ስግዉ ቃል-መእተዊ /ጥንተ ትስብእት/

ጥንተ ትስብእት-መጋቢት 29

ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን።

መጋቢት 29፣ ጥንተ ትስብእት ተባሂሉ ይፍለጥ፣ ማለት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብፍቑዱን ብስምረት ኣቡኡን መንፈስ ቅዱስን፣ ሰብ ክከዉን ዝመረጸሉን፣ ኣብ ማህጸን ድንግል ማርያም ዝሓደረሉን ዕለት እዩ። ብካልእ ኣገላልጻ፣ ጉይታ ዝተጸንሰሉ፣ ቃል ስጋ ንክለብስ ድቂ ኮይኑ ኣብ ማህጸን ወላዲቱ ዝሓደረሉ መዓልቲ እዩ። ነዛ መዓልቲ ምክንያት ብምግባር ዉን፣ ነታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝቕረብክዋ፣ ግን ከኣ ኣብ መንጎ ዘቋረጽክዋ፣ ጽሕፍቲ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ስግዉ ቃል” ዳግማይ ናብ ኣመንቲ የቕርባ ኣለኹ።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ፣ ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዝፎትዎም መማህራን ቤተክርስቲያን እዩ። ነዛ ብሎግ፣ ኣሰር ስሙ ኣስንየ፣ ክጽዉዓ ዝመረጽኩ ዉን፣ ንሓቂ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዉ፣ ሓዋርያዊ ኣቦ ስለዝዀነ እዩ። እታ ዝዓበየትን ብልጽቲ ስርሑን፣ “ትስጉተ ዘእግዚአብሔር ቃል/ On the Incarnation of the Word” ትብል መጽሓፉ እንዳተርጎምኩ፣ ክቕርባ ጀሚረ እኳ እንተነበርኩ፣ ንዝሓለፈ 4 ዓመት ግና ኣቛሪጸያ ኔረ።  እቲ ኣብ ኢደይ ዝነበረ መጽሓፍ ጥራይ ኣንቢበ ምቱርጓሙ ኣይተዋሕጠለይን። ብፍላይ ነታ ብ ቅዱስ ቪላድሚር ኦርቶዶክሳዊ ናይ ቴኦሎጂ ኮሌጅ (Saint Vladmir Orthodox Theoelogical Seminary)ዝተጻሕፈት ምስ ኣንበብክዋ On the Incarnation (Kindle edition)፣ ኲሉ ትርጉም፣ ኣብዚ ሕታም ዝተመርኮሰ ክኸዉን ከምዘለዎ ንነፍሰይ ኣእመንክዋ። ከም ተወሳኺ ዉን Robert W. Thomson ዘዳለዋ፣ ግሪክን ኢንግሊሽ ጎኒ ጎኒ ጌሩ ዘዳለዋ መጽሓፍ ዉን ከም መወከስታ ተጠቂመላ ኣለኹ። ስለስተ ትርጉም ናይዚ መጽሓፍ ሒዘ፣ ናብ ትግሪኛ ምቱርጓማአይ ብብዙሕ መለክዒታቱ ብልጫ ኣለዎ። ቀዳማይ፣ እቲ ሓሳብት ዝያዳ ይንጽር፣ ካልኣይ ዉን ናብ ትግሪኛ ኣብ ምትርጓም ዝያዳ ከፍኩሶ ይኽእል። ምክንያቱ ኣብቲ ሓደ መጽሓፍ ሰፊሩ ዘሎ ቃላት ምስቲ ኣብቲ ካልእ መጽሓፍ ዘሎ ቃላት ብምዝማድ፣ ነቲ ሓሳባት ክገልጽ ዝኽእል ትግሪኛ ኣብ ምርካብ ይሕግዘና እዩ።
ኣርእስቲ ናይዛ መጽሓፍ ኣብ ትግርኛ ምትርጓሙ ይኸብድ እዩ። ነቲ ኣርእስቲ ከም ዘለዎ እንድሕሪ ቶርጊምናዮ፣ “ናይ እግዚአብሔር ቃል ስጋ ዝለበሰሉ ኲነት” ወይ “ቃል ስጋ ዝለበሰሉ ኲነት” ወይ “ሚስጢረ ስጋዌ” ወይ “ሚስጢረ ተዋህዶ” ወይ “ስግዉ ቃል“ብምበልናዮ። እተን ቀዳሞት ክልተ ‘ንባብ’ ይመስላ፣ ንኣርእስቲ ኣይመችኣንን። እተን ስዒበን ዘለዋ ክልተ ማለት ሚስጢረ ስጋዌ ወይ ተዋህዶ፣ ዝብል ኣርእስቲ ምሃብ ዉን፣ ምስቲ ትርጉም ዝኸይድ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ስለዚ ከምቲ ናይ ቀደም “ስግዉ ቃል” ብምባል ኣርእስቲ ሂበያ ኣለኹ። እምበኣር በዛ ቅድስት መዓልቲ፣ ብድጋሜ ነታ ጽሕፍቲ ከተንብብዋ፣ የቕርበልኩም ኣለኹ።

[pullquote]“ዝኾነ ሰብ ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ጽሑፍ እንድሕሪ ረኺቡ፣ ነቶም ዘይረኽብዎ ምእንቲ ከንብብዎ፤ ወረቐት ዘለዎ ኣብ ወረቐት፣ ወረቐት ዘይብሉ ኣብ ክዳኑ ይጽሓፎ”። ኣባ ቆዝማ (መበል 44 ፓትሪያሪክ ዘእስክንድርያ)[/pullquote]

ነዛ መጽሓፍ ካብ ዘንብባ ዳርጋ ዓሰርተሰለስተ ዓመት ይገብር፣ ምስ ኣነበብክዋ ብሓቂ ኦርቶዶክሳዊ ምዃነይ ሓበን ተሰሚዑኒ። ከመይሲ ፣ ኣብዛ ሓጻር ግን ዓሟቕ መጽሓፍ፣ ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ንዘሎ መልእክቲ ወንጌል፣ ኣዝዩ ዉሕሉል፡ መንፈሳዊ፡ ሎጂካዊን፣ መጽሓፍ ቅዱሳዊን ብዝኾነ ኣገባብ ሰፊሩ ንረኽቦ። ወዲ 19 ዓመት ዲያቆን እንከሎ ዝተጻሕፈት ኮይና፣ ትምህርታ ግን ኣዝዩ ሰፊሕን ንጹርን እዩ። ዲያቆን ክነሱ፣ መልእክቱ ግና ዕድመ ናይ ዚጸገበ ዓቢ መምህር እዩ። ብሓቂ ነዚ መጽሓፍ ተዓጊስኩም ኣንቢብኩም እንድሕሪ ወዲእኹሟ፣ ኣብ ብርኪኹም ሰጊድኩም፣ ነዚ ጥበብ ኣብ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንዘሕደረ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከተመስግኑ ኢኹም። ኢንግሊሽ ተንብቡ ካብዚ ሊንክ ጠዊቕኩም ኣንብብዋ፣ ነቶም ትግርኛ እተንብቡ ግና፣ ብዓቕመይ ቶርጊመ ኣቕሪበልኩም ኣሎኹ።

ዝተጻሕፈትሉ ዘመን

ቅድሚ ጉባኤ ኒቅያ ኣብ ከባቢ 322-4 ዓ.ም. ከመ ዝተጻሕፈት ይንገር።

ናብ መን ተጻሒፋ

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናብ መቃርዮስ ዝበሃል ዓርኩ እዩ ነዛ መጽሓፍ ጽሒፍዋ። ኣብቲ መጽሓፍ ኣብ ቀዳማይ ቁጽሪ “መፍቀሪ ክርስቶስ ዝኾንካ መቃርዮስ፣” ብምባል ስሙ ዝጠቀሶዉን ናብኡ ስለዝጸሓፋ እዩ። ቀደም፣ ኣቦታትና ብዛዕባ እምነትን ክሪስቲያናዊ ህይወትን፣ ደብዳቤ ብምጽሓፍ ነንሕድሕዶም ይመሃሃሩ ኔሮም። ቅ.ኣትናቴዎስ ነዛ መጽሓፍ በብምዕራፍ ብምምቃል በብርእስቲ ጌሩ ናብ መቃርስ ይሰደሉ ነበረ። ብርግጽ እቲ መጽሓፍ ከምዚ ሕጂ ፍቕዲ ተዋሂብዎ ኣይኮነን ዝተዳለወ፣ ነዚ ፍቕዲ ኣብ ደሓር ዘመን`ዩ፣ ኣቦታት ንምክክትታሉ ክጠዕመና ዝገበርሉ (ከም መጽሓፍ ቅዱስ)። ቅድሚ ነዛ መጽሓፍ ምጽሓፉ፣ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮ ጣኦት እትገለጽ መጽሓፍ Contra Gentes (Against Heathen)1 ሰዲዱሉ ነበረ። ስለዚ እዛ ስግዉ ቃል እትብል መጽሓፍ ናታ መቐጸልታ እያ።

ዕላማ ናይዛ መጽሓፍ

ቀንዲ ዕላማ ናይዛ መጽሐፍ፣ ብዛዕባ ተዋህዶ ንምግላጽን፣ ነቶም ኣብቲ ግዜቲ ንዝነበሩ ፈላስፋታትን ኣህዛብን መልሲ ንምምላስ ኮይኑ፣ ዝያዳ ብዛዕባ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይነት፣ ንምንታይ ስጋ ሰብ ከምዝተወሃሃደን፣ ከመይ ጌሩ ከምዘድሓነናን ጸቒጡ መረዳእታ ይህብ። ኣብቲ ግዜቲ፣ ብዛዕባ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽነቱ ዝጠራጠሩ፣ ኣብ መሬት ዘሕለፎ ህይወት ንከንቱ ከምዝነበረ ጌሮም ዝምህሩን፣ ኣብ መስቀል ንዝነበረ ኩነተ ኣማዉትኡ ከም ናይ ድኹም ሰብ ጌሮም ዝገልጹ፣ ብዙሓት ሓሰዉቲ መማህራን፣ ኣምለኽቲ ጣኦት ኣህዛብን፣ ፈላስፋታት ናይ ግሪክ ዝበዝሑሉ ነበረ። ብፍላይ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ንቤተክርስቲያን ኣዝዩ ይፍትነሉ ዝነበረሉ ግዜ እዩ። በዚ ተበጊሶምዉን፣ ብዘይካ እቲ ካብ ዘመነ ሓዋርያት ጀሚሩ ዝነበረ ናይ ፈላስፋታት ተቃዉሞ፣ ብዙሓት ኣህዛብ ብዛዕባ ክርስቶስ ብዙሕ ሓሶት ጽሑፋት ይጽሕፉ ኔሮም። ናይ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቀንዲ ዕላማ እምበኣር ነዚ ኩሉ ምጽራር መልሲ ንክህበሉን ንዓርኩ መቃርዮስ ኣብ ክርስቲያናዊ ህይወቱ ንክጸንዕ ንምግባርን ነበረ።

ጽማቚ

ብሓፈሻ እዛ መጽሓፍ ትሽዓተ ምዕራፍ ሃሊይዋ፣ እታ መበል ታሽዐይቲ መደምደምታ እያ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብዛዕባ ስነ-ፍጥረትን ዉድቀት ደቂ-ሰባትን ይገልጽ። ንሰብ ዝፈጠሮ ወልድ ምዃኑን፣ በዘይክኡ ካልእ ፈጣሪ ከምዘየልቦ፣ ይምህር። ወልድ (ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ) ንሱ ባዕሉ ንሰብ ስለዝፈጠሮን፣ ደጊሙዉን ከድሕኖ ዝኽእል ንሱ ምዃኑን ብዝተፈላለየ ኣገባብ የረድእ። ኣብዚ ንናይ ፍልስፍና ፕላቶን፣ ናይ ግኖስቲክ ትምህርቲን መልሲ ሂብሉ ንረኽቦ።

ካልአይትን ሳልሰይቲን ምዕራፍ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ጸገምን መፍትሒን ይምህር። ማለት ኣዳም ዕጸ በለስ ምስ በልዐ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ከምዝነገሰን፣ ናብ ደቂ ሰባትዉን እዚ ሞት ከምዝተመሓላለፈን ብምስትምሃር፣ ነዚ ኹሉ ፍታሕ ክኸዉን ዝኽእል እንታይ እዩ ብምባል ንኩሉ ነገር መርሚሩ፣ ኣብ መወዳእታ፣ እቲ እንኮ ፍታሕ፡ ወልድ ማለት ቃል ባዕሉ ስጋ ለቢሱ ከድሕነና ጥራይ ምኻኑ፣ ይምህረና።

ራብኣይን ሓምሻይን ምዕራፋት፣ ብዛዕባ ሞትን ትንሳኤኡን ኮይኑ፣ ስለምንታይ ሞቱ፣ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ተራእዩ፣ ትንሳኤኡ ግና ብዉሕዳት ተራእዩ፣ የረድእ። ዝቕጽላ ሰለስተ ምዕራፋት፣ ንኣይሁድን፣ ንኣህዛብን መልሲ ሂቡሉ ኣሎ። ኩለን ምዕራፋት ናይዚ መጽሓፍ ሓጸርቲ፣ ብሩሃት፣ ሎጂካዊን፣ መንፈሳዊን ኮይነን፣ ቋንቋ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ግና ኣዝዩ ከቢድ እይ። ኮይኑ ግና እዘን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ምዕራፋት ኣዝየ እየ ዝፎትወን።
But there are certain conditions which make the sexual life too low check order cialis online hence leading the user to become psychologically reliant upon it.

መዘኻከሪ

ሓደ ጽሑፍ ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ክትቱርጉሞ ከቢድ እዩ፣ ብፍላይ ቴኦሎጂካዊ ሓዘል ትርጓሜን ዝያዳ ይከብድ። ዝያዳ ጻዕሪን ዝሓትትን ትዕግስቲን፣ ጥንቃቐን ይደሊ። ብወገነይ፣ ኣንባብያን ዝርድእዎ መንገዲ ክኸዉን ይኽእል‘ዩ ኢለ ብዝሓሰብክዎ፣ ቶርጊመዮ ኣሎኹ። ግን ገለ መረዳኣታ ክህልወኩም ነዘን ነጥቢ ኣብ ግምት ሓዝወን።
  1. ስልቲ ትርጉም ዳርጋ 97% ቀጥታዊ እዩ፣ እዚ ዉን ዝኾነ ነገር ክዉስኽ ድሌት ኮነ ዕላማ ስለዘይብለይ እዩ። ግን ገሊኡ እንግሊሽ ነዊሕን ዝተሓሓዘን ስለዝኾነ፣ ነዚ ናብ ዝተፈላለየ ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳብ ብምቕያርን ተወሰኽቲ መራኸቢ ቃላት እንዳእተኹን ኣቕሪበዮ።
  2. The Word (Word) ትብል ሓረግ ኣብዛ መጽሓፍ 163 ግዜ  ተደጋጊማ ንረኽባ። ስለዚ ነዛ  ሓረግ ካብቲ ካልእ ንክትፍለ ቦልድ ጌረ ጽሒፈያ።
  3. ኣብዛ መጽሓፍ ቅ.ኣትናቴዎስ፣ ን ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብስሙ ወይ ዉን  ቃል፣ ወልድ፣ መድሓኒ እንዳበለ ይጽዉዖ። ኣብ ገሊኡ ከምቲ ንሱ ዝበላ፣ ኣብ ገሊኡ ኣብ ሓጹር () መወሰኽታ ሽም እንዳእተኹ፣ ኣብ ገሊኡዉን ነዊሕ ናይ ኣኽብሮት ኣገላልጻ ብምእታዉ ጽሕፈዮ።
  4. ቀንዲ ሕመረት ናይዚ መጽሓፍ ኣብ ክልተ ቃላት ዘተኮረ እዩ፣ the Word & Corruption. ነታ ቀዳመይቲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ኮይኑ፣ ነታ ካልአይቲ ግና ብዝተፈላለየ ቃላት ክትክኣ መሪጸ። Corruption ማለት ብግእዝ ምምሳን ብትግርኛ ምምሽማሽ እዩ። ነዘን ቃላት ጥራይ ኣብ ትርጉም ምጥቃም፣ ዳርጋ ነቲ መልእኽቲ ሕንፍሽፍሽ ምግባር ኮይኑ ስለዝተራእየኒ፣ ኣብ ሓጹር ወይ ከኣ፤ ዘልኣለማዊ ጥፍኣት ብምባል ቶርጊመዮ።
  5. ኢንግሊሽ ከተንብቡ ትኽእሉ ንዑ ኣንቢብኩም፣ ነዚ ትግርኛ እንተትርእይዎ ምመረጽኩ። እግረ መገድኹም መኣረምታ ትህቡኒ! ነዚ ጽሑፍ እተንብቡ ዘለኹም የሕዋት፣ መንፈሳዉያን ምኳንኩም እምነት ስለዘለኒ እርማት ኣብ ምሃብ ድሕሪ ከይትብሉ፣ ብስም ድንግል ማርያም ይምሕጸነኩም።

ብክርስቶስ ድኹም ሓዉኩም

ፍኖተ ኣትናቴዎስ

መጋቢት 29. 2009

  1. Contra Gentes ወይ Against Heathen “ኣንጻር እምነት ናይ ኣህዛብ” ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮቶም፡ ጣኦታቶምን ስነምግባራቶምን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ኮይና፣ እዛ መጽሓፍ ‘እምነት ክርስትና’ ብኲሉ መለኪዓታቱ ቅኑዕ፡ ሰናይ፡ ወሃቢ ህይወትን፡ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ መገዲ ምኳኑ እትገልጽ፣ ብብዙሕ መርትዖታት ተሰንያ ዝተዳለወት ጽሕፍቲ እያ። []