ናብራ ምስ ንህቢ-ብዲ. ዳንኤል ክብረት

እዛ ሕጂ እተንብብዋ ዘለኹም ጽሕፍቲ ካብ ኣምሓርኛ “ከንብ ጋራ ኑሮ” ዝተተርጎመት ኮይና፣ ብዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዝተጻሕፈት እያ። ኣብ ዉሽጢ ሓዳር ዘሎ ዉረድ ደይብ፣ ብንጹርን ብዕምቆትን እተረድእ፣ ኣዝያ ብስልቲ ጽሕፍቲ እያ። ኣንቢብኩም ንህይወት ክኾነኩም ዉን፣ እነሆ ፖስት ይገብራ ኣለኹ፣ ተቋደሱ! ኣምሓርኛ እትኽእሉ ነታ ጽሕፍቲ ባዕላ ከተንብብዋ ይላበወኩም።

ኣብ ገድሊ ናይ ቅድስት ወለተጴጥሮስ((ወለተ ጴጥሮስ ሓንቲ ካብተን ኣብ ኢትዮጲያ ዝቦቐላ ቅዱሳን ኣንስቲ እያ))፣ ከምዚ ዝብል ታሪክ ኣሎ።

ኣዴና ቅድስት ወለተጴጥሮስ ኣብ ገዳም ዋልድባ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፣ ኣገልጋሊት ናይ ሓንቲ እርጋን ዘርኸበን ሽምግል ዝበላ ኣደ (መነኮስ) ነበረት። እዘን ኣደ እዚአን፣ ካብ እርግንአን ዝተላዕለ ኲሉ ግዜ ዘንጸርጽራ፣ ጠባይ ዝበሃል ዘይነበረን፣ ሽዓ ዝተዛረብኣ ንሻዓ ዝቅይርኣ፣ ብቀለልቲ ነገራት ዝኩርያን ዝቁጥዓን፣ “ማይ ቐጢኑ” ዝዓይነቱ ትእዛዝ ዝእዝዛ ነበራ። ኣመለን መትሓዚ ስለዘይነብሮ ምስ ብዙሓት ኣይሰማምዓን ነበራ፣ ምስአን ክነብር ዝደሊ ሰብ ዉን ኣይነበረን። ብፍቓዳ ንንዉሕ ዝበለ ግዜ ዘገልገለተን እንኮ፣ ወለተ ጴጥሮስ ጥራይ ነበረት።

wtOyVሓደ መዓልቲ ኲለን እተን ካልኦት መነኮሳት (ደናግል) ተኣኪበን “ከመይ ኢልኪ ምስ እዘን እሞሆይ ሓቢርኪ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክትነብሪ ክኢልኪ? ከመይ ኢልኪ ትዕገስየን? ከምይ ኢልኪ ኣማሪርኪ ራሕሪሕክየን ዘወጻእኺ?” ኢለን ሓተትኣ። ወለተጴጥሮስ ግና “ንህቢ ትፈልጣ`ዶ? እዘን ኣደ እዚአን ንህቢ እየን። ካብዘን ኣደ ዝርኸብ፣ ብዙሕ ፍልጠት፡ ብዙሕ ጥበብ፡ ብዙሕ ልምዲ፡ ብዙሕ ታሪኽ፡ ብዙሕ ጸጋ ኣሎ። ንስኻትክን ግና ከም እትነክስ ጥራይ ኢኽን ትጥምታ፣ ስለዚ ኢኽን ካብአን ዝርኸብ መዓር ክትምእርራ ዘይከኣልኽን። ንህቢ ትነክስ እያ፣ የግዳስ መዓር ዉን ካብታ ትነኽስ ንህቢ እዩ ዝርኸብ። እታ ዘይትናኸስ ሃመማ ግና፣ ርስሓት እምበር መዓር የብላን። ስለዚ ኣነ፣ ከመይ ጌረ ምስ ንህቢ ክነብር ከምዝኽእል ተማሂረ እየ፣ ምስ ንህቢ እንዳነበርኹ ድማ፣ መዓር እምእርር ኣሎኹ” በለተን ይበሃል።

ሓዳር ማለት ዉን ከምዚ እዩ።

“ዕንባባ ዓንቢቡ ንህቢ ዉን ኣትዩልኪ፣
ደጊም ድሕሪ ሕጂ መዓር ክትበልዒ ኢኺ”((እዚ ናይ ኣምሓርኛ ባህላዊ ደርፊ ኮይኑ፣ “ኣበባዉ ኣበበ ንብም ገባልሽ፣ እንግዲህ ኣልማዜ ማር ትበያለሽ”))

ዝብል ባህላዊ ደርፊ ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ እዩ። ጸዓዱ ዉን ነቲ ናይ ሕጽኖት ግዜ ብቋንቋ እንግሊሽ “Honeymoon ናይ ወርሒ መዓር” ዝበልዎ ዉን፣ ምናልባት ከምዚ ሓሲቦም ከይኸዉን።

ገለ ገለ ሰባት፣ ነቲ ኣብ ሓዳር ምስ ኣተኻ ዘሎ መንከስቲ ጥራይ ስለዝጥምቱ፣ ሓዳር ክገብሩ ኣይደልዩን፣ ወይ ከኣ ነቲ ዝመስረትዎ ሓዳር ከፍርስዎ እንከለዉ ይረኣዩ። ገሊኦም ድማ፣ ኣብ ሓዳር ዘሎ ሰናይ ነገር ጥራይ ይሰምዑ እሞ፣ ክሳብ ዝኣትዉዎ ይህንጠዩ፣ ምስ ኣተዉዎ ግና ብዙሕ ይጠዓሱ። “ንዓኪ ክረኽብ ከርተት ከም ዘይበልኩ፣ ምስኮነ ግና ብኻ ተሪፍኒ ይብል” ኢሎም ዉን የማርሩ። ((ስሳል እንዳልኖርኩኝ አንቺን እስካገኝ ካገኘሁሽ ወዲያ እላለሁ አውጣኝ))

ሓዳር ግን እዚ ክልቲኡ ጥራይ ኣይኰነን። ሓዳር ልክዕ ምስ ንህቢ ሓቢርካ ምንባር ማለት እዩ። እቲ ሓደ ፍስሃ ይመልኣኻ፣ እቲ ካልእ ግና የቆጥዓካ። እቲ ሓደ ጥዕና ይህብ፣ እቲ ሓደ ግና የቀንዝው። እቲ ሓደ ጥዑም፣ እቲ ካልእ ግና መሪር እዩ። ነቲ ሓደ ቆሪጾም ይምእርርዎ፣ እቲ ካልእ ግና ከይቐርቦም ይኽልክልዎ።

ሓዳር ዉን ክልተ ጣባያት ኣለዎ። እቲ ሓደ ዘሐጉስ፣ እቲ ካልእ ዘጉሂ፤ በቲ ሓደ የስሐቀካ፣ በቲ ካልእ የብክየኻ። ሓንሳብ ‘እተው እተው’ ይብለኻ፣ ኣብቲ ካልእ ድማ ‘ህደም ህደም፡ ጥፋእ ጥፋእ፡ ረሓቅ ረሓቅ’ ይብለኻ። እቲ ሓደ ይነኽሰካ፡ እቲ ካልእ ድማ መቀረት ዘለዎ ጣዕሚ ይህበኻ። ኮይኑ ግና፣ ክልቲኡ ብሓንሳብ እዩ ዝርከብ፣ እቲ ሓደ ብዘይ እቲ ካልእ ኣይርኸብን።

እዚ ንመድሃኒት፡ ንብርዚ፡ ንሜስ፡ ንጥቀመሉ መዓር፣ ካብታ እትነክስ ንህቢ እዩ ዝርከብ። እዛ፣ ክትነክስ እንከላ ገጽ እተሕብጥ፡ ዉሽጥኻ መሪዛ እተቐንዙ ንህቢ፤ ንሳ እያ መዓር እትህብ። ኣብ ሓዳር ዉን ከምኡ እዩ፣ ክልቲኡ ኣብ ዉሽጢ ሓዳር ኣሎ። ኣብ ሓዳር ዘሎ መንከስቲ ናይ ንህቢ ኮይኑ ክንገልጾ ዝከኣል ንኣብነት ፤ ምጭቕጫቅ፡ ምብኣስ፡ ምኹርራይ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ምእዛዝ፡ እቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ኣገልጋሊ ምዃን፡ እቲ ሓደ ብዘይቲ ካልእ ክዉስን ዘይምክኣሉ፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ጠባይን ኣመልን ምዕጋሱ፣ ምስቲ ዝዕገስዎ ኣካል ሓቢርካ ምንባር። እዚ ዂሉ ልክዕ ከምቲ ናይ ንህቢ መንከስቲ እዩ።

ሰብ ነቲ ዝወለዶ ኣምርዓዉን እዩ። ምስቲ ብስጋ እትዛመዶ ወይ ምስቲ ዘዕበካዮ ሰብ ኣይትምርዓዉን። ወይ ንወዲ ገዛኻ ወይ ንጋል ገዛኻ ኣይትምርዓዉን። ግደ ሓቂ፣ ብጠባይ፡ ብኣመል፡ ብድሌታት ይኹን ብኣተሓሳስባ ብዝያዳ ንሰማምዖ ኣካል ምስቲ መተዓብይትና፡ ምስቲ ምሳና ሓቢሩ ሓመድ ልሒሱ ዝዓበየ ሰብ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ እምነትና ይኹን ባህልናን፣ ንመዉስቦ ክሳብ ሸዉዓተ ወለዶ ብምኽልካል፣ ንካልእ ጓና ከም ንወሃሃብ ጌሩና እዩ። ምስ ዘይንፈልጦ፣ ምስ ዘይመተዓብይትና፣ ምስ ዘይማዋልድትና፣ ምስ ዘይወዲ/ጓላ ገዛና፣ ምስ ዘይመዛምድትና ከም ንዋሰብ ይገብረና። ኣብ ካልእ ተወሊዱ፣ ዒስራ ሰላሳ ዓመት ኣብ ካልእ ቦታ ዓብዩ፣ ምስ ካልእ ዓብዩ፣ ናይ ካልእ ሰብ ጠባይ ሒዙ ዓብዩ፣ ካባና ብዝፍለይ ብካልእ መገዲ ዝዓበየ ሰብ፣ ንዕዑ ወይ ንዓኣ ኢና ንምርዓው።
Nerves and chemicals cause the penis muscles to relax order cheap viagra other and encourage speedy supply of blood .
ነቲ ንምርዓዎ ወይ ንምርዓዋ፣ ወዲ ወይ ጓል፣ ብፍልጠት ኣየስራሕናዮን ወይ ኣየስርሓናያን። ከምዚ ዓይነት ኣመል ዘለዎ፣ ከምዚ ዝሓስብ፣ ከምዚ ዓይነት መገዲ ዝኽተል፣ እምነቱ ከምዚ፣ ደረጃ ፍልጠቱ ክንድዚ፣ ከምዚ ዓይነት ምግባር ዘማልአ፣ ኢልና ዝርዝር ነጥብታትን ሊስታን ኣዳሊና ብምሃብ ኣይኰናን ዘስራሕናዮ፣ ወይ ዘስራሕናያ። “Ready Made/ ቅሩብ ስሩሕ” ኮይኑ ጸኒሑና።  ንሕና ከኣ፣ ዓይነት ንመርጽ ንኸዉን እምበር፣ መሪጽና ግና ኣይነስርሕን።

ንሕና ንንህቢ እንተነስርሓ ኔርና፣ ነቲ ናታ ናይ ምንካስ ባህሪ ንሃመማ፣ ናይ ሃመማ ጠባይ ድማ ንንህቢ ምሃብናያ ኔርና። ኮይኑ ግና ንንህቢ ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ኮይና ጸኒሓትና፤ ንሕና ከኣ ወሲድና ኣላሚድና፣ ናብ ቆፎና የእተናያ። ኣይፈጠርናያን፣ ከምዚ ኮይና ከም እትፍጠር ዉን ኣይገበርናን። እዛ ንህቢ እዚኣ፣ መዓራን መንከስቲ ሕንዛን ሒዛ ጸኒሓትና። ሰብ ዉን ኣብ ዉሽጡ መዓርን ሕንዝን ኣለዎ። ነቲ ካብ ሱፐር ማርኬት ተገዚኡ ዝመጽእ ብጥርሙዝ ዝተዓሸገ መዓር ዝበልዕ ህጻን፣ ንንህቢ ዝፈልጣ፣ ምናልባት በቲ ኣብቲ ጥርሙዝ ዝርእዮ ስእሊ እዩ። ካብዚ ዉን ነቲ ናታ መልክዕ እምበር፣ መንከስታ ኣይፈልጦን እዩ። እቲ ንጎይቶቱ መዓር ጎርጊሩ ዝእክብ ሸቃላይ ዉን፣ ናይታ ንህቢ መንከስቲ እምበር፣ መዓር ከም እትህብ ኣይዝክርን እዩ። እቲ ከምዚ ዓይነት ህይወት ዝመረሮ ሸቃላይ፣ “እዚ ጎይታይ እንታይ ስለዝጠዓሞ እዩ፣ ነዚ ናይ ንህቢ ቆፎ ከም ዝብርብር ዝገብረኒ” ዝበለ ዉን በዚ ምኽንያት እዩ።

ገለ ገለ ሰባት ኣብ መርዓ ብዝድረፍ ደርፊታት፣ ብዛንታ፣ ብስነስርዓት መርዓ፣ ብስብከት፣ ብድራማን ብፊልምን ንሓዳር ይርእይዎ እሞ፣ ሓዳር መዓር ጥራይ ኮይኑ ይረኣዮም። ዋላቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝረኽቦም ሰብ ዉን፣ “ኣንታ ክንዲ ሰብ ኣኺልካ እንዲኻ፣ ዘይትምርዖ!” ጥራይ እዩ ዝብሎም እምበር፣ ኣብ ሓዳር ምስ ኣተኻ እንታይ ከምዘሎ ኣይነግሮምን።

“ኣፋኒና ሩባ ኣሳጊርና
ትመለስክን ቆልዓ ሓዚላ
ንዓመት ክንመጽእ ኢና
ገዓት ክንበልዕ ኢና”

ኢለን ደሪፈን ዘፋነዋ ዉን፣ ምናልባት ንዓመታ ዘይመጽኣ ይዀና። ገሊአን ዉን ነቲ ደርፊ ክደርፍኦ እንከለዋ ዉን፣ ንዓመታ ከምዘይመጽኣ ልበን እንዳነገረን፣ ግን ሱቕ ኢለን ዝደርፍኦ ኣለዋ። ኮይኑ ግና፣ ግድን ኲሉ ዝተመርዓወ ሰብ ኣብ ዉሽጢ ዓመት ቆልዓ ይረኽብ ዝበሃል ነገር የለን፣ ምናልባት ንዓመታ ቆልዓ ዘይረኽቡ ሰብ ሓዳር ዉን ክህልዉ ይኽእሉ፣ ነዚ ሓቂ ዉን ብግልጺ ንካልእ ዘረድእ ወይ ዘዘኻኽር ሰብ የለን። ስለዚ ዉን እዩ፣ ነዚ ዘይተነግሮም ገለ የዋሃን ሰባት፣ ቆልዓ ምስ ዝዱንግዮም ወይ ምስ ዘይወሃቦም ይፋትሑ።

ገሌኦም ድማ፣ ሓዳር ክበሃል እንከሎ፣ ናይ ንህቢ መንከስቲ ጥራይ እዩ ዝረኣዮም። ሓዳር ነዞም ሰባት እዚኦም፣ ማእሰርቲ፡ መግዛእቲ፡ ባርነት፡ ብቀሊሉ ፋሕ ዝብል፡ ምፍሕፋሕን ምጭቅጫቕን ጥራይ ዝመልኦ ይመስሎም። ሓዳር ክበሃል እንከሎ ቁጠባዊ ናጽነት ዘይትረኽበሉ፣ ሓሙሽተ ዓሰርተ ኣዋህሊልካ ነዃላትን ዕዳታትን ናይ ሓዳር ክትሓትም ድቃስ እትስነሉ ህይወት ጥራይ ይመስሎ። ብፍላይ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ዋጋታት ናህሪ ወሰኽ ኣዛሚዶም፣ ዝያዳ ንሓዳር ይጸልእዎ።1

ሓዳር ግና ከምዚ ኣይኰነን፣ ነቲ ሓደ ጥራይ እትረኽበሉ ህይወት ኣይኰነን። ሓዳር ምስ ንህቢ ዝግበር ናብራ እዩ። ነቲ መዓር ክትበልዕ፣ ነቲ መንከስቲ ክትጻወር ይግባእ። ጽንሕ ኢልካ ዉን ነቲ መንከስቲ ትላመዶ። ሸቃላይ፣ ቆፎ ሰቒሉ ንህቢ ከርብሕ እንከሎ፣ ንህቢ ከምትነክስ ዘንጊዑ ኣይኰነን። ዘይትነከስ ንህቢ እንተዝደሊ ኔሩ፣ ኣብ ፈቖዶ ጎሓፋት እትነፍር ሃመማ ኣላ። ሃመማ፣ ሽሕ እኳ ጣባያ ጥዑም እንተዀነ፣ ጥብ ዝብል ሙቁር ነገር ግና ካብኣ ኣይርኸብን። እቲ ንህቢ ዘርብሕ ሸቃላይ ዉን ነዚ ጽቡቕ ጌሩ ይፈልጥ እዩ። እንዳፈለጥ ዉን ንህቢ የራብሕ። ምርባሕ ጥራይ ዘይኰነሲ፣ ከመይ ጌርካ ምስ ንህቢ ከም ዝንበር ዉን ጽቡቕ ጌሩ ተማሂሩ እዩ። ንህቢ ትነአክስ እያ፣ ከም ዘይትነክስ ግና ክግበር ይከኣል እዩ፣ ንኣብነት ትፎትዎን ትጸልኦን ጨና ምልላይ። ንህቢ ክትቐርበኻ እንከላ እንታይ ክትገብርን ከይትገብርን ከም ዝግብኣካ፣ እቲ ሸቃላይ ይፈልጥ እዩ። ኣብ ባህልና ንህቢ ኣይትቕተልን፣ ነዉሪ እዩ። ዋላ ትንከስካ ኣይትቐትላን ኢኻ። ናይታ ንህቢ መዓር ክንወስድ እንከለና፣ ነታ ንህቢ ሶጊግና፡ ቀቲልና፡ ኣሳቕይና ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ገጽና ብጨርቂ ሸፊንና፣ ነቲ ከባቢ ብትኺ ጎልቢብና ናብቲ ቆፎ ቀሪብና፣ ነቲ መዓር ካብቲ ቦታ በርቢርና ንወስዶ። ኣብዚ መስርሕ እዚ፣ ንሕና ኣይንንከስ፣ እታ ንህቢ ኣይትህሰይን፣ እቲ መዓር ዉን ኣይጠፍእን እዩ።

ሓዳር ከምዚ እዩ፣ ኣነባብራ ናይ ሓዳር ጽቡቕ ጌርና ክንፈልጦ ይግብኣና። ከመይ ጌርና እታ ንህቢ ከምዘይትነኽስና ክንገብር ንኽእል፣ ከመይ ጌርና ነቲ ምቁር ዝዀነ መዓር ክንረኽቦ ንኽእል፣ እዚ ኲሉ ጥበብ ክንመሃር የድልየና። ክንዝኽሮ ዝግብኣና ዘገርም ነገር ዉን፣ ሓረስታይ (ሸቃላይ) ነዛ እትነክስ ንህቢ እዩ ዝከናኸና። እትቀስሞ ዕንባባ፣ ጽሩይ ከባቢ፣ ካብ ፍልሖ፡ ሓሰኻን ጻጸን ዝጸረየ ቆፎን ትደሊ። ግን ከኣ ትነክስ እያ። መሊሳ ድማ መዓር ትህበና እያ። ኣብ ዉሽጢ ሓዳር ዘሐጉስ ነገር ጥራይ ኣይኰነን ዘሎ፣ ዘጉሂ፡ ዘጽልእ፡ ዘቃጽል፡ ኣሙዕትካ ዘሕርር፣ ጨጓራኻ ዘቓጽል፣ ልብኻ ዘቃጽል ክፋል ኣለዎ። እዚ ኲሉ መንከስቲ እዩ። ግን ከኣ ክንኽን ይደሊ። ንጹህ ልቢ፣ እሙን ሕሊና፣ ዝዕገስ ኣምዑት፣ ዝጻወር ዓቅሊ፣ ጥበበኛ ኣእምሮ፣ ዝሓድግ ልቦና ይደሊ። “ስለምንታይ?” እንተ በልና፣ መዓር ስለዝህበና!

ገለ ሰባት፣ ልዕሊ እታ ኣብ ገዛ ዘላ (ወይ ዘሎ) ንህቢ ነታ ኣብ ደገ ዘላ ሃመማ ከድንቁ ይዉዕሉ። መቸም ካብ ቆፎ ወጻኢ እንታይ ከም ዝርኸብ ኣይጠፍኣናን እዩ። “ንህቢ ትነክስ እያ እሞ፣ ንህቢ ምፍራይ ይትረፈኒ” ዝብል ሸቃላይ፣ ስንፍንኡ እምበሪ፣ መንከስቲ ናይ ንህቢ መን ምተረድኣሉ። ጥበብ ኣልቦ ምዃኑን፡ ትዕግስቲ ዘይብሉን፡ ብቀሊሉ ዝሰዓርን ምኳኑ ይነግረና ኣሎ እምበር፤ ጠባይ ናይታ ንህቢ ይነግረና ከም ዘየለ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ሓዳር ዘሎ ጸገም ጥራይ ዝዛረብ፣ ወይ ብሓዳር ተማሪሩ ካብ ቆፍኡ ወጺኡ ዝኸይድ ሰብ ዉን፣ ሰነፍን ዓቅሙ ዘይብሉ ድኹም ምዃኑን እዩ ዝነግረና ዘሎ። እምበር ኣብ ቆፎ ዉሽጢ ዘሎ ጸገም ይነግር የለን። ምክንያቱ ኣብ ዉሽጢ`ቲ ቆፎ፣ መዓር እትህብ ንህቢ ከም ዘላ ኲሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ካልእ ይትረፍ እታ ብደገ ዘላ ሃመማ ዉን ነዚ ትፈልጥ እያ።

ገለ ገሊኦም፣ ምስ ንህቢ ክነብሩ ዘኽእሎም ጥበብ ክዉሕዶም እንከሎ፤ ዘይትነክስ ንህቢ ክደልዩ መሬት ይዓርቦም። ዘይትነክስ ንህቢ ምድላይ ማለት “ጸዋሚ ስለዝኾንኩ፣ ስጋ ስግኡ ሓዲግኩም መመረቑ ኣስትዩኒ” ምባል እዩ። ዘይትነክስ ንህቢ ፈጺማ ኣይትርኸብን። ዘይትነክስ ንህቢ ምድላይ ማለት፣ ዑደት ዘይትገብር መሬት ምድላይ ማለት እዩ። ዘትንከስ ንህቢ እንድሕሪ ደሊኻ ግና፣ ምስ ሃመማ ተመርዖ።

  1. ‹ታሠረች አሉ በትዳር፣ ከንግዲህ ቀረ መሽርቀር› የሚለው ዘፈንም ውስጠ ዘ አለበት፡፡ ትዳር ምን ዕዳ ነው ትዳር ምን ዕዳ ነው ጉልቻው ስሙኒ ምጣዱ ብር ነው። የሚለው ባሕላዊ ዜማ የምጣዱና የጉልቻው ዋጋ ዛሬ ሰማይ በነካበት ጊዜ ቀርቶ ትናንትም በርካሹ ዘመን ትዳርን ‹ዕዳ› ነው እያለ የንቧን መናደፍ እየነገረን ነው፡፡ []