ገለ ብሂላት ካብ ቅዱሳን ኣዴታት- ቅድስት ስትከሊካ

ሎሚ ሰንበት ዕለት 12 ለካቲት (ፈረንጂ) ዓለምለካዊ መዓልቲ ኣዴታት እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንኲለን ኣዴታት፣ ኣዴታት ቤተክርስቲያንን፣ እንኮላይ ንወላዲተይ መርዓተኣብ ብሩኽ መዓልቲ ክብለን ይፎቱ። ንመዓልቲ ኣዴታት ብዝዉክል መልክዑ፣ ገለ ብሂላት ናይ ቤተክርስቲያን ኣዲታት ከላልየኩም።
ኣብ መጽሓፍ “መንፈሳዊ ብሂል ገዳማዉያን ኣቦታት” [1. Translated by Bendicta Ward,slg. The saying of the Desert Fathers The alphabetical collection. Cistercian Publication 1984 pg82, 229, 230] ብሂል ናይ ሰለስተ ገዳማዉያን ኣዴታት ሰፊሩ ንረኽቦ። ስመን ናይዘን ኣዴታት ቅድስት ቴዎድራ፡ ቅድስት ሳራን ቅድስት ሲንክለቲካን ይበሃላ። ታሪኸንን ብሂላተንን ኣብ መጽሓፍ ናይ ስንክሳር፡ መጽሓፈ መነኮሳትን፡ ገድሊ ቅዱሳንን ዉን ይርኸብ እዩ። ከምቲ ነቶም ኣቦታት “ኣባ” ኢልና ንጽዎዖም፣ ነዘን ኣዴታት ዉን “እማ” ማለት “ኣደ” ኢልና ንጽዉዐን ኢና።
ቅድስት ስትከሊካ ወይ ሲንከለቲካ [2. ብግእዝ ስትከሊካ ትበሃል፣ Saint Syncletica or Syncletiki] ትበሃል። ኣብ ራብዓይ ክ/ዘ ካብ ዝነበሩ ገዳማዉያን ኣዴታት ሓንቲ እያ፣ ናታ መንፈሳዊ ብሂላታ ዉን ኣብ መዛግብቲ ቤተክርስቲያን ማዕረ ቅዱሳን ኣቦታትና ቅዱስ እንጦንስ ሰፊሩ ንረኽቦ። ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ክ/ዘ ኣብ እስክንድርያ ከም ዝተወልደት ዝንገረላ፣ ቅድስት ስትከሊካ (ብግእዝ) ኣዝያ መልክዐኛ ዝነበረትን፣ ካብ ሃብታማት ስድራ ዝተወልደት ነበረት። ወንጌል ተመጊባ ስለዝዓበየት ድማ፣ ገና ካብ ንኡስ ዕድሚኣ ብኲሉ ነገራ ንኣምላኽ ከተስምር ብጸጋ ኣምላኽ ትተግህ ነበረት። ፍረ ናይዚ መንፈሳዊ ቅንኣት ድማ፣ ድንግልናዊ ህይወት እተፍቅርን፣ ብጾምን ጸሎትን ተወሲና፣ ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ተገልግል ኔራ። ንሓዳር ክትሕተት እንከላ ዉን ትኣብይ ነበረት።

ወለዳ ምስ ዓረፉ፣ ኲሉቲ ዝነበሮም ሃብቲ ንድኻታት ብምምቃል፣ ንምንኣስ ሓፍታ ኣኸቲላ፣ ናብ ብሕትዉናን ህይወት ኣምረሐት። ብጸጋ ኣምላኽን መንፈሳዊ ገድሊን ዉን ክትዓቢ ክኢላ ። ዝናኣ ድማ ኣብ ኲሉ ከባቢ ተሰምዐ፣ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲሓ ኮይነን ክመሃራ ጀመራ። ብዙሓት ደቀ-መዛሙርቲ ዉን ኣፍረየት። ነተን ምስኣ ዝነበራ ደናግል ዉን፣ ብቃልን ብግብሪን እንዳመሃረት ክሳዕ ዕለተ ዕረፍታ ኣለየተን። ኣብ መበል ሰማንያ ዕድሚኣ፣ ኣብ 350 ዓ.ም. ከኣ ብሰላም ዓረፈት።

ቅድስት ስትከሊካ ብዛዕባ መንፈሳዊ ገድሊ፣ ዉዲታት ዲያብሎስ፣ መንፈሳዊ ናጽነትን፡ መንፈሳዊ መገዲን ኣመልኪታ ብዙሕ ትምህርቲ ዝመሃረት ኣደ እያ። ብጽሑፍ ኣቢሉ ዉን ከባቢ 27 ብሂላታ በጺሖምና ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ 10ይ  ክ/ዘ ዝተጻሕፈ “መጽሓፈ ሓዊ” [3. መጽሓፈ ሓዊ- ኣብ ሚያዝያ 983 ዓ.ም. ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኮይኑ፣ ትምህርቲታትን ብሂላትን ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ። ትሕዝትኡ ምስ ናይ ማር ይስሓቅ ዝመሳሰል ኮይኑ ኣብ ብኣባ ኣትያኩስ ዝበሃሉ ኣቦ ዝተዳለወ (compile) እዩ። ኣብ ገጽ 298 ብዛዕባ ቅድስት ስትከሊካ ዝተመዝገበ ብሂል ክንረኽብ ንኽእል።] ዝበሃል ናይ ግእዝ ብራና መጽሓፍ ዉን ስማ ጠቂሱ፣ ብሂላታ ብንጹር ኮፍ ኢሉ ንረኽቦ። ንሎሚ ገለ ካብ ዝመሃረቶ ከካፍለኹም።

መንፈሳዊ ህይወት

እማ ስክለቲካ ከምዚ በለት «መንፈሳዊ ህይወት ንፈለማ ግዜ ክንጅምር እንከለና፣ ኣዝዩ ከቢድ እዩ፣ ነቶም ናብ እግዚአብሔር ክቐርቡ ኢሎም ዝተግሁ ሰባት ዉን ኣብቲ ፈለማ ብዙሕ ኲናትን መከራን ይረኽቦም። ደሓር ግና፣ ተገሊጹ ዘይዉዳእ ምልኣት ሓጎስ ይረኽቡ። ከምቲ ሓዊ ከነናክስ እንከለና ዘጋጥመና፣ ማለት ሓዊ ፈለማ ከነናኽሶ እንከሎና፣ እቲ ትኺ ይዓብሰናን፣ ዓይንናዉን ብዙሕ ይነብዕ። ብብዙሕ ትዕግስቲ ነቲ ሓዊ ምስ ኣናኸስናዮ ግና፣ እቲ ንደልዮ ንረኽብ፣ ብዙሕ ንሕጎስ፣ ዕዮና ዉን ነሳልጥ። መንፈሳዊ ህይወት ዉን ከምኡ እዩ። «ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ» እብ 12፡24. እምበኣር ንሕና ዉን፣ ንዉሽጥና ብኣምላኻዊ ሓዊ ከነቃጽሎ ይግባእ። ነዚ ድማ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ንብዓትን፣ ብርቱዕ ዕዮን ክንፍጽሞ ኣለና።»

2. ከምዚ ዉን በለት “ከምቲ መሪር መድሃኒት ብምዉሳድ፣ ኣብ ዉሽጢ ሰብነትና ዘለዉ ሓደገኛታት ታህዋስያን ንቐትሎም፤ ከምኡ ዉን ጾምና ምስ ጸሎት ክሓብር እንከሎ፣ ክፋእ ሓሳባት ካባና ተጸሪጎም ይወጽኡ።

3. እማ ከምዚ በለት “እምበኣር (ኣሕዋተየ) ምስቲ ፈሪሳዊ ከይንዂነን፣ ነቲ ተጋዊ (ተቐባሊ ቀረጽ) ንምሰሎ (ሉቃ 18)። ዓቅልን ትሕትናን ሙሴን ዉን ንምረጽ (ዘሁ 13)፣ ሽዑ እቲ ከዉሒ ዝዀነ ልብና፣ ናብ ማይ ዘፈልፍል ምንጪ ማይ ክቕየር እዩ (ዘሁ 20)።”

4. ኣዴና ከምዚ በለት “ከምቲ፣ ቤት ብዘይ መስማር፣ ክንሃንጽ ዘይንኽእል፣ ብዘይ ትሕትና ዉን ነፍስና ከነድሕን ኣይንኽእልን”
If you are not aware of proper diet leads to ED Sometimes, when we do move on them we are often pleasantly surprised by purchase viagra online http://deeprootsmag.org/2012/09/07/the-cowboy-rides-away/ your phone call and will be thrilled when you go to the hospital or emergency room for chest pain, or after a heart attack.

5. “ከምቲ ኣብ ሓደ እዋን፡ ተክሊን ዘርኢን ክኽወን ዘይከኣል፤ ከምኡ ዉን ንሕና፣ ብዓለማዊ ሓይልዮት ተኸቢብና ሰማያዊ (መንፈሳዊ) ፍረ ከነፍሪ ኣይከኣልን”

6. “ደቀየ፣ ኲልና ግደ ሓቂ ክንድሕን ንደሊ ኢና፣ የግዳስ ብሰንኪ ሸለልተኝነትን ዘይተገዳስነትን፣ ኣብ ድሕነት ክንበጽሕ ኣይንኽእልን።”

ብዛዕባ ሕርቃን

7. “ክንሓርቅ ኣይግባእን፣ እንተዘይሓረቕና ዉን ዝበለጽ እዩ፣ ኮይኑ ግና ምናልባት እንድሕሪ ሓሪቕና፣ ጸሓይ ክሳዕ ትዓርብ ኣይንጸበ። ምክንያቱ እቲ ሓዋርያ (ቅ.ጳዉሎስ) ብሕርቃን ተባሒትና ክሳዕ ጸሓይ ትዓርብ ክንጸንሕ ኣይፈቐደልናን “ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም።” (ኤፈ 4፡25)። እስከሕሰቡ! ኲሉ ግዜኹም ክሳዕ ዝዉዳእ’ዶ ክትጽበዩ ይሓይሽ? ስለምንታይ ነቲ ዘሕረቐኩም ሰብ ትጸልእዎ? ንሱ መዓስ ኮይኑ ዝበደለ፣ ዲያብሎስ እዩ ነዜ ጌጋ ከምዝፍጽም ዝገበሮ። ነቲ ሕማም ደኣ እምበሪ፣ ነቲ ሕሙም ኣይትጽልልእዎ”

ብዛዕባ ጓሂ

8. “ክልተ ዓይነት ጓሂ ኣሎ፣ እቲ ሓደ ረብሓ ዘለዎ ጠቓሚ ጓሂ እዩ፣ እቲ ካልእ ግና ጉድኣት ዘስዕብ፣ ዘይጠቕም እዩ። እቲ በረኸት ዘለዎ ቀዳማይ ጓሂ፣ ብዛዕባ ሓጢኣትካን፡ ድኽመትካን፡ ድኽመት ጎረቤትካን (ብጻይካን) ምብካይን ምንባዕን እዩ። እዚ ጓሂ እዚ፣ ካብ መንፈሳዊ ዕላማ ንዘይምስሓት ዝግበር ኮይኑ፣ ምስቲ ፍጹም ሰናይ (ኣምላኽ) ሓድነት ከም ዝህልወና ይገብር። እቲ ካልኣይ ጓሂ ግና፡ ካብቲ ጸላኢ ዝመጽእ ኮይኑ፣ ላግጺን ጭንቀትን ዝመልኦ እዩ። እቲ ጭንቀት ዉን፡ ምንም ትርጉም ዘይብሉ፡ ተስፋ ሙቅራጽ፡ ምርባጽን ጸቕጢን፡ ዝፈጥር እዩ። ስለዚ ነዚ መንፈስ እዚ ክንቃወሞን፡ ጸሎት ምጽላይን መዝሙር ዳዊት ብምዝማርን ከንርሕቆ ይግባእ።”

ከንቱ ዉዳሴ

9. “ከምቲ ንሓደ ክቡር ንብረት ክንቀልዖ እንከለና፣ ርዝነቱ ዘጉድል፣ ሽምዓ ዉን ኣብ ቅድሚ ዋዒ ዝመክኽ። ከምኡ ዉን ንይርኣየለይ ዝግበር ሰናይ ግብሪ ዋጋ የብሉን። ነፍሲ ብከንቱ ዉዳሴ ቀልጢፋ ትዓንዉ፡ ኲሉ ዋጋኣ ዉን ተጥፍእ። “

ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።

10. “ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።” ማቴ 10፡16. ከም ተመን ማለት፣ ዉዲት፡ ተንኮልን፡ ተጻብኦ ጸላኢና ዲያብሎስ ዘይምዝንጋዕ ማለት እዩ። ልክዕ ከምኡ ከምቲ ተመን ጸላኢና ምዃን ማለት እዩ። ተመን ናይ ካልእ ተመን ጠባይ ይፈልጦ እዩ። ንሕና ዉን ተመን ብምዃን ናይ ጸላኢን ናይ ጥንቲ ተመን ዉዲት ክንስሕቶ ኣይግባእን። ገርህነት ናይ ርግቢት ማለት ድማ፣  ንንጽህና ናይ ተግባርና ይዉክል።”

በረኸቶምን ጸሎቶምን ናይ ኣዴታትና ኣይፈለየና።