2009 ግእዝ ካላንደር

last ned (1)ኣካል ናይ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዝዀነ ኣማኒ፣ ሓድሽ ዓመቱ ኣብ መስከረም እዩ። ኣብ ኲለን ናይ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጲያ፡ ኣርሜንያ፡ ህንዲ፡ ሩስያ፡ ግሪክ፡ ኣንጾክያ፡ ሶርያ. . . . ኲለን ናብ ምብራቅ ይዂና ናይ ኦርዬንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ሓድሽ ዓመተን ጽባሕ እዩ። ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

እዚ ንሕና ንጥቀመሉ ካላንደር፣ ብናትና ቋንቋ “ናይ ግእዝ ካላንደር” እንብሎ፣ ብዓለምለካዊ ኣገላልጻ፣ “ቤተክርስቲያናዊ ኣቆጻጽራ ወይ/ ecclesiastical calendar/ ወይ liturgical year ” ይበሃል። መበቆል ናይዚ ስርዓት ኣቆጻጽራ ዘመን፣ ካብ ግብጺ እዩ። ኣብ ታሪክ ናይ ፎርኦናዊ ምዕባለ ዝጀመረ ኮይኑ፣ ምስ ናይ ጁልያን ካላንደር ብዙሕ ምምስሳል ኣለዎ።

ስርዓት ኣቆጻጽራ

ፎርኦናዊ ስርዓት ኣቆጻጽራ ዝሓዘ ካላንደር፣ ቀንዲ መቁጸሪ መገዲ ንጸሓይ ይጥቀም። ንዓመት ድማ 365 መዓልቲ ይሕዝ። ሊቃዉንቲ (ናይዚ ዓዉዲ ክኢላታት) ከም ዝገልጽዎ፣ ምልእቲ ዓመት 365.2425 (365 1/4 ወይ ርብዒ መዓልቲ) መዓልታት እዩ። ንጸሓይ ከም መቑጸሪ ዓመት ዝጠቀሙ ግብጻዊ ስርዓት ግና፣ ንዓመት 365 መዓልታት ጥራይ ጌሩ ይወስዶ። ነዘን 365 መዓልታት፣ 30 መዓልታት ብማዕረ ዝሓዘ፣ ን12 ወርሒ ተከፊሉ። ዝተረፋ 5 መዓልታት ድማ፣ ከም መወሰኽታ ኮይኑ፣ መበል 13 ወርሒ ትኸዉን። እታ ዝተረፈት ርብዒ መዓልቲ ኣብ 4 ዓመት ሓንሳብ፣ ምልእቲ መዓልቲ ትኸዉን እሞ፣ እታ ተወሳኺ ወርሒ ኣብ 4ይ ዓመት ሓንሳብ፣ 6 መዓልቲ ትኸዉን።

ኣበጋግስኡ ፎርኦናዊ ስርዓት ይዂን እምበር፣ ቤተክርስቲያን ነዚ ስርዓት ተቀቢላ፣ ምስቲ መንፈሳዊ ኣካይዳ ኣሰማሚዓ ክሳብ ሕጂ ትግልገለሉ ኣላ። ብፍላይ ኣብዚ መዳይ እዚ ቀንዲ ዝጥቀስ ኣቦ ቅዱስ ዲሜጥሮስ እዩ። መበል 12 ጳጳስ ናይ እስክንድርያ ዝነበረን፣ ክርስቲያናት ትንሳኤ በዓል ኣብ ምብዓል ይፈላለዩሉ ዝነበሩሉ ዘመን፣ ናብ መንበር ዝመጽአ ኣቦ እዩ።

ኣብ ሳልሳይን ራብዓይን (201-399) ክፍለ ዘመናት ዝነበሩ ክርስቲያናት ትንሳኤ በዓል ከብዕሉ እንከለዉ ይፈላለዩ ኔሮም። ገሊኦም ቅድሚ ፋሲጋ ኣይሁድ ከብዕሉ እንከለዉ፣ ገሊኦም ግና (ዝበዝሑ ናይ ምብራቕ ኣብያተክርስቲያናት፣ እስክንድርያ ኣንጾክያ ቁስጥንጢንያ ሮመ) ድሕሪ ፋሲጋ ኣይሁድ፣ በዓሎም የብዕሉ ኔሮም።

ኣብዚ ዘመን`ዚ ናብ መንበር ዝመጽአ፣ ቅዱስ ዲሜጥሮስ፣ ነቲ ናይ ግብጻዊ ስርዓት መበገሲ ብምግባር፣ ቤተክርስቲያን ፍሉጥ ትንሳኤ በዓል ተብዕለሉ መገዲ መቀመሪ፣ ባሕረ ሓሳብ፣ ኣዳለወ። በዚ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፣ ናይ ግብጺ ቤተክርስቲያን፣ ዓመት መጽአ፣ ትንሳኤ ዝብዕለሉ ዕለት ናብ ኲለን ኣብያተ ክርስቲያናት ተፈልጥ ነበረት። ክሳብ ሕጂ ዉን ነዚ ናይ ቅዱስ ዴሜጥሮስ መቀመሪ ሕሳብ እንዳተጠቀምና፣ ንግልግል ኣለና።

ጳጓሜን

እዛ ተወሳኺ ወርሒ፣ ብቋንቋና “ጳጉሜን” ንብላ። ካብ ግሪክ “ἐπαγόμεναι/ epagomenai/ ኢፓጎሜና ወይ ዉን ኢፓግሜ” ዝተወስደት ኮይና፣ ትርጉሙ “ዝተወሰኸ ወይ ተወሳኺ ወይ ዝኣተወ” ማለት እዩ። ኣብ ኣርባዕታ ዓመት ሓንሳብ ኣብ ዘመነ ዮሃንስ፣ ሽዱሽተ ትኸዉን። እንተዘየለ፣ ኲሉ ግዜ 5 መዓልቲ እያ።

ፍልልይ ናይ መዓልታት

ሓበሻ ብምዃንና መጀምርያ እነስተዉዕሎ ነገር፣ ፍልልይ ናይ መዓልቲ እዩ። ንኣብነት ጽባሕ ብግእዝ መስከረም ሓደ ክኸዉን እንከሎ፣ ብፈረንጂ ግና መስከረም 11 እዩ።

ብናታና ኣዘራርባ ናይ ፈረንጂ እንብሎ ኣቆጻጽራ፣ ግሪጎርያዊ ካላንደር Gregorian calendar ይበሃል። ታሪክ ከም ዝነግረና፣ ዝበዝሐ ክፋል ዓለምና ዝጠቀመሉ ዝነበረ ካላንደር፣ ናይ ጁሊያን ካላንደር Julian Calendar እዩ። እዚ ካላንደር ምስታ ናይ ፎርኦናዊ ካላንደር ብጣዕሚ ዝመሳሰል እዩ። ኣብ ከባቢ 45 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከም ዝተጀምረ ዝንገረሉ ኮይኑ፣ ብ ጁልዬስ ሴዛር ዝተኣታተወ እዩ። ካብ ናይ ግብጻዉያን ካላንደር (ካብ ግእዝ ካላንደር) ዝፈልዮ፣ ንኣዋርሓት ን12 ምምቃሉን፣ ንገሊአን 31 ንገሊኤን ድማ 30 መዓልታት ብምዕዳል፣ ንወርሒ ለካቲት ድማ 28 (ኣብ 4 ዓመት ሓንሳብ ድማ 29) መዓልታት ሂቡ ዝተስረዐ ምዃኑ እዩ።

ሓንቲ ዓመት፣ ኣብ ናይ ጁሊያን ካላንደር 365.25  (365 መዓልቲን 6 ሰዓትን) መዓልታት፣ ኣብ ግሪጎርያን ካላንደር ድማ 365.2425 (365 መዓልታት፣ 5 ሰዓት፡ 49 ደቃይቕን 12 ካልኢትን) ዝሓዘለ እዩ። ኣብ መንጎ እዘን ካላንደር ናይ 0.002%. መዓልቲ ፍልልይ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ፣ ኣብ 128 ዓመት ናብ ሓንቲ (1) መዓልቲ ይበጽሕ። ኣብ 400 ዓመት ድማ ናይ 3 መዓልታት ፍልልይ የምጽእ።

ናይ ሮም ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ዝነበረ ግሪጎሪ Pope Gregory XIII ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1582 ዓ.ም. ነዚ ሓድሽ ካላንደር ኣታኣታተዎ። ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ፣ እቲ ናይ መዓልታት ፍልልይ ናብ ከባቢ 10 መዓልቲ ገጹ ደይቡ ስለዝነበረ፣ ዕለት 5 ጥቅምቲ 1582 ዓ.ም. ብዕሊ ብምንጋር፣ ናይቲ ዝስረቕ ዝነበረ መዓልታት ብምውሳኽ፣ ናብ 15 ጥቅምቲ 1582 ዓም ተቀየረ። ማለት ኣብቲ ዝሓለፈ 1500 ዓመታት እቲ ፍልልይ ናብ 10 መዓልቱ ስለዘርከበ፣ እቲ ዕለት ዉን ብእኡ መልክዕ ተቀየረ። ከምቲ ምሁራት ናይዚ ዓዉዲ ዝገልጽዎ ድማ፣ ክሳብ 2100 ዓም እቲ ፍልልይ ናብ 13 ክብ ክብል እዩ (ብህይወት እንተሃሊና ከነርክበሉ ኢና)።

መስከረም

ቀዳመይቲ ወርሒ ናይ ሓድሽ ዓመት መስከረም እዩ። መስከረም ብኲነታት ናብራናን ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓትን ክንፍትሾ እንከሎና፣ ዓሚቚ እዩ።

ኣብ ኲነታት ዘራእትን ኩነታት ኣየርን መጺእና ነገራት ክንዕዘብ እንከለና፣ ዕንባባታት ዝፈርይሉ መስከረም እዩ። ዕንባባ ድማ ናይ ፍረ ምልክት እዩ። ፍረ ድማ ናይ ሓድሽ ህይወት መበገሲ እዩ። ስለዚ ወርሒ መስከረም፣ ናይ ሓድሽ ህይወት መበገሲ ዝኰነ ምልክታት ንርእየሉ ግዜ እዩ። ስለዚ ዉን እዩ ናይ ሓድሽ ዓመት መበገሲት ክትኸዉን ዝተመርጸት።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ክነንብብ እንከለና፣ ሻዉዐይቲ ወርሒ ናይ ዓመት መስከረም እዩ። ከምቲ ኣብ ዘጸኣት ዝነግረና፣ ናይ እስራኤላዉያን ቀዳመይቲ ወርሒ ኒሳን ትበሃል። “ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀምርታ ኣዋርሕ ዓመት ትኹንኩም።” /ዘጸ 12፡2/።

ካብ ግብጺ ባርነትን ካብቲ ቀዛፊ መልኣከ ሞትን ብደም እቲ ገንሸል ዝደሓንሉ መዓልቲ፣ በዓል ፋሲካ ዝዉዕለሉ ወርሒ እዩ። እዚ ወርሒ እዚ ብእብራይስጢ ኒሳን ይበሃል። ቀዳመይቲ ወርሒ ድማ እያ። ወርሒ ኒሳን በዚ ናትና ክንቆጽሮ እንከሎና፣ ከባቢ መጋቢት ማለት እዩ። ስለዚ ካብ  መጋቢት ተበጊስና ናብ መስከረም ክንቆጽር እነክሎና፣ ሻዉዐይቲ ወርሒ ይኸዉን። ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሻዉዐይቲ ወርሒ ትበሃል፣ ምስቲ ናትና መስከረም ዝዛመድ እዩ።

ብቋንቋ ምዕራባዉያን ዉን ነዚ ዘብርሃልና መረዳእታ ኣሎ። September, October, November ዝብላ ኣስማት ናይ ወርሒ፣ ቁጽሪ ዝሰረተን ኣስማት እዩ። Septa- ብላቲን 7 ማለት ኮይኑ፣ octa- 8, ከምኡ ዉን Nove- 9 ማለት እዩ። በቲ ካልእ ኣጸዋዕዓ፣ ወርሒ ሸዉዓተ፣ ወርሒ ሸሞንተን ወርሒ ትሽዓተን ከመ ማለት።

ኣመሳጥር ኣቢልና ንቁጽሪ ክንምርምሮ እንከሎና ዉን፣ ቁጽሪ “7” ናይ ፍጽምና ምልክት እዩ። ስለዚ መስከረም ማለት ወርሒ ሸዉዓተ- “ከምቲ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ ንስኻትኩም ዉን ፍጹማት ኲኑ” ትብል ትእዛዝ ብምዝካር፣ ናብቲ ፍጹም ዝዀነ ኣምላኽ ንቀርበሉ፣ ናይ ፍጽማና ዓመት መጀምሪት እያ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ኣብዛ ሻዉዐይቲ ወርሒ ዝዀነት መስከረም፣ ብዙሕ መንፈሳዊ ስርዓት ይፍጸም ኔሩ፣ ንገለ ኣብነታት ክንርኢ

  • መዓልቲ ቃና ቅዱስ ኣኬባ ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም።” ዘሁ 29፡1 ዘሌ 23፡24
  • መዓልቲ ምትዕራቅ ዮም ኪፑር እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓሰረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእከሎም ዚቕመጥ ስደተኛ፡ ነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዐረቑ ኢኹም ኣሞ፡ ካብ ኩሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ
    እግዚኣብሄር ክትጸንዑ ኢኹም።
    ” ዘሌ 16፡29
  • ዓመት ዕልልታ ትብሰረላ ወርሒ ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ።” /ዘሌ 25፡9/
  • በዓል ዳስንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ንእግዚኣብሄር ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ እዩ።” /ዘሌ 23፡34/

ካብዚ ኲሉ መረዳእታ ሓደ ነገር ክንመሃር ንኽእል ኢና። እዛ ወርሒ እዚኣ፣ ህዝቢ ምስ ኣምላኹ ዝዕረቐሉ፣ ፍርያት ምህርቱ ናብ ኣምላኽ ዘቕርበሉ፣ ንኣምላኽ ናይ ምስጋና መስዋእቲ ዝስዉኣሉ፣ ተቀዲሱ ዝቅንየሉ ወርሒ እዩ። ንሕና ኦርቶዶክሳዉያን ክርስቲያናት ድማ፣ ነዚ ናይ ብሉይ ጽላሎት ከም መበገሲ ብምሓዝ፣ ሓድሽ ዓመትና ኣብ መስከረም ነብዕል ኣለና። ነቲ ዓመት ክንጅምሮ እንከለና ድማ፣ ምስ ሰባትን ኣምላኽን ተዓሪቕና፣ ስለቲ ዝገበረልና ኲሉ ንኣምላኽ እንዳ ኣመስገንናን፣ ዝተቀደሰ ህይወት ክንነብር ምስ ገዛእ ርእስና ተሰማሚዕና ኢና።

ቅዱስ ዮሃንስ

መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሃንስ፣ ዕለት ክልተ መስከረም እዩ፣ ርእሱ ተሰይፉ ዝዓረፈ። ዮሃንስ “ካብ ኣንስቲ ከብ ዝተወልዱ” ማንም ዘይዓብዮ፣ ንኣምላኹ ከጥምቆ ዝተመርጸ፣ ቅዱስ ኣቦ እዩ። እዚ ኣቦ እዚ ናይ ነብያት መፈጽምታ ናይ ሓዋርያት መጀምርያ ብምዃን፣ ካብ ናይ ጸልማት ባርነት ሞት ናብ ብክርስቶስ ዝተዋህበና ሓርነት መሰጋገሪ ነብዪ ኮይኑ ዝመጽአ እዩ። ከም ነብያት፣ ንጐይታ ብስጋዊ ልደት ብ6 ወርሒ ቀዲሙ ናብ ዓለምት ተወሊዱ፣ “መገዲ እግዚአብሔር ጽረጉ” እምበርከ፣  ኣነ “ስራኽ ኣሳእኑ ክጸዉር ዘይበቅዕ. . ቅድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዝመጽእ. .ብሓዊን ብመንፈስ ቅዱስ ዝጥምቀኹም ክመጽእ  እዩ” ብምባል ዝመስከረ። ከም ሓዋርያ ድማ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቅ ገንሸል ኣምላኽ. . . ወዲ ኣምላኽ” ዝመስከረ እዩ።

ብስብከት ዮሃንስ ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ዝህበና ክርስቶስ ስለዝተሰጋገርና፣ ቤተክርስቲያን ናብ ሓድሽ ዓመት ንሰጋገረሉ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ መስከረም፣ “ቅዱስ ዮሃንስ” ብምባል ትጽዉዖ። “ርእሰ ኣዉድዓመት ቅዱስ ዮሃንስ” ናይ ኣዉደ ዓመት መጀምሪ፣ ዉን ትብሎ።

ኣብ 2009 ዝዉዕሉ ኣጽዋማትን በዓላትን

ባሕረ ሓሳብ ናይ 2009 ዓ.ም በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን ።ናይ ‘ዚ ዓመት ወንጌላዊ ንምርካብ ዓመተ ዓለም ን 4 መቂልና…

Posted by Keshi Abadi Dainom on Friday, September 9, 2016

So, when you installed find out to find out more purchase cialis online the software, you installed the spyware along with it.

ዕለት ብግእዝ ዕለት ብፈረንጂ በዓላትን ኣጽዋማትን
29 ጥሪ 6 ለካቲት ጾመ ነነዌ
13 ለካቲት 20 ለካቲት ጾመ 40
10 መጋቢት 19 መጋቢት ደብረዘይቲ
1 ሚያዝያ 9 ሚያዝያ ሆሳእና
6 ሚያዝያ 14 ሚያዝያ ስቅለት
8 ሚያዝያ 16 ሚያዝያ ፋሲጋ-ትንሳኤ
2 ግንቦት 10 ግንቦት ርክበ ካህናት
17 ግንቦት 25 ግንቦት ዕርገት
27 ግንቦት 4 ሰነ በዓለ መንፈስ ቅዱስ
28 ግንቦት 5 ሰነ ጾመ ሓዋርያት
30 ግንቦት 7 ሰነ ጾመ ድሕነት

ወስብሓት ለእግዚአብሔር!!!!!