ጸሎት ናይ ዝናሳሕ ሰብ!- ቅ.ኤፍሬም ሶርያዊ

ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ፣ ብዛዕባ ሰብ ነነዌ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ትምህርቲ ዝተወስደ ጸሎት ኮይኑ፣ ብንስሓ ዝመላለስ  ክርስቲያን ኣንጻር ሰይጣን ክጽልዮ ዝኽእል ጸሎት እዩ። እቲ ጽሑፍ ብቋንቋ ሶርያ፣ ብግጥሚ መልክዕ ዝተዳለወ እዩ፣ ብሩኽ ንባብ።

“ኦ እግዚአብሔር ኣምላኸይ፣ ኣምላኽ ናይቶም ዝዕወቱ፣ እቲ መታለሊ (ሰይጣን) የዕንወኒ ኣሎ`ሞ፣ ንረዲኤተይ ነዓ። በደለይ ስለዝበዝሐ፣ ካብ በደለይ ኣንጽሃኒ።

ንሱ (ሰይጣን) ቀትሪ ፍጹም ኣየዕርፍን፣ ኣነ ክሓልም እንከለኹ፣ ንሱ ግና ፈጺሙ ኣየታክስን፣ ኲሉ ግዜ ንኲናት (ክወግኣኒ) ምስ ተዳለወ እዩ። ኦ ፍጹም ዘይተታኽስ (ኣምላኸይ)፣ ብኣኻ ኣቢለ ነቲ ናቱ ሓይሊ ምእንቲ ክስዕሮ፣ ሓግዘኒ።

ዕረፍቲ ብዘይህብ ሓሳባት ስለዝርብሸኒ፣ ናባኺ ይጠርዕ ኣሎኹ፣ ኦ ፍጹም ህድኣት ዝመልኣኻ (መህድኢ ዝዀንካ ጐይታይ)፣ ሕጊኻ እንዳስተንተንኩ ብህድኣት ክምላእ ግበረኒ።

ንዓካ ንኣቦ ኣብ ሰማያት ክብሪ ይኹን።

ኣብ ሑቅፉኻ ንዘሎ ንወልድ ምስጋና ይኹን።

ንመንፈስ ቅዱስዉን ዉዳሴ ይኹን።”
This type of (order levitra online) http://downtownsault.org/wp-content/uploads/2018/02/05-11-16-DDA-MINUTES.pdf approach will further improve complications and will result in regression in the long run.

“ኣቲ ሰይጣን ዝኣሰረኪ ነፍሲ፣ ስለምንታይ ኣብ ማእኸል እቲ ክፉእ ነገራት ሸንኮለል ትብሊ? ጸሎትኪ ኣብ ላዕሊ ከም ዝስማዕ ጌርኪ፣ ኣብ ግዜ ጸገምኪ የእዉዪ። ከምቲ ኣብ ሓጋይ ፍረ ዘይርከብ፣ ከምኡ ዉን ኣነ ፍረ ዘይብለይ ኮይነ፣ ዕለት ሞተይ ዉን ትቐርበኒ ኣላ፤ ስለዚ ኣምላኸይ ብምሕረትካ ከም ዝነብር ግበረኒ፣ ኣነ ዉን ከመስግነኻ እየ!

ህይወተይ ትሓለፈሉ ግዜ ይቐርብ ኣሎ፣ ኲሉ ተግባራተይ ዉን ኣብ መንበር ፍርዲ ክገሃድ እዩ፣ እምበኣር ድኻመይ ከይጸብጸብካ ብጸጋኻ መሓረኒ! ብበደለይ ምኽንያት ንዓይ ከተድሕን ኣብ ማህጸን ድንግል ሓደርካ፣ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ዉን ኣብ መስቀል ተሰቐልካ፣ ኣምላኸይ ብጸጋኻ ድኻመይ ሕደገለይ! ምእንታይ ኦ ጐይታ ንስኻ ተጸፋዕካ፣ ኣዚኻ ስለተፍቅረኒ ዉን ኣብ መቓብር ሓደርካ፣ ስለዚ ጐይታየይ፣ ንድኻመይ ሸለል ኢልካ ካብ ፍርዲ ኣድሕነኒ።

እቲ ንስኻ ዝሃብካኒ ሰናይ ዉህብቶ ኣይዓቀብክዎን፣ ብናተይ ድሌት ዉን ክፋእ መገዲ መረጽኩ፣ ኦ ተስፋ ሓጥኣን ዝዀንካ (ጐይታየይ) ናብ ግዳም ኣይትደርብየኒ! ኣነ ኣእዳወይ ናብታ ፍረ ሰደድኩ (ዕጸ በለስ ክቕንጥብ) ንስኻ ግና፣ ምእንታይ የማናይ ኢድኻ ብመስማር ተሸንከረ። ምእንቲ ስጋኻ ክትብል ኣምላኸይ ንዓይ ንሓጥእ በደለይ ሕደገለይ።

ንህይወተይ ፈንፊነያ፣ ንስጋይ ዉናሳቐኩ፣ ኣብ ገጸይ ዉን ጸልማት መጋረጃ ሰፊሩ ኣሎ። ኣምላኸይ ገጽኻ ርእየ ክጸናናዕ፣ ካብ ምዉዳቐይ ኣተንስኣኒ እሞ፣ ናባኻ ኣቅንዓኒ። ናባኻ ከቐርብ ዝኽእል ንስሓ የብለይን፣ የግዳስ ምሕረትካ ኣሚነ ጸሎተይ የቐርብ ኣለኹ። ኦ ተስፋ ሓጥኣን ዝዀንካ (መድሓኒየይ)፣ ንዓይ ኣይትንጸገኒ።”

ምንጪ፦ The repentance of Nineveh by St Ephraem Syrian, trans by The Rev.Henry Burgess PH.D pg 187