ስግዉ ቃል 1- ስነፍጥረትን ዉድቀትን

ምዕራፍ ሓደ ስነ-ፍጥረትን ዉድቐት


ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ፣ “ኣንጻር ኣህዛብ (the Contra Gentes
)1”፣ ኣጀማምራ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮ ጣኦትን ከንቱ ኣምልኮኦምን ፣ ብጸጋ ኣምላኽ ገሊጸልካ ኔረ። ከምኡዉን፣ ብዛዕባ ናይ ኣብ ቃል ተዘራሪብና ኔርና። ንሱ መለኮታዊ ምዃኑን፣ ኩሉ ፍጥረታት ንፍቓዱን ስልጣኑን ከምዝግዝኡሉን፣ እግዚአብሔር ኣብ  ንዓለም ብእኡ ብቃል ማለት ብወልድ ኣቢሉ ከምዝፈጠረን፣ ኩሉ ነገር ብእኡ ከምዝመሓደርን፣ ህላዌኦምዉን ብእኡ ከምዝኾነ ገሊጸልካ ኔረ።

መፍቀሪ ክርስቶስ ዝኾንካ መቃርዮስ፣ ሕጂ ኸኣ፣ ቃል ከመይ ኢሉ ሰብ ከምዝኾነን፡ ኣብ ማእከልና ከምዝሓደረን እናተዘራረብና፣ ብዛዕባ እዛ ቅድስቲ እምነትና ኣዕሚቕና ክንማሃሃር ኢና። ንኣምላኽ ዘለኻ ፍቕርን፣ ቃሉ ንምጽናዕ ዝህልወካ ተወፋይነትን ልዕሊ ዂሉ ሓያል ክኸዉን ይግባእ።

ኣይሁድ ዝንዕቅዎ፣ ግሪካዉያን ዝጸርፍዎ፣ ንሕና ግና ኣዚና እነኽብሮ ናይ ክርስቶስ ሚስጢር ንምስክር። ብስጋዊነቱ (ስጋ ብምልባሱ፣ ሰብ ብምዃኑን)፤ ንኡስን ክብሪ ዉን ዘይግብኦ ይመስል። ነዚ ዝርኣዩ ዘይኣመንቲ፣ ኣጽዋር ጸርፊታቶም ኣብኡ የዝንቡሉ ኣለዉ። እቲ ዝገርም ግና፣ ኣብ ከምዚ ኩነት ዉን ከይተረፈ፣ ኣምላክነቱ (መለኮታዊነቱ) ዝያዳ እዩ ዝተገልጸ። ብዓይኒ ሰብ ጠሚቶም ዘይከኣል ንዝበልዎ፣ ንሱ ግና ኩሉ ከምዝከኣል ብግልጺ ኣርኣየ። ነቲ ዘይብቁዕ ኢሎም ዝተጸየፍዎ፣ ብምሕረቱ (ቸርነቱ) ብቁዕ ገበሮ፣ ፈላጣት ኢና በሃልቲ ናይ ሰብ ነገር መሲልዎም ዘላገጽሉ፣ ንሱ ግና መለኮት ኣወሃሂዱ ኣኽበሮ።  በቲ ንዑቅን ድኩምን ዝመስል፣ ሞት ኣብ መስቀል ኣቢሉ፣ ንኣምልኮ ጣኦትን ርኹስ ስርዓታቶምን ሰዓረ። ብስቅታን ህድኣትን መንገዲ ጌሩ ንልቢ ዘይኣመንቲ ኣህዛብን፡ መላገጽቲን ብምስሓብ፣ ኣምላኽ ምዃኑ ኣሚኖም ከምዝቅበልዎ ገበረ።

እምበኣር ነዚ ኹሉ ክንርዳእ፣ ነቲ ቅድም ዝበልናዮ ከንምለሶ ኢና። `ስለምንታይ እዩ፣ እቲ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ቃለ ኣብ ብስጋ ሰብ ዘተግልጸ፧’  ዝብል ሕቶ ቅድም ክትርድኦ ይግባእ። ንባህሪኡ ዝመዓራረዮ ኣካል ኣይኮነን ዝተዋሃሃደ፣ ንዕዑ ዝብቅዕ ኣካል ዉን ኣይርከብን፣ ምክንያቱ ንሱ ኣካል (without body) ዘይብሉ ቃል ስለዝኾነ። ኣምላኽ መሓሪን፣ ድሕነት ደቂ-ሰባት ዝደሊ ፈቃርን ስለዝኾነን ጥራይ እዩ፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ስለዚ እግዚአብሔር ንዓለም ከመይ ጌሩ ከምዝፈጠራ ብምርኣይ ክንጅምር ኢና። ነዚ ነጥቢ ኣቐዲምካ ክትርድኦ ይግባእ። ፍጥረት ዝደሓነን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዝተመልሰን፣ በቲ ኣብ መጀምርታ ዝፈጠሮ ቃል እዩ2። ዓለም ዝተፈጥረት ብቃል (ብወልድ) እዩ፣ መሊሳ ዉን ዝደሓነት ዉን ብእኡ ብቃለ አብ እዩ።  ኣብ መንጎ ስነፍጥረትን ድሕነት ደቂ ሰባትን ምምስሳል ኣሎ። አብ ነዚ ክልቲኡ ዕዮ ክዓዪ ሓደ መሳርሒ እዩ ተጠቒሙ። አብቃል (ብወልድ) ኣቢሉ ንዓለም ፈጠራ፣ መሊሱዉን ብወዱ (ብቃሉ) ኣድሓና።

ብዛዕባ ስነ-ፍጥረትን ኣፈጣጥራ ዓለምን፣ ብዙሕ ኣበሃህላ ኣሎ፣ ነፍሲ ወከፎምዉን ንገዛእ ርእሶም ዝጥዕሞም መግለጺ ይህቡ። ንኣብነት ናይ ገሊኦም ኣበስ ቀደስ፣ ዓለም ባዕላ ንባዕላ እያ ተፈጢራ ይብሉ (all things are self-originated)። ዓለም ዝፈጠረ ጥበብ ከምዘሎ ዝክሕዱ  ኤፒኩሪያን (The Epi-cureans)3 ናይ ከምዚኦም ኣብነት እዮም። እዚ ኣብሃህላ ግና፣ ንኹሉ ህላዌታትን፣ ንናይ ገዛእ ርእሶም ህላዌዉን  ከይተረፈ ዝጻረር እዩ። ኩሉ ነገር ብኸምዚ ዝባሃል ኣገባብ ዝመጽአ እንድሕሪኮይኑ ስለምንታይ ኩሉ ነገር ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊን ዘይኮነ። ምኽንያቱ ባዕሉ ንባዕሉ ዝፍጠር ነገር ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊን እዩ ዝኸዉን። ኣብ ኣድማስ ኩሉ ነገር ጸሓይ፡ ወይ ወርሒ፡ ወይ ሓደ ዓይነት ነገር ጥራይ ምኾነ። ኣብ ኣካላትና ዉን ተመሳሰሊ ነገር ምኾነ፣ ኩሉ ኣካልና ኢድ ጥራይ፣ ወይ ዓይኒ፣ ወይ እግሪ ጥራይ ምኾነ። ግን ኣብ ባይታ ዝተፈላለየ ነገር ኢና ንረኽብ፣ ጸሓይ፣ ወርሒ፣ ዓለም. . . ወዘተ ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ኣብ ኣካልና ዉን፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣሎና፣ እግሪ፣ ኢድ፣ ርእሲ . . .ወዘተ ዝተፈላለየ እዩ። ኣብ ዓለም ዘሎ ፍልልይን ዘይምምስሳልን፣ ነገራት ባዕሎም ዝተፈጥሩ ዘይኮነስ፣ እዃ ደኣ ነዚ ኹሉ ምኽንያት ከምዘለዎን፣ ነዚ ኩሉ ፍሉያት ነገራት ዝፈጠረ ጥበብን ኣእምሮን ከምዘሎን የረድኣና። ናይዚ ኩሉ ሃንዳሲን ፈጣሪን ጥበብን ኣእምሮን ኸኣ እግዚእብሔር ባዕሉ እዩ።

ገሊኦም ናይቲ ሓያል ግሪካዊ ፈላስፋ ፕላቶ ኣተሓሳስባ ይስዕቡ። ንሱ፣ ኣምላኽ ካብ ህልው ነገር እዩ ንዓለም ዝፈጠረ፣ ይብል። ከምቲ ሓደ ጸራባይ ካብ ዕንጨይቲ ዝተፈላለየ ኣቕሑት ዝሰርሕ፣ ንኣምላኽ ዉን ከምኡ ጌሩ ይገልጾ። ነዚ ብምባሎም ዉን ንእግዚእብሔር ይድርትዎ። ኣምላኽ ናይ ነገራት ኩሉ ምንጪን፣ ምክንያተ ህላወን ምዃኑ ይክሕዱ። ጸራባይ ዕንጨይቲ እንድሕሪ ዘይረኺቡ ኣቕሑት ክሰርሕ ከምዘይኽእል፣ ኣምላኽ ዉን ካብ ህሉው ነገር ንዓለም ፈጢሩ ምባል፣ ንኣምላኽ ምድራት እዩ። ኣምላኽ ንዓለም ክፈጥር ኣብ ካልእ ግዳማዊ ነገር ዝምርኮስ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ከመይ ጌርና ፈጣሪ ንብሎ፧ ካብ ህሉው ነገር ተበጊሱ ዝፈጥርን፣ ንነገራት ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላው ዘምጽአ ሓይሊ እንድሕሪ ዘይኮይኑ፣ ጸራባይ እምበር ፈጣሪ ኣይንብሎን።

Black musli (Curculigo orchioides) is a herb that belongs to the PDE 5 inhibiting medications. steal here online levitra vardenafil citrate (a generic version of sildenafil citrate) that has been discovered as the prime culprit in exposing your body to the bike, stupid!”Bodyworkers and functional movement trainers whose practices cater to amateur and elite cyclists are sharply aware of the clinical and performance advantages gained by.
ስነ-ሓሳብ ናይ ግኖስቲክ ኸኣ ንዉሰድ፣ ንሳቶም ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቡኡ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ኣሎ፣ ይብሉ። ነዚ መረዳእታ ዝኾነና ጐይታ ምስ ኣይሁድ ዝገበሮ ዝርርብ እዩ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ “እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ ሰብኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም”  ዝብል ጥቅሲ ጠቂሱ፣ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ክጣበቅ ምስ ኣረድኦም፣ ነዚ ሓሳብ ምስ ፈጣሪ ኣተሓሒዙ “ኣምላኽ ዘጋጠሞስ ሰብ ኣይፍለዮ” ብምባል ደምደሞ /ማቴ 19፥4-6/። ካብ አብ ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ ከመይ ይርከብ፧ ቅዱስ ዮሃንስ ዉን ከምዚ በለ “ብእኡ ዂሉ ዀነ፣ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን’’’ /ዮሃ 1፥3/። ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ  ወጻኢ ካልእ ፈጣሪ፣ ከመይ ይህሉ፧!

ርእይቶ ደቂ ሰባት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ኮይኑ፣ ድፍረት ዝመልኦ ዕሽነቶም ኸኣ ብትምህርቲ ክርስቲያናዊ እምነት እዩ ዝግለጽ። ንሕና ንፈልጦ እዚ’ዩ፣ ንኣድማስ ዝፈጠረ ጥበብን ኣእምሮን ኣሎ፣ ዓለም ባዕላ ዝተፈጥረት ዘይኮነትሲ እግዚአብሔር ኣምላኽ `ዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ  ድሩት ዘይኮነሲ፣ ፍጹም ዘይዉስን እዩ፣ ስለዚ ንዓለም ካብ ህሉው ነገር ዘይኮነስ፣ ካብ ዘይምህላዉን ካብ ዘይምንባርን ማለት “እም ሃበ ኣልቦ ሃበ ቦ” እዩ ፈጢርዋ። ኣምላኽ ንዂሉ ነገር ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ብቃል ኣቢሉ ፈጠሮ። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት “ኣምላኽ ብምጀመርታ ሰማይን ምድሪን ፈጠረ ” ይብል /ዘፍ 1፥1/። ከምኡ ዉን ኣብታ ናይ ሄርማስ ጓሳ (The Sheperd of Hermas)4 ትብል መጽሓፍ ዉን ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ንረኽብ “ ቅድም ቀዳድም ነዚ ነገር ፍለጥ፣ ሓደ ኣምላኽ ከምዘሎን፣ ንኲሉ ነገር ዝፈጠረን ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ኣምጺኡ ንዂሉ ዘዳለወ ዉን ንሱ ሓደ ኣምላኽ ምኳኑ እመኑ።” /The Shepherd of Hermas, Book II. I/። ቅ.ጳዉሎስ ዉን ኣብ መልእክቱ ነዚ የረድኣና፣ “ዓለም ብቃል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፣ ከም ኡዉን እቲ ዚርኤ ካብ ዘይርኤ ከም ዝዀነ ብእምነት ነስተዉዕሎ ኣሎና።” /ዕብ 11፥3/። እግዚእብሔር ሰናይን፣ ምንጪ ዂሉ ሰናያትን እዩ። ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ ኣምላኽ ኸኣ በቃቕ ወይ ነፋግ ክኸዉን ፍጹም ኣይኽእልን። ነፋግ ወይ በቃቕ ስለዘይኾነ ኸኣ፣ ብቃሉ ማለት ብጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዓለም ካብ ዘይምንባር (እም ሃበ ኣልቦ) ናብ ምንባር ፈጠራ። ካብዞም ኹሎም ፍጥረታት ዓለም፣ ንዘርኢ ሰብ በይኑ ፈልዩ ፍጹም ጸጋን ምሕረትን ኣዳለወሉ። ሰብ፣ ብባህሪኡ ከም እንስሳ ግዚያዊ ፍጡር እዃ እንተኾነ፣ ኣብ ካልኦት እንስሳታት ዘይርከብ ፍሉይ ትዕድልቲን ጸጋን ግን፣ እግዚአብሔር ዓዲልዎ እዩ። እዚ ፍሉይ ጸጋ ወይ ትዕድልቲ ኸኣ፣ መልክዕን መስሊን ኣምላኽ ምዉናኖም እዩ። ሰባት ንወልደ ኣምላኽ ክመስሉ ብቅዓት ዝህቦም፣ መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ኣለዎም። እዚ ትዕድልቲ ስለዘለዎም ድማ፣ ናይ ምሕሳብን፣ ቅኑዕ ነገር ናይ ምግባርን ክእለት ዘለዎም ፍጡራት እዩ፤ ብኸምዚ ኸኣ ንወልደ ኣምላክ (ንክርስቶስ) ይመስሉ። ከምቲ ቃል ፣ ህላወ ናይቲ ዘይርአ ኣምላኽ (እግዚአብሔር ኣብ) ዘግሃደን ዝገለጸን። ሰባትዉን ብናብርኦምን ብህይወቶምን፣ ቅኑዕ ነገር ብምግባርን፡ ክሓስቡ ብምክኣልን፤ መልክዕን ኣእምሮን ኣምላኽ ከግህዱ ይኽእሉ። ኣብ ፈለማ ዉን፣ ሰባት፣ ብኽመዚ ዓይነት ህላወ ማለት ብቅድስናን ንዘለኣላም ኣብ ገነት ክነብሩ እዮም ተፈጢሮም። ንዝተወሰነ ግዜ ይኹን ደኣ እምበር፣ ነዚ ህይወትዚ ኣብ ገነት ኣስተማቒሮሞ እዮም።

ኾይኑ ግና፣ ሰብ ብናጻ ፍቃድ ዝተፈጥረ ስለዝኮነ፣ ዝሓሸን ዝደለዮን ክመርጽ ይኽእል። ኣምላኽዉን ካብ መጀመርታ፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዘሕደሮ ጸጋ ብክልተ ቅድመ ኩነት ከምዝሕሎ ገበሮ።  እዘን ክልተ ቅድመ ኩነት፣ ቦታን (ገነት)፡ ሕጊን (ዕጸ-በለስ ንከይበልዑ)  እየን። እግዚአብሔር ኣብቲ ናቱ ቦታ ኣብ ገነት ኣንቢሩ ሓንቲ ከልካሊት ሕጊ ኸኣ ሃቦም። ጸጋኦም ዓቂቦም፣ ናይ ቅድም ቅድስንኦም  ብፍቕሪ ሓልዮም እንተነበሩ፣ እታ ቃንዛ፣ ሕማም ኮነ ጓሂ ዘይብላ ናይ ገነት ህይወት ንኽነብሩን፣ ብድሕሪኡ ዉን ንዘልኣለም ህያዋን ኮይኖም ኣብ መንግስተ ሰማያት ይነብሩ።  ግን ዝተዋህቦም ጸጋ ዉልድነት ደርብዮም፣ ናብ ክፍኣት ዘንቢሎም፣ ካብ መንገዲ ኣምላኽ እንተልገሱ ግና፣ ኣብ ትሕቲ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ሞት ይወድቁ፣ ኣብ ገነት ዉን ኣይነብሩን። እንታይ ደኣ ካብ ገነት ወጻኢ ይሞቱ፣ ኣብ ትሕቲ ሞትን ጥፍኣትን (ምምሽማሽን) ኸኣ ወዲቆም ይነብሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዉን ንሕጊ እግዚአብሔር ክነግር እንከሎ፣ ነዚ ሓሳብ`ዩ ዘረድኣና፣ “ካብ ኲሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፣ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፣ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመዉት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ” /ዘፍ 2፥16/። “ሞት ክትመዉት ኢኻ” /”Ye shall surely die”/ ክብል ከሎ ሞት ጥራይ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ፣ ኣብ ኲነት ሞትን ምምሽማሽን ይጸንሕ ማለቱ’ዩ።

ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ቃል ስጋ ምዃኑ ገዲፍና፣ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰባት ምዝራብና፣ ይገርመካ ይኸዉን። ክልቲኡ ነጥቢ ግን ምትሕሓዝ ኣለዎ። ናትና ጌጋ፣ ንቃል ካብ ሰማይ ኣዉረዶ፣ ናትና ምጥሓስ ሕጊ፣ ፍቕሩ ንኽገልጽ ገበሮ። ኣምላኽ ክረድኣናን፣ ከድሕነናን ኣብ ማዕከልና ተረኽበ። ስጋ ንክወሃሃድ ምኽንያት ዝኾንናዮ ንሕና ኢና። ምእንቲ ድሕነትና ክብል ብፍቕሪ፣ ስጋ ለቢሱ ተወልደን ተገልጸን። ኣምላኽ ንሰብ፣ መንፈስ ዝተወሃሃደ ስጋ ጌሩ ብምፍጣር ንዘልኣለም ንኽነብር’ዩ መዲብዎ። ሰብ ግን፣ ካብ ሕጊ ኣምላኽ ኣልጊሱ ናብ ናይ ክፍኣት መንገዲ ዘንበለ፣ ከም ዉጽኢቱ ዉን ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሞት ወደቐ። ኣብ ክንዲ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፍጠሮም ዂነት (state) ዝጸንሕ፣  ናብ መስርሕ ዘልኣለማዊ ጥፍኣትን ምምሽማሽን ይኸይድ ነበረ። ሞትዉን ፍጹም ገዚኣቶ ነበረት። ሰብ ሕጊ ምጥሓሱ ናብቲ ናይ ቀደም ቦህሪኡ ናብ ዘይምንባር  (ዘልኣለማዊ ሞት) ከምዝምለስ ኾነ። ቅድም ዉን ካብ ዘይምንባር (ዘይምህላው) ናብ ምንባር (ምህላው) እዩ ተፈጢሩ፣ ሕጂ ኸኣ ብሰንኪ ጥፍኣት ተመሊሱ ናብ ናይ ቀደም ዂነት ማለት ናብ ዘይምህላው ይኸይድ ነበረ። ናይ ቃል (ወልድ) ህላወን ፍቕሪን እዩ ናብ ምንባር ዝጸዉዓና፣ ስለዚ ነቲ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ኣምላኽ ምስ ሰኣኑ (ምስ ኣጥፍኡ) ኸኣ፣ ናብ ዘይምንባር ይምለሱ። እምበርከ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘልዓለማዊ፣ ክፍኣት ግን ኣንጻር ሰናይ ነገር ስለዝኽዕነ ህላወ የብሉን። ሰብ ካብ ዘምንባር ስለዝተፈጥረ (he was made from nothing)፣ መዋቲ እዩ፣ ኮይኑ ግና መልክዕን ምስሊን እምላኽ ኸኣ ኣለዎ። ነዚ ምስሊን መልክዕን ኣምላኽ፣ ሕጊ ብምሕላው ብቀጻሊ እንድሕሪ ዓቒብዎ፣ ንዘልኣለም ህያው ኮይኑ ክነብር ይኽእል።ሰሎሞን ዉን ነዚ ከብርሃልና እንከሎ ኣብ መጽሓፈ ጥበብ ከምዚ ይብል፣ “ምሕላው ሕጊ ከም ዘይትመዉት ምርግጋጽ ማለት እዩ።” /ጥበብ 6፥18/። ሰብ ንጹህ፣ ቅዱስን ምዃኑ፣ ምስ እግዚአብሔር የመሳስሎ፣ ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ “ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ ኩላትኩም ዉልድ እቲ ልዑል ኢኹም፡ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲ ዉን ክትወድቁ ኢዂም፣ በልኩ።” /መዝ 82፥6/።

ኲነት ደቂ ሰባት እምበኣር ከምዚ እዩ ኔሩ። እግዚአብሔር ካብ ዘይምህላዉ ፈጢርዎም ጥራይ ዘይኮነስ፣ በቲ ናቱ ባህ ኣቢሉ፣ ህይወት ኣልቢስዎም ነበረ። ከምኡ ህያዉ ኮይኖም ክነብሩ ፈጠሮም። ሰባት ግና ብምኽሪ ዲያብሎስ፣ ካብቲ ዘለዓለማዊ መንገዲ ኣልጊሶም ናብቲ ናብ ጥፍኣት መንገዲ ኣቅንዑ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥፍኣት ዉን ባዕሎም ኣወጁ። ዘለዓለማዊ ኩነኔ ብሞት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ። ከምቲ ኣንተቦ ዝበልክዎ፣ ሰባት ብተፈጥሮኦም መወትቲን ግዚያዊን እኳ’ንተዀኑ፣ ካብ ሕብረት ቃል ዝረኸብዎ ጸጋ ግና ነዚ ሕጊ ተፈጥሮ ክስዕሩ ኣኽኢልዎም። ነዚ ዉህበት ጸጋ እንድሕሪ ዓቂቦሞ ኸኣ ንዘለዓለም ይነብሩ። ህላወ ቃል ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ዉን ካብዚ ተፈጥሮኣዊ ሞት (ዘይምንባር)  ዓቂብዎም። “እግዚአብሔር ንሰብ ዘይመዉት ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። እወ ብመልክዑ ዘለዓለማዊ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ሞት ግና ብቅንኣት ሰይጣን እያ ናብ ዓለም ዝኣተወት።” /ጥበብ 2፥23-24/ ኢሉ ንጉስ ሰሎሞን ዝተዛረቦ ዉን ነዚ ከረድኣና እዩ። እዚ ምስዀነ ዉን፣ ሰባት ክሞቱ ጀመሩ፣ ዘለኣለማዊ ምምሽማሽ ዉን ኣብ ኩሎም ነገሰ፣ ናብ ናይ ቀደም ተፈጥሮኣዊ ደረጃዉን ከምዝምለሱ ገበሮም። ምክንያቱ፣ ሕጊ ብምጥሓሶም ካብ እግዚአብሔር ዝተበየነ መቅጻዕቲ ስለዝዀነ። ንሓጢኣት ሓንሳብ ምስ ጀመርዎ፣ ብኡ ኣቢሎም ቀጸልዎ፣ ሞትን ዘልዓለማዊ ምምሽማሽን ኣብ ልዕሊኦም ነገሰ። በገቢረ ሓጢኣት ዉን ካብ ሕማቕን ክፉእን፣ ናብ ዝገደደ ክፍኣት ቀስ እንዳበሉ ዉን ንኩሉ ደረት ክሳዕ ምስጋር በጽሑ። ልክዕ ከም ሓደ ሸዉሃቱ ዝተኸፍተሉ ሃርጋፍ ዉን፣ ሓደስቲ ሓጢኣት ብምምሃዝ ሽውሃት ሓጢኣቶም ኣርወዩ። ዝሙትን ቅጥለትን ኣብ ኹሉ እዩ፣ ዓመጽን ቅትለትን ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርግሐ፣ሕጊ ተሳዒሩ፣ ፍትሒ ተናዒቁ። ዂሉ ዓይነት ሓጢኣት ብኩሉ ሰብ (ብሕብረት ይኹን ብዉልቂ) ተፈጸመ። ከተማ ምስ ከተማ፣ ሃገር ምስ ሃገር ኲናት ገጠሙ፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ተለዓለ። ኣብ ኲላ ምድሪዉን ጃንዳዊ ህልቀትን ኲናትን ዀነ። ነንሕድሕዶም ዉን ብግብሪ ክፍኣት ይቀዳደሙ ነበሩ። ዘይተፈጥሮኣዊ ሓጢኣት ዉን ነበር። ሰማዕት ዝዀነ ናይ ክርስቶስ ሃዋርያ፣ ቅ.ጳዉሎስ ነዚ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል፣ “ደቂ ኣንስትዮኦም ከይተረፋ ነቲ ባህርያዊ ግብረ ስጋ ናብ ዘይባህርያዊ ለወጥኦ፣ ሰብኡትዉን ከምኡ ነቲ ምስ ጓል ኣንስትዮ ዚፍጸም በህርያዊ ግብረ ስጋ ሓዲጎም ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ነደዱ፣ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነዉሪ ገበሩ፣ ናይቲ ዝገበርዎ ስሕተት ግቡእ መቕጻዕቲ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣዉረዱ።” /ሮሜ 1፥26-27/።

 

  1. Contra Gentes ወይ Against Heathen “ኣንጻር እምነት ናይ ኣህዛብ” ቅዱስ ኣትናቴዎስ ብዛዕባ ናይ ኣህዛብ ኣምልኮቶም፡ ጣኦታቶምን ስነምግባራቶምን ኣመልኪቱ ዝጸሓፋ መጽሓፍ ኮይና፣ እዛ መጽሓፍ ‘እምነት ክርስትና’ ብኲሉ መለኪዓታቱ ቅኑዕ፡ ሰናይ፡ ወሃቢ ህይወትን፡ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ መገዲ ምኳኑ እትገልጽ፣ ብብዙሕ መርትዖታት ተሰንያ ዝተዳለወት ጽሕፍቲ እያ። []
  2. the renewal of creation has been brought by the Self-same Word Who made it  in  the beginning []
  3. Epicureans፦ ኣብ 307 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ብኤፕክሮስ ዝተባህለ ፈላስፋ ዝተሰረተ ጉጅለ ፈላስፋታት ኮይኖም፣ Atomic Materialistic ዝነበሩ እዮም። ፍልስፍንኦም ኣብ “ነገራዊነት” ዝተኾረ እዩ፣ ዓለምዉን ካብ ዝነበረ ነገራት ከም ዝተፈጥረት ይኣምኑ []
  4. The Sheperd of Hermas፣ ኣብ ዘመነ ሓዋርያዉያን ኣቦታት ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ኮይና፣ ብዛዕባ ሐርማስ ዝበሃል ሰብ ዝረኣዮ ራእይ ዝገልጽን፣ ብዝያዳ እታ ክርስቶስ ብደሙ ዝሰረታ ቤተክርስቲያን እንታይ ዓይነት ገድሊ ከም እተሕልፍ ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ []