ዓለም-ቅ.ኤፍሬም ሶሪያዊ

ቅዱስ ኤፍሬም ኣብቲ ብዛዕባ ንስሓ ሰብ ነነዌ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ብዛዕባ፣ ዓለምን ከንቱነት ዓለምን ዘስፈሮ ብመልክዕ ግጥሚ ካብ ዝተዳለወ ጽሑፍ ዝተወስደ።

ኦ ዓለም፣ ፍቕርኺ ክንደይ ይሕይል፡ ጽባቐኪ ዉን ብዙሕ እዩ፣ የግዳስ ጽባቐኪን ፍትወትክን ንዘለዓለም ኣይጸንዕን። ነባሪ ዝዀነ ህላወ ዘይብልኪ ሕልሚ ጥራይ ኢኺ፣ ስለዚ ኣንቲ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም፣ ይንዕቀኪ ኣሎኹ።  ኦ ዓለም ኣባኺ ብዘሎ ጽባቐ፡ ፍትወትን ግርማን፣ የድንቐኪ ነበርኩ፣ ኮይኑ ግና እዚ ዂሉ፣ ምልስ ኢልኻ ዘይትረኽቦ ግዚያዊ እዩ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም! ኣባኺ ዘሎ ስልማት ኣዝዩ ዝበሃግን ዝፍተዉን እዩ፣ ክዳዉንትኺ ዉን ከምኡ ጽቡቕ እዩ፣ ግን ከምቲ እንዳሃሰሰ ዝኸይድ ጽላሎት፣ ከምኡ ጠፋኢ እዩ፣ ስለዚ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም ይንዕቀኪ ኣለኹ።

ኣብ ክንዳኺ ኣነ ይፈርሕ ኣለኹ፣ ኦ ዓለም! ምክንያቱ እንድሕሪ ፈትየኪ፡ ኣነ በደለኛ ክኸዉን እየ። እንድሕሪ ቆሪጸ ደርብየኪ ግና፣ ሽዑ ክስዕረኺ እየ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም! ኲሎም እቶም ናባኺ ዝኣትዉን፣ ምሳኺ ንግዲ ዝገብሩን፣ ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ገበን ይፍጽሙ፣ ሃብትኽን ግዜኽን ድማ ኲሉ ከንቱ እዩ። ኦ ዓለም እቲ ንዓኪ ዘፍቅር፣ ንዓኺ ኣይክዉንነኽን እዩ፣ ግና በቲ ናትኺ መፈንጠራ ክተሓዝን፡ ብዘዳለዉኹሉ መጻወድያ ነፍሱ ከጥፍእን እዩ፣ ስለዚ እቲ ንዓኺ ዘፍቅር ወይልኡ!

እቶም ኣባኺ ዝነበሩ ጀጋኑ፡ ህቡቧት ዝነበሩ ሓርበኛታት፡ ፍናን ዝመልኦም ልኡላትን ንካልኦት ዘማሕድሩ ዝነበሩን ኲላቶም፣ ኣበይ ኣለዉ፣ ኣበይ ኣለዉ? ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም! ጽባቐ ናይተን ምስ ክብረተን ዝነበራ ኣዋልድና ኣነወርኪ፣ ዉሉዶም  ኣዕነኺ፣  ሃብቲ ናይቶም ወነንቲ ዉን ኣበላሸኺ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም! ንጥበበኛታት ሰባት ብሃብትኺ ጌርኪ ኣጋገኺ፣ በቲ መታለሊ ዝዀነ ተንኮልኺ ንብዙሓት ግዳይ ዉዲትኺ ገብርክዮም።

ንስኺ ብማዕበላትን ንፋሳትን እትህወጺ፣ ህድኣት ዘይብልኪ ገፊሕ ባሕሪ ኢኺ፣ እቲ ኣባኺ ኣትዩ ክሕንብስ ዝፍትን ዉን ጥሒሉ ይተርፍ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም! እቲ ኣባኺ ተኸሚሩ ዘሎ፣ ጽቡቕ ዝመስል፣ ብልጭልጭታን መቐረትን፣ ፍጹም ኣይጸንሕን፣ ዂሉ ክጠፍእ እዩ። ስልማት ሰርገላታት ንጉስን፣ ዘዉዲ ናይ ኲሎም መራሕቲን፣ ክቅህምን ኣሰሩ ዉን ኣይክርኸብን እዩ። ንስኺ፡ ሓጢኣትን ክፍኣትን ጥራይ እተፈልፍሊ መንጫዕጫዕታ ኢኺ፣ ነቶም ኣባኺ ዝጠለቑ ዉን፣ ንክፍኣትኪ ከም ዓስቢ ትኸፍልዮም ኢኺ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!

ነቶም ብርድኢት ዝኸዱ ብጽልኢ ትምልከትዮም፣ ፍቕርኺ መታለሊ እዩ፡ ርኽሰት ድማ መሓዛኺ። እቲ ንስኺ ዘይተርክስዮ ሰብ ብጹእ (ሕጉስ) እዩ። ነኣሽቱን ዓበይቲን፣ መንእሰይታን ስብየት ዘለዎም ሽማግለታትን፡ ንዂሎም በቲ ዘወናዉን ፍትወትኺ ትምርዝዮም፣ ብመቑሕኪ ኣሲርኪ ዉን ባሮትኪ ትገብርዮም። ነቶም ንዓኪ ዘፍቅሩ ድማ፣ መከራን ንብዓትን ዝመልኦ ጉድጓድ ከም ሃብቲ ተዉርስዮም፣ እቲ ንዓኪ ዝጸልእ ግና ድሕነት ይረኽብ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም! ነቶም ምሳኺ ዝነብሩ ድኻታት ጌርኪ፣ ኣብ ትሕቲ ባሮቶም ከም ዝግዝኡ ትገብሪ፣ ንወላዳት ድማ መኻን ጌርኪ ተትርፍየን፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!

የሕዋተየ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብቡ፣ ካብኡ ዉን ተማሃሩ። ዓለም ሓላፊት እያ ንብረታ ዉን ከምኡ። እምበኣር ነቲ ዘይሓልፍ ንትጋህ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!

ኣምላኽ ነቶም ነዛ ሓላፊት ዓለም ንዒቆም፣ ኣብቲ ዘልኣለማዊ ነገራት ዘስተንትኑ ሰባት ስናይን ምሕረት ዘብዝሕን እዩ፣ ስለዚ ደጊም እምንነኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!
It became all the rage deeprootsmag.org generico viagra on line in no time with its first issue featuring a nude Marilyn Monroe on the cover of tablets.

ነቲ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ፣ ነቲ ነዛ ሓላፊት ዓለምን ነታ ዘይትሓልፍን ዝምርምርን ዝምልከትን ኣምላኽ ምስጋና ይዂኖ። ደጊም እንዕቀኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!

ንዑ፣ ፍቑራት የሕዋተይ፣ ነፍስና ነድሕን፣ ህይወትና ዉን ንለዉጥ። ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ኮይንና ኣካይዳና ብምቅያር፣ ነታ ዘይትሓልፍ ጽንዕቲ ዓለም ንዉረስ፣ ደጊም እንዕቀኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!

እምበኣር ከም ለባማት ሰባት ኮይንና፣ መታን ነፍስና ኣድሒንና፣ ኣብታ ኣምላኽ ዝነግሰላ ዓለም (መንግስቲ ኣምላኽ) ከነዕርፍ፣ ንዑ፣ ኣብዛ ዘይትጸንዕ ዓለም ኮይንና ንስሓ ንእተው። ደጊም እንዕቀኪ ኣለኹ፣ ኦ ሓጢኣት ዝመልኣኪ ዓለም!

መርዓዊና ክመጽእ እንከሎ፣ ምእንቲ ክንቅበሎ ከምተን ለባማት ዝዀና ደናግል፣ ፍጹም ትጉኋት ኮይንና፣ ጸሎትና ብዘይምስልካይ ነቕርብ።

እምበኣር የሕዋተየ! ምስቶም ቅዱሳን ንጹኋትን ዝዀኑ ተጸምቢርና፣ ኣብቲ ሓጎስ ዝመልኦ መኣዲ ምስኡ ሓቢርና ምእንቲ ክንቕመጥ፣ ብጾምና ንትጋህ፣ ብልመናን ጸሎትን ዉን ኣይንሰልክይ፣ ንዕኡ ዘለና ንጹህ ፍቕሪ ነርእዮ።

ምስጋና ነቲ ኲሉ ዝኽእል ኣምላኽ!

ምንጪ፦ The repentance of Nineveh by St Ephraem Syrian, trans by The Rev.Henry Burgess PH.D pg 193