣ “ንዓይ ንሓጥእ ብምሕረቱ ክብጀወኒ ዝመረጸ፣ ንዕኡ ክብሪ ይዂኖ” እንዳበልኩ ንክዝምረልካ፤ ኢድኻ ናብ ትሕቲ ክንፍኻ ትስሓበኒ፣ ካብቲ ዘይጠፍእ ሓዊን ካብ ምሕርቃም ኣስናንን፣ ኣድሕነኒ። ንዘለኣለም ኣለም ኣሜን!

ምንጪ፣-http://monachos.net/content/patristics/patristictexts/157