ዳግማዊት ሔዋን-ድንግል ማርያም

መጽሓፍ ቅዱስ፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ “ዳግማይ ኣዳም” ወይ “ሰማያዊ ኣዳም” ኢሉ ይጽዉዖ። ናይቲ ዝወደቐ ኣዳም መተካእታ ኮይኑ ዝመጽአ ባዕሉ መድሓኒ ዓለም ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 5፥10-መፈ 1ይ ቆሮ 15፥45-49። “ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ” ኣዳም ናይቲ ክመጽእ ዝግብኦ ዳግማዊ ኣዳም ማለት ንክርስቶስ ምስሊ ወይ ጽላሎት እዩ። ብዘይ ምእዛዝ ናይቲ ቀዳማይ ሰብ ማለት ብሰንኪ ኣዳም ኩላትና ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ዝወደቕና፣ ብሰንኩ ድማ ኲልና ኣብ ትሕቲ ባርነት ከም ዝተሸመምና፣ ኮይኑ ግና በቲ ካልኣይን ሰማያዊን ኣዳም ማለት ብክርስቶስ ኢየሱስ ግና፣ በቲ ናቱ ምእዛዝን በጃነትን፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሰጋገርና ኢና።

“እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዚገብር መንፈስ ኰነ። ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።”

ኣብ ሮሜ መልእክቲ ድማ “ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም” ምስ በለ “ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ” እዚ ኣዳም እዚ ድማ “ምስሊ ናይቲ ዚመጽእ እዩ።” እቲ ዝመጽአ ኣዳም ድማ ማለት በዚ “ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት ብኢየሱስ ክርስቶስ፡” ህይወት ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። ብምባል ቅዱስ ጳዉሎስ ይነግረና።

ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፣ ዝያዳ መብርሂ ምእንቲ ክኸዉን፣ ብሓጹር ዝኣተዉ () {} ተወሰኽቲ ናይ ዉልቀይ መግለጺ ክትረኽቡ ኢኹም። እቲ ጹሑፍ ዝያዳ ክንጽረልና ዝተገብረ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክሕብር ይፎቱ።

ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣካላት ማለት ኣብ መንጎ ኣዳምን ክርስቶስን ዘሎ ምምስሳልን ፍልልይን ኣመልኪቱ ትንታነ ክህብ እንከሎ ቅዱስ ኢራኔዎስ((ቅ. ሄራኔዎስ)) /130-202 ዓም/ ከምዚ ይብል፡-

“ከምቲ እቲ ቀዳማይ ዝተፈጥረ ኣዳም፣ ተፈጥሮ ኣካላቱን ሰብነቱን (ፍጥረቱ) ካብ ዘይተሓርሰት ድንግል መሬት ዝዀነ፣ ከምኡ ዉን፣ እቲ ቃል (ወልድ-ቃለ እግዚአብሔር) ስግኡ ካብታ ድንግል ዝዀነት ማርያም ወሰደ። {በዚ ድማ እቲ ዝመጽአ ክርስቶስ ብኲልንትንኡ ንኣዳም ብምምሳል፣ ዳግማይ ናይ ኣዳም ነገር ከም ሓድሽ ጀመረልና} እቲ ቀዳማይ ኣዳም፣ ምድራዊ ኣቦ እንተዝህልዎ እሞ ብዘርኢ ሰብኣይ እንተዝዉለድ ኔሩ፣ እቶም ተጻረርትና ድማ1 ‘እቲ ካልኣይ ኣዳም ወዲ ዮሴፍ እዩ’ ኢሎም ምዝራቦም ሓቂ ምዀነ። {ከምኡ ግና ኣይኰነን}።  እቲ ቃል (ወልድ-ክርስቶስ) ነቲ ቀዳማይ ኣዳም ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ሓመድ ወሲዱ ብኢዱ ፈጥሮ። ንሱ፣ ባዕሉ እቲ ዝፈጠሮ ቃል፣ ንዘርኢ ኣዳም ሓድሽ ምጅማር ክህበና ኢሉ ኣገልግሎቱ ክጅምር እንከሎ፣ ኣበጋግስኡ ልክዕ ከምቲ እቲ ቀዳማይ ኣዳም ክገብር ኔርዎ {ቀዳማይ ኣዳም ካብ ድንግል መሬት፣ ክርስቶስ ድማ ካብ ድንግል ማርያም}። ጌሌኹም ምናልባት፣ ‘ስለምንታይ ደኣ ኣምላኽ ከም እንደገና ካብ ሓመድ ካልእ ሰብ ዘይፈጠረ? ስለምንታይ ነቲ ዝፈጠሮ ከድሕን ካብ ማርያም ስጋ ምዉሳድ ኣድለዮ?’ ትብሉ ትዀኑ። እቲ ቀንዲ ምክንያት፣ እቲ ዝደሕንን ዘድሕንን ሓደ ዓይነት ፍጥረት ምእንቲ ክዀኑ እዩ። ካብ ሓመድ ካልእ ፍጥረት እንተዝፈጥር ኔሩ፣ እቲ ዘድሕን ኣካል ካልእ ፍጠረት ምዀነ፣ ማለት ምስቲ ክድሕን ዝግብኦ ኣካል ሓድነት ዘይብሉ ምኰነ። እቲ ከድሕነና ዝኽእል ኣካል ከምቲ ቀዳማይ ፍጥረት ክኸዉን ኣለዎ። እቲ ዘድሕነና ኣካል ከማና እንድሕሪ ኮይኑ፣ ነቲ ናትና መንነትና ናብቲ ናይ ቀደም ክብሩ ብምምላስ፣ ንዓና ሓድሽ ምጅማር ክህበና ይኽእል።”((Against the Heresies III, 21))

ካልአይቲ ሔዋን መን እያ?

ብሓዋሪያዊ ትዉፊት ተመሪሕና ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታትና ክንፍትሽ እንከሎና፣ ገና ካብ ቀዳማይ ክ/ዘ ጀሚሩ  ሓደ ብሉጽ ምስላ ክንመሃር ንኽእል። ከምቲ ነቲ ዝወደቀ ኣዳም መተካእታ ዝኸዉን ሰማያዊን ዳግማዊን ኣዳም ዘሎ፣ ከምኡ ዉን ነታ ንመዉደቒና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ሔዋን፣ መተካእታ እትኸዉን “ዳግማዊት” ወይ “ካልአይቲ” ወይ “ሓዳስሔዋን ከም ዘላ ይነግረና። እዛ “ዳግማዊት ወይ ሓዳስ ሄዋን” ዝተባህለት ሰበይቲ ድማ፣ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ነዚ ኣብነት ኣመልኪቶም ቅዱሳን ኣቦታት ዝመሃርዎ ትምህርቲ ከምዚ ይመስል፦

እቲ ፈላስፋ ዝነበረ እሞ ብሰማእትነት ዝሞተ ቅዱስ ጀስቲን ሰማእት (100-165 ዓም)፣ ምስ ትሪፎ ዝበሃል ኣይሁዳዊ ኣብ ዝገበሮ ክርክር፣ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ከመይ ጌሩ ከም ዘድሓነና ከረድእ እንከሎ ከምዚ በለ

“ነዚ ነገር እዚ ብግህዶ ንፈልጥ ኢና። ምእንቲ እቲ፣ ካብ ተመን ዝመንጨወ ዘይምእዛዝ፣ ብተመሳሳሊ መገዲ ምእንቲ ክሰዓር፤ ንሱ፣ እቲ ቅድሚ ኲሉ ፍጥረት ዝነበረ (ወልድ) ብፍቓዱን ብሓይሉን ካብ ኣቦ ወጺኡ፣ ካብ ድንግል ተወሊዱ ሰብ ኮይኑ መጽአ። ሔዋን፣ ድንግልን ሰብኣይ ከይቀረበት እንከላን፣ ቃል ናይቲ ተመን ተቀቢላ (ሰሚዓ)፣ ሞትን ዘይምእዛዝን ወለደትልና (ሃበትና)። ድንግል ማርያም ግና፣ እቲ መልኣክ ሰናይ ብስራት ሒዙ ምስ መጽአ፣ ነቲ ዝነገራ ቃል ብጽሞና ሰምዓቶ፣ ‘መንፈስ እግዚአብሔር ቅዱስ ናብኣ ከም ዝመጽእን፣ ሓይሊ እቲ ልዑል ዉን ከም ዘጽልላ፣ እቲ ካብኣ ዝዉለድ ዉን ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝበሃል፣’ ኣስተዉዒላ መርሚራ፣ ብእምነትን ብሓጎስን ተቀቢላ፣ “ከም ቃልካ ይዂነለይ”  ኢላ መለሰትሉ።” ((Dialogue with Trypho ,100))

ጠርጡላን ወይ ተርቱላን2 ዝበሃል ዝነበረ መምህር ናይ ቤተክርስቲያን ብወገኑ፣ከምዚ ይብል

“እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ነቲ ዲያብሎስ ዘዕነዎ መልክዑን ምስሉን፣ ኣንጻራዊን ተመሳሳሊን ብዝዀነ መገዲ፣ ከም ዝሕደስ ገበሮ። ናብ ሄዋን፣ ገና ብድንግልንኣ እንከላ፣ ሞት ዘስዕብ ቃል ናብኣ ኣተወ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፣ እቲ ህይወት ዝህብ (ህይወት ዝፈጥር) ቃል ኣምላኽ (ወልድ-ክርስቶስ)፣ ናብታ ድንግል (ማርያም) መጽአ። ብኣንስተይቲ ጾታ ናብ ጥፍኣት ወደቕና፣ ብተመሳሳሊ ጾታ ዉን ድሕነት ረኽብና። ሔዋን ንተመን ኣመነት፣ ማርያም ድማ ንገብርኤል ኣመነት። ብእምነት ናይታ ሓንቲ ዝመጽአ ጌጋ፣ ብእምነት ናይታ ካልአይቲ ድማ ተኣልየ።” ((De Carn. Christ. 17))

እቲ ኣቀድም ኣቢልና ጠቂስናዮ ዝነበርና ንቅዱስ ፖሊካርፐስ ወዲ መዝሙር ዝነበረ ሊቅ ኣቦ፣ ቅዱስ ኢራኔዎስ3፣ ነዚ ጉዳይ ኣግፍሕ ኣቢሉ ይገልጾ

“ብሓቂ ብብብቅዓትን፣ ድንግል ማርያም “እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚአብሔር እየ፣ ከምቲ ዝበልካኒ ይዂነለይ” ምባላ እዝዝቲ ኮይና ተረኽበት። ሔዋን ግና ድንግል እንከላ ክነሳ፣ ኣይተኣዘዘትን፣ እዝዝቲ ኮይና ዉን ኣይተረኽበትን። ንሳ (ሔዋን) ዋላዃ ኣዳም ሰብኣያ ይዂን፣ ኣይቀረባን ነበረ፣ ስለዚ ዉን ድንግል ነበረት። ኮይኑ ግና ትእዛዝ ኣፍሪሳ፣ ንገዛእ ርእሳን ንኲሉ ደቂ ሰባትን ምክንያት ሞት ኮነትና። ማርያም ግና ዝተመርጸት ሰበይቲ ስለዝዀነት፣ ድንግል እንከላ ስለዝተኣዘዘት፣ ንገዛእ ርእሳን ንኲሉ ደቂ ሰባትን ምንጪ ድሕነት ኮነትና። . . ጐይታ እዃ ባዕሉ ብዛዕባዚ ክዛረብ እንከሎ ‘ቀዳሞት ዳሕረዎት፣ ዳሕረዎት ድማ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም’ በለ። ነብያት ዉን ‘ህየንተ ኣበዉኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቀ/ ኣብ ክንዲ ኣቦታት ህጻናት ተወልዱልኪ’ /መዝ 45፡16/ ኢሎም መስኪሮም እዮም። ጐይታ ክዉለድ እንከሎ (ብስጋ)፣ ቦክሪ ናይ ምዉታን ኮነ፣ ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት ዉን ናብቱ ናቱ ሕቚፊ ኣእተዎም። ኣዳም እዃ ናይ ሞት መጀመርታ እንተነበረ፣ ንሱ (ጐይታ) ግና፣ ባዕሉ ህይወት ዝህብ ስለዝዀነ፣ መሊሱ ብኣምላኽ ንዝርኸብ ህይወት ዳግማይ ከም ዝሓብሩ (ከም ዝዉለዱ) ገበሮም። ሉቃስ ብዛዕባ ወለዶ ጐይታ ክነግር እንከሎ፣ ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ናብ ኣዳም እዩ ዝወስድ። ከምዚ ብምግባሩ ድማ ሓደ ነገር ከብርሃልና ደልዩ እዩ። ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ናብ ኣዳም ብምዉሳድ፣ (ክርስቶስ) ነቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት፣ ናብቲ ብወንጌል ዝርኸብ ህይወት (ዘለኣለማዊ ህይወት) ዳግማይ ከም ዝወለዶም ንከረድኣና እዩ። ንሳቶም (ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣቦታት) ዘይዀኑ ንዕኡ ዝወለድዎ፣ ንሱ እዩ ናብ ሓድሽ ህይወት ዝወለዶም። ስለዚ እቲ ብሰንኪ ዘይምእዛዝ ሔዋን ተኣሲሩ ዝነበረ ገመድ፣ ብምእዛዝ ማርያም ዳግማይ ተፈትሐ። ብድንግልንኣ ዝነበረት ሔዋን፣ ተጠራጢራ ዘምጽኣቶ ማእሰርቲ፣ ብእምነት ድንግል ዝዀነት ማርያም ተፈትሐ።” ((Against Heresies iii. 22.34))

መሊሱ ዉን ከምዚ ይብል

“ሔዋን፣ ብቃል ናይ መልኣክ ((እቲ ዘጋገዮም ተመን ባዕሉ ዲያብሎስ- እቲ ዝወደቐ መልኣኽ እዩ)) ተታሊላ፣ ካብ ኣምላኽ ብምርሓቃ፣ ትእዛዙ ኣፍረሰት። ማርያም ግና፣ ቃል ብስራት ናይ መልኣክ (ገብርኤል) ሰሚዓ፣ ንቃሉ ስለዝተኣዘዘት፣ ንኣምላኽ ክትጾሮ በቅዐት። እታ ሓንቲ ንኣምላኽ ኣይተኣዘዘትን፣ እታ ካልአይቲ ግና ንኣምላኽ ክትእዘዝ ቀረበት። በዚ ድማ፣ ነታ ድንግል ዝዀነት ሔዋን፣ ድንግል ማርያም ጠበቅኣ ኮነት። ደቂ ሰባት፣ ብሰንኪ ድንግል (ሔዋን) ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሞት ወዲቖም ነበሩ፣ መሊሶም ድማ ብድንግል (ማርያም) ደሓኑ። ናይቲ ሓንቲ ድንግል ዘይምእዛዝ ድማ በታ ሓንቲ ድንግል ምእዛዝ፣ ሚዛኑ ተሓለወ።” ((Against Heresies. iii. 19))

ናይዞም ቅዱሳን ኣቦታት እግሪ ስዒቡ ድማ፣ ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም /315-386/ ብወገኑ ከምዚ ይብል፦
Further each generico levitra on line learn this here now of the component works to increase the blood flow into genital organs.
“ከምቲ ብሰንኪ ድንግል፣ ሔዋን፣ ሞት ዝመጽአ፤ ከምኡ ድማ፣ ካብ ድንግል ማለት ብድንግል ድማ ህይወት ክግለጽ ግድን ኰነ። ነታ ሓንቲ ተመን ኣታለላ፣ ነታ ካልአይቲ ግና ገብርኤል ኣብሰራ” ((Cat xii.15))

እቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሻምቡቆ ዝተባህለ ኣብ 378 ዓም ዝዓረፈ ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ ኣብ ዉዳሴኡ ናይ ሓሙስ ድማ ከምዚ ይብል

“ብእንተ ሔዋን ተኣጽወ ኆኅተ ገነት፣ ወብእንተ ድንግል ማርያም ተርህወ ለነ ዳግመ/ ብሰንኪ ሔዋን ገነት ተዓጽወት፣ ብድንግል ማርያም ድማ ዳግማይ ተራህወ”

ኣብ ካልእ ዉን ከምዚ ይብል፦

“ኣብ ፈለማ፣ ብሰንኪ ሓጢኣት ቀዳሞት ወለድና፣ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሓለፈ። ሎሚ ግና፣ ብሳላ ማርያም፣ ካብ ሞት ናብ ህይወት ተሰጋገርና። ኣብቲ ፈለማ፣ ተመን ንእዝኒ ሔዋን መልኦ፣ ሕንዚ ስሙ ድማ ናብ ኲሉ ሰብነት ሓለፈ። ሎሚ ድማ፣ ካብ እዝኒ ማርያም ፈላሚ ዘለዓለማዊ ሓጎስ ተቐበልና። በዚ ድማ፣ እታ ናይ ሞት መሳርሒት ዝዀነት፣ መሊሳ ድማ ናይ ህይወት መሳርሂት ኮነት (ብሰንኪ ሔዋን ሞት፣ ብሰንኪ ማርያም ድማ፣ ህይወት)” ((Opp. Syr. iii. p.607))

ብስብከቱን ትምህርቱን ንቆጵሮስን ካልኦት ቦታታትን ወንጌል ዝመገባ፣ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ዘቆጵሮስ ዉን፣ ቅድሚኡን ኣብ ግዚኡን ዝነበሩ 80 ዓይነት ምንፍቅና ኣብ ዝገለጸሉ መጽሓፉ ከምዚ በለ፦

“{ሔዋን፣ ‘ኣደ ኲሉ ህያዉያን’ ተባሂላ ተጸዊዓ እያ} እዚ ንሔዋን ዝተነግረ ‘ኣደ ኲሉ ህያው’ ዝብል ናይ ክብሪ ስም፣ ብሚስጢራዊ መንገዲ ንዓዓ (ንማርያም) ዘመልክት እዩ። ምክንያቱ እዚ ክቡር ስም`ዚ፣ ድሕሪ ዉድቀት ክትረኽቦ ምኽኣላ፣ ኣዝዩ ይገርም እዩ ። ብስጋዊ መገዲ ክርአ እንከሎ፣ ኲሉ ህዝቢ ዓለም ካብ ሔዋን እዩ ተወሊዱ። ብኣማናዊ መገዲ ክርአ እንከሎ ግና፣ ማርያም እያ ነቲ ህይወት (ክርስቶስ) ኣብ ዓለም ዝወለደቶ። ማርያም ባዕለ ነቲ ህይወት ዝህብ ስለዝወለደት፣ ባዕላ ‘ኣደ ኲሉ ህያው’ ኮይና እያ። ስለዚ ማርያም ብሚስጢራዊ መገዲ፣ ኣደ ኲሉ ህያዋን ተባሂላ ንረኽባ። ብዛዕባ እዘን ክልተ ኣንስቲ፣ ብዛዕባ ሔዋንን-ማርያምን፣ ብዝያዳ ክንግንዘቦ ዝግብኣና ኣዝዩ ዝገርም ነገር ኣሎ። ሔዋን ምክንያት ናይ ሞት ኮነት፣ ማርያም ድማ ናይ ህይወት ምክንያት። ኣብ ክንዲ ሞት፣ ህይወት ምእንቲ ክስዕር፤ ካብ ሰበይቲ (ማርያም) ሞት ዘይብሉ ህይወት ተረኽበ። ማለት፣ ንሱ፣ እቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ (ካብ ድንግል ዝተወልደ ክርስቶስ)፣ ንዓና ህይወት ኮይኑና።” ((Haer. 78. 18.))

እዚ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ዝጀመረ ኣገላልጻ፣ ማለት ንድንግል ማርያም ናይ ሔዋን መተካእታ እንዳገብርካ ምግላጽ፣ ልሙድ ስለዝነበረ፣ ኣብ መወዳእታ 5ይ ክ/ዘ ዝነበሩ ክርስቲያናት “ብሰበይቲ ሞት፣ ብሰበይቲ ድማ ህይወት” ዝበሃል ምስላ የዘዉትሩ ነበሩ።

ናይዞም ኩሎም ኣቦታት ፈለግ ስዒቡ፣ እቲ ናይ ራቬና ጳጳስ ዝነበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃለወርቅ፣ ብኸምዚ መገዲ ኣስፍሕ ኣቢሉ ይገልጾ።

“ንስኺ (ድንግል ማርያም) ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ። ካብ ኣንስቲ ማእኸል ዝዀነት ሔዋን፣ ካብ ማህጸና መርገምን መቕጻእትን ወለደትልና። ማርያም ግን ብጽእትን ሕርይትን ስለዝዀነት፣ ባህ ይብላ። ክብሪ ስለዝረኸበት ዉን፣ ሰባት ናብኣ ይጥምቱ (ከም ኣብነት)። እታ ብፍጥረታ ምዉታት ትወልድ ዝነበረት ሰበይቲ፣ ሕጂ፣ ብጸጋ ‘ኣደ ኲሉ ህያዋን’ ክትኸዉን በቂዓ። ሰማያት ብሓይሊ ኣምላኽ የንቀጥቅጡ፣ መላኣኽቲ ኣብ ቅድሚኡ ይርዕዱ፣ ዓለም ንዕኡ ኣይበቅዑን፣ ተፈጥሮ ዉን ክምግብዎ ኣይኽእሉን። እዛ ጎርዛ ኣገልጋሊት (ድንግል ማርያም) ግና፣ ተቀበለቶ፣ ሓብሓበቶ፣ በጥባታ ዓንገለቶ። ኣብ ማህጸናን ቤታን ስለዝቀተበለቶ ድማ፣ ለመነት እሞ፣ ኣብ ሰማያት ክብሪ፣ ኣብ ምድሪ ድማ ሰላም ከም ዝወርድ ገበረት። ንዝጠፍኡ ድሕነት፣ ንዝሞቱ ህይወት፣ ንምድራዉያን ሰማያዊ ዉልድነት፣ ሃበት። ዉህደት ኣምላኽ ምስ ስጋ ሰብ ድማ ተፈጸመ።” ((Serm. 140))

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፣ ብመሰረት ትምህርቲ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ እታ “ዳግማዊት ወይ ሓዳስ ሔዋን” እያ። ኲሉ ነገር ድማ፣ በቲ ካብኣ ዝተወልደ ክርስቶስ ዳግማይ ተሓደሰን፣ ተለወጠን። ዲያብሎስን ብተመን ኣቢሉ ንዘእተዎ ጥፍኣትን ምምሽማሽን፣ ክርቶስ ድማ ብተመሳሳሊ መገዲ፣ ጸጋን ህይወትን ኣዉረሰና።

ካብ ድንግል መሬት ኣዳም ተፈጥረ፤ ካብ ድንግል ማርያም ካልኣይ ኣዳም ክርስቶስ ተወልደ። ካብ ዓጽሚን ስጋን ኣዳም፣ ሔዋን ተፈጥረት። ክርስቶስ ድማ ካብ ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፣ ካብ ጎኑ ብዝፈሰሰ ደምን ማይን ኣቢሉ ንቤተክርስቲያኑ መሰረተ።

ሔዋን፣ ቃል ናይቲ ዝወደቀ መልኣኽ ሰሚዓ፣ ብዘይምስትዉዓል ከይመርመረት፣ ትእዛዝ ኣፍሪሳ፣ ሞት ወለደትልና። ቀዳማይ ፍረ ማህጸን ሔዋን፣ ቃዬል፣ ቀታሊ ሰብ ነበረ። ድንግል ማርያም ግና፣ ቃል ናይቲ ቅዱስ መልኣክ ገብርኤል ሰሚዓ፣ ኣስተውዒላ መርሚራ፣ “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ብምባል ተኣዘዘት። ቦክሪ ወዳ ንድንግል ማለት ክርስቶስ ግና ወሃቢ ህይወት እዩ።

እምበኣር ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ንመሃር፣ እምነት ምስ ተኣዛዝነት። ንሕንና ዉን ነዘን ነገራት እዚአን ብዝያዳ ክነትግሃለን የድሊ። ዝንገረና ብእምነት ክንቅበልን፣ ዝተቐበልናዮ ድማ ብተኣዛዝነት ክንገብሮ ይግባእ። ከምኡ እንድሕሪ ጌርና መድሓኒዓለም ክርስቶስ ኣብ ልብና ክዉለድን፣ ምሳና ክኸዉንን እዩ። ጸሎት ናይ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያምን፣ ኲሎም ቅዱሳንን ምስ ኲልና ይኹን። ኣሜን!!

  1. ግኖስቲክ ዝበሃሉ መናፍቃን []
  2. Tertullian ዝበሃል መምህር ናይ ቤተክርስቲያን እኳ እእንተነበረ ደሓር ግና ናብ ሞንታኒዝም ዝበሃል ምንፍቅና ስለዝወደቀ፣ ቤተክርስቲያን ከም ቅዱሳን ኣቦታት ጌራ ኣይትወስዶን እያ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ዉን፣ ነቲ ሓዋሪያዊ ትዉፊት መረዳእታ ምእንቲ ክኸዉን እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ቅድሚ ናብ ምንፍቅና ምዉዳቁ ዝመሃሮ እዩ []
  3.  ብግእዝ ሄራኔዎስ ይበሃል፣ ንቅዱስ ፖሊካርፐስ ሰማእት ወዲ መዝሙር ነበረ፣ ፖሊካርፐስ ብተርኡ ንቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ወዲ መዝሙር ዝነበረ []