ስግው ቃል 2-ሰማያዊ መዋጥርን ፍታሕ ብተዋህዶን

መእተዊ  ቀዳማይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈት ምዕራፍ፣ ሞትን ጥፍኣትን ነጊሱ ስለዝነበረ፣ ኩሉ ሰብ ናብ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት የምርሕ ከምዝነበረ ርኢና። እቲ በመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሩ፣ ብህላዌኡን ምንቅስቃሳቱን ግብሪ ቃል ዘዘንቱ ዝነበረ ሰብ፣ ናብ ሞት የምርሕን፣ ግብሪ እግዚአብሔር ዉን ይጠፍእ ኣሎ። እቲ ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓስ ዝመጽአ ሕጊ ሞት ኣብ ልዕሌና ኣስፋሕፊሑ ነበረ፣ ካብዚ ዉን ማንም ክሞሉቕ ኣይኽእልን። ኣጋጢሙ ዘሎ ነገር ኣዝዩ ዘዋጥርን፣ ዘይግቡእን እዩ። እግዚአብሔር ሕጂ ተመሊሱ ነቱ ንሱ ዝተዛረቦ ቃል ክልዉጥ ማለት፣ “ንሰብ ደሓን ኣይኽትመዉትን ኢኻ፣” ክብሎ ዘይሕሰብ እዩ። ግን ከኣ እቲ ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጠረ፣ ግብሪ ቃል ዝዀነ ሰብ፣ ብሰንኺ ጥፍኣት ናብ ዘልኣለማዊ ሞት ክምለስ ዉን ቅቡል ኣይኮነን። ሰይጣን ብዝፈጠሮ ምትላል፣ እቲ ፍጡር እግዚአብሔር ዝዀነ ሰብ ናብ ሞት ከምርሕ ማለት፣ ምስ ሰናይ ባህርያት ኣምላኽና ኣይሰማማዕን። ኣምላኽ ኣብ ሰብ ዝገበሮ ስራሕ፣ እንተ ብናይ ሰባት ሸለልተኝነት እንተ ብሰይጣን ምትላል፣ ንኸንቱ ክተርፍ ግቡእ ኣይኮነን።

ኣእምሮ ተዓዲልዎ ዝተፈጥረ፣ “ዓቢ ግብሪ ኣምላኽ” ናብ መንገዲ ጥፍኣት፣ ናብ መንገዲ ዘለኣለማዊ ሞት የምርሕ ኣሎ። እምበኣር እዚ ካብ ኾነ፣ እቲ ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር እንታይ ይግበር፧? ሞት፡ ምምሽማሽን፡ ጥፍኣትን ኣብ ልዕሊ ሰባት ነጊሱ ክነብር ድዩ ሱቕ ኢሉ ክርእዮም፧? ከምዚ እንድሕሪ ኮይኑ ደኣ`ሞ፣ ብቀደሙ ንምንታይ ንሰብ ይፈጥሮ፧? ካብ ተፈጢሩ ናብ ሞት ከምርሕ፣ ብመሰረቱዉን እንተዘይፍጠር ምሓሸ። ብተወሳኺ፣ እቲ ብኢዱ ኣኽቢሩ ብፍሉይ ኣገባብ ብመልክዑን ብምስሉን ዝፈጠሮ ሰብ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ክጠፍእ ኸሎ ሱቕ ኢሉ ክርእዮ ማለት፣ ብሓቒ ምስቲ ባህሪያዊ ሓይሊ እግዚአብሔር ዘይሰማማዕ እዩ። ክመዉት እንከሎ ሱቕ ኢሉ እንተርእይዎ፣ ዳርጋ ኣምላክ ገለ ሕጽረት ወይ ገደብ ዘለዎ እዩ ዘስምዕ፣ ማለት ዓቕሚ ይዉሕዶ`ዩ ዘብል። ካብ ኣይፈጠረን ኢልካ ምዝራብ፣ ንሰብ ፈጢርዎ ግን ኣየድሓኖን ኢልካ ክትዛረብ ከለኻ፣ ኣምላኽ ገለ ሕጽረታት ከምዘለዎ እዩ ዘስምዕ። ሎቱ ስብሓት እግዚአብሔር ከምኡ ኣይኮነን። ስለዚ እግዚአብሔር፣ ሰብ ብጥፍኣት ተዋሒጡ ናብ ሞት ከምርሕ እንከሎ፣ ሱቕ ኢሉ ክርእዮ ዘይከኣል እዩ፤ ምክንያቱ ምስቲ ናቱ ባህሪ ኣይሰማማዕን።

ጉዳይ በዚ ኣየብቅዕን፣ ከምቲ ዓንተዎ ዝበልናዮ፣ እቲ “ኣቡኣ ንሓቂ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ እግዚአብሔር፣ ነቲ ኣቐዲሙ “ሞት ክትመዉት ኢኻ” ኢሉ ንሰብ ዝተዛረቦ ቃል፣ ክልዉጦ፣ ማለት መታን ንሕና ንዘለዓለም ክንነብር፣ ዳግመ ግምት ጌሩ ነቲ ቃሉ ክቕይሮ፤ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ከምኡ እንተጌሩ ኣምላኽ ቃሉ ይቕይር ስለዘሎ፣ ሓሳዊ ክኸዉን እዩ። እግዚአብሔር ብባህሪኡ ሓቂ ስለዝዀነ፣ ንነብሱ ሓሳዊ ክገብራ ኣይኽእልን። ምክንያቱ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓቀኛ እዩ።

ስለዚ ኣምላኽ እንታይ ይግበር፧ ሰባት ሓጢኣቶም ክንዛዙ ድዩ ክጽበይ፧? ምናልባት እዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ይመስል። ምክንያቱ ሰባት ብሰንኪ ሕጊ ምጥሓሶም ናብ ጥፍኣት የምርሑ ኔሮም፣ ንስሓ ብምእታዎም ከኣ፣ ሞት ካብኦም ኣልገሰ፣ ኢልኻ ክትዛረብ ጽቡቕ ይመስል። እዚ ግና ምስ ኣምላኻዊ ፍርዲ ኣይሰማማዕን። ምክንያቱ ዋላ ሓጢኣቶም ተናዚዞም ተጣዒሶም ንስሓ እንተኣተዉ፣ ኣምላኽ ዝፈረዶ ፍርዲ ክቅይሮ፣ ማለት እቲ “ሞት ክትመዉት ኢኻ” ትብል ቃል እንተተሳዒራ፣ ሕጂዉን እግዚአብሔ ዘይሓቀኛ ይኸዉን ኣሎ። ንስሓ ምናልባት ሓጢኣት ካብ ምስራሕ ደው የብለኻ ይኸዉን፣ ግን ካብቲ ባህሪያዊ ጉድለታት ኣየድሕነካን [ንስሓ ሓጢኣት ካብ ምስራሕ ደው ከብለኻ፣ ምሕረት ከዉህበኻ ይኽእል እዩ፤ ዉጽኢት ናይቲ ሓጢኣት ግና ከርሕቆ ኣይኽእልን]። ማለት ሰብ ካብ ዘይምንባር ዝተፈጥረ ብባሕሪኡ ህይወት ዘይብሉ ግዚያዊ እዩ፣ ስለዝኾነ ኸኣ ብንስሓ እዚ ባህሪያዊ ነገር ኣይቕየርን። እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሕጊ ምጥሓስ ጥራይ ኮይኑ እንተዝኸዉን ማለት እቲ ናይ ሞትን ጥፍኣትን ነገራት እንተዘይህሉ ኔሩ፣ ብሓቂ ንስሓ ፍታሕ ምኾነ። ግን፣ ሰብ ሕጊ ምስጠሓሰ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ከም ጸጋ ሓዲሩ ዘነበረ መልክዕ ኣምላኽ ርሒቕዎ፣ ከም ዉጽኢቱ ዉን ኣብ ትሕቲ ሞትን ጥፍኣትን ወደቐ፣ እዚዉን ባህሪያዊ እዩ። ምክንያቱ ሰብ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ተፈጢሩ፣ ሕጊ ምስ ጠሓሰ ኸኣ ናብ ዘይምንባር (ሞትን ጥፍኣትን) ተመልሰ። ንስሓ ካብዚ ጸገም ኣየድሕንን።

ነዚ ንሕና ዘድልየና መድሓኒ ካበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧? በየናይ መንገዲ ኢና ክንድሕን ንኽእል፧? እቲ ካብ መጀመርታ ካብ ዘይምንባር ዝፈጠረና ቃል፣ ሕጂዉን ከድሕነና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ከምቲ ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላዉ፣ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዝፈጠረና፣ ሕጂ ዉን ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ ሞትን ጥፍኣትን ክርሕቀልና ዝኽእል ንሱ ጥራይ እዩ። ናይ ኣብ ቃል ስለዝኾነ፣ ልዕሊ ኩሉን ፍሉይን እዩ፣ ዳግማይ ክፈጥርን ክሕድሰናን፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ክሳቐ ዝኽእል ንሱ እዩ። በዚ ዉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣብ ኣምባሳደር ኮነልና።

እምበኣር በዚ ምክንያት`ዩ፣ እቲ ዘይነገራዊ፣ ዘይመዉት፣ ስጋዊ ዘይኮነ ቃለ ኣብ ናብ ዓለም ዝመጽአ። ከምዚ ክበሃል ከሎ፣ እቲ ቃል ቀደም ኣይነበረን፣ ማለት ካብ ፍጥረታቱን ካብ ዓለምን ርሒቁ ኔሩ ማለትና ኣይኰነን። ካብ ፍጠረት ፈጺሙ ርሒቁ ኣይፈልጥን፣ ፍጥረት ዉን ብዘይብኡ ንበይኑ ነቢሩ ኣይፈልጥን። ምስ ኣብ ብሓድነት እንከሎ፣ ንመላዕ ዓለምዉን መሊእዋ ነበረ። ናብ ዓለም መጽአ ክንበል ከለና፣ ብሓድሽ መልክዕ መጽአ ማለት እዩ። ብፍቕሩ ገዛእ ርእሱ ገለጸልና፣ ነዚ ዉን ከማና ትሕት ብምባል፣ ናብቲ ናትና ደረጃ ለጠቕ ኢሉ ብምዉራድ ስጋ ለቢሱ ናብ ዓለምና ኣተወ። እቲ ልክዕ ከምኡ (ከም ቃል) ሓሳብ እግዚአብሔር ኣብ ዝገልጽ1፣ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ብሰንኪ ብልሽዉና ሞት ኣብ ልዕሊኡ ስለዝነገሰት ናብ ጥፍኣት የምርሕ ነበረ። ዉጽኢት ናይ ሕጊ ምጥሓስ ዝዀነ፣ ብልሽዉና ተቖጻጺራቶም ነበረት። ሕጊ ከይተፈጸመ እቲ ዉሳኔ ክሰዓር ዘይሕሰብ እዩ። እቲ ንሱ ባዕሉ ብኢዱ ዝፈጠሮ ፍጡር ክጠፍእ ማለት ዉን ዘበት። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ኣብ ሓጢኣት እንዳጠለቑ ይኸዱ ከምዘለዉን፣ ሞት ዉን ሙሉእ ንሙሉ ተቆጻጺራቶም ከም ዘሎ፣ ረኣየ። ሰብ ዓቕሙ ድሩት ከምዝዀነን፣ ነቲ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ዉን ክንጻወሮ ከምዘይንኽእልን፣ ፍጥረት እግዚአብሔር ዉን ብኸንቱ ይጠፍእ ከምዘሎ ምስ ረኣየ፣ ብደቂ ሰባት ፍቕሪን ሓልዮትን ተደሪኹ፣ ከድሕነና ናብ ዓለምና ኣተወ። ከማና ስጋ ለቢሱ ዉን ኣብ ማእከልና ሓደረ።

ክርአ ጥራይ ኢሉ ኣይኮነን፣ ስጋ ሰብ ዝለበሰ። ከምኡ እንተዝኸዉን ካልእ መንገዲታት ምመረጸ። ካልእ ዝሓሸን ዝጸበቐን ነገራት ምመረጸ። ግን ከማና ሰብ እዩ ኮይኑ። ስግኡ ዉን ካብ ማንም ኣይኮነን። ካብታ ሕፍንቲ፣ ኣበሳ ኮነ መንቅብ ዘይብላ፣ ብሩካቤ ስጋ ዘይረኸሰት፣ ንጹሕ ስጋ ዝሓዘት ድንግል እዩ ወሲድዎ። ካብኣ ዉን ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ስጋ ብምልባስ ሰብ ኮነ። ንሱ፣ እዚ ሓያል፡ ገባሬ ኲሉ ዝዀነ ኣምላኽ፣ ባዕሉ ንሱ፤ ንዕኡ ዝኸዉን መቅደስ (ስጋ) ኣብ ማህጸን ድንግል ኣዳለወ። ምስ ኣዳለዎ ዉን መሳርሒ ንኽገብሮ፣ ክሓድረሉን፣ ክግለጸሉን ንገዛእ ርእሱ ወሰዶ። በዚ ስጋዚ ዉን ኢና፣ ንሕና ዝፈለጥናዮ። ኩሉ ስጋ (ሰብ) ኣብ ግዝኣት ሞትን ጥፍኣትን ስለዝነበረ፣ ከማና ስጋ ሰብ ብምልባስ፣ ኣብ ክንዲ ኩላትና ገዛእ ርእሱ ንሞት ኣግዝአ፣ ህይወቱውን ንኣብ (እግዚአብሔር አብ) መስዋእቲ ክትኸውን ወፈያ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስጋ (ሰብ) ንዝነበረ ኣብ ስጋኡ ብምጿር፣ ኣብ ክንዲ ክላትና ሞተ፣ ሓይሊ ሞት ዉን ተሳዕረ፣ ብሞቱዉን ንሕና ምስኡ ሞትና፣ በዚ ዉን ኣብ ልዕሊ ኩልና ንዝነበረ ሞት ተሰረዘ። ስለዘፍቀረና ነዚ ኩሉ ገበረልና። ንደቂ ሰባት ካብ ዘለዓለማዊ ምምሽማሽ (corruption) ናብ ናይ ዘልዓለማዊ ህይወት (to incorruption) ክመልሰና፣ ገዛእ ስግኡ ናብ ሞት መደባ፣ ብጸጋ ናይ ትንሳኤዉን ኣድሓነና። ከምቲ ሓሰር ብሓዊ ተሎቕሚጹ (ተበሊዑ) ዝጠፍእ፣ ከምኡዉን ሞት ብትንሳኤ ተሳዕረ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ሰብ ነጊሱ ዝነበረ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት (corruption) ብሞት ጥራይ`ዩ ክስዓር ዝኸኣል፣ ነዚ ዉን ቃል (The Word) ኣቐዲሙ ፈሊጥዎ እዩ። ግን ከኣ ንሱ ማለት ቃል፤ ወዲ ኣምላኽን፣ ሞት ብባህሪኡ ዘይሰማምዖን (ክመዉት ዘይኽእል መለኮታዊ) እዩ። እምበኣር ሞት ዝሰማምዖ ስጋ ሰብ ብምዉህሃድ ነዚ ክልተ ነገር ተግበረ፣ በቲ መዋቲ ስግኡ ንሞት ይጥዕም፣ በቲ ዘይመዉት መለኮቱ ኸኣ ንዓና ህይወት ይህብ። ቃል መላኮታዊ (ኣምላካዊ) ስለዝኾነ፣ ብሞቱ ንሞት ኩላትና (ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ክሳብ መፈጸምታ ዓለም ንዝዉለድ) ካሕሳ ክኸዉን ይኽእል፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብባህሪኡ ሓጢኣት ዘይሰማምዖ ንጹሕ ስለዝኮነ፣ ንኹላትና ከንጽሃና ይኽእል፣ ነዚ ዉን ብጸጋ ናይ ትንሳኤ ፈጸሞ። ነቲ ብምንም ዓይነት ሓጢኣት ዘይረኸሰ ኣካላቱ (ስግኡ) ንሞት ኣሕሊፉ ብምሃብ፣ መስዋእቲ ኾነ። በዚ ሞቱ ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ኣብ የሕዋቱ (ሰባት) ነጊሱ ንዝነበረ ሞት ሰዓሮ።

ቃል ልዕሊ ኹሉ ዝኰነ ፍጹም መለኮታዊን ኣምላኻዊን እዩ፣ ስለዚ ንቤት መቅደስ ስግኡ (ኣካላቱ) ኣብ ክንዲ ኩሉ ሰብ ወኪሉ መስዋእቲ ክትኸዉን ምስ ወፈያ፣ ብሞቱ ዕዳና ደምሰሰልና (ካሕሳና ኮነልና)። ሞት ዘይሰማምዖ (ዘይመዉት) ወዲ ኣምላኽ ምሳና ምስ ስጋዊ ባህርይና ስለዝተወሃሃደ፣ ብተስፋ ትንሳኤ ናብ ዘይምምሳን ተሰጋጊርና (clothed with incorruption)። ሰባት በዚና ድሒንና፣ ቃል ስጋ ሰብ ተዋሃሂዱ ስልዝተገልጸ፣ ብሞት ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ ምምሳን (ዘልኣለማዊ ጥፍኣት corruption) ንዘለኣለም ተሳዕረ።
This type of medicine has no patent property and there is no other way to look at it. choose here generico cialis on line

ሕሰብዎ! ሓደ ፍጹም ሓያል ንጉስ ኣብ ሓንቲ ከተማ ኣትዩ፣ ኣብ ሓንቲ ገዛ ጋሻ ኮይኑ እንተዘዕርፍ? ኣብ ሓንቲ ገዛ ጥራይ ስለዝሓደረ፣ መላእ እታ ከተማ ትኽብር፣ ዉሕስነታ ይሕሎ፣ ጸጥታን ሰላምን ኣብ ኩላ`ታ ኸተማ ይነግስ። ሸፋቱ ዉን ነታ ከተማ ኣይደፍርዋን።  ንጉሰ ነገስት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ከምዚ`ዩ ጌሩ። ናብ ምድርና መጺኡ ኣብ ስጋ ሰብ ሓዲሩ ኣብ ማዕኸልና ተገለጸ፣ ንሱ እቲ ንጉስ ኣብ ማእኸልና ስለዝሓደረ ዉን፤ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ነጊሱ ዝነበረ መግዛእቲ ሞትን ምምሳንን ንዘለኣለም ተሳዕረ። ንሱእቲ ወዲ ኣምላኽ፣ ጐይታን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ኣንተዘይሓድር ኔሩ፣ ንዘለኣለም ምጠፋእና ኔርና፣ ሞትዉን ምገዝኣና።

እዚ ኹሉ ስራሕ፣ ግብሪ ናይቲ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር እዩ። ካልእ ኣብነት ዉን ንዉሰድ። ሓደ ንጉስ ንኽብሩ መግለጺ እትበቅዕ ሓንቲ ከተማ ሃኒጹ፣ ሰባት ክቕመጥዋ ሂብዎም ንበል። እቶም ተቐማጦ ግና፣ ብሰንኪ ሸለልተኝነቶም ብጉብእ ስለዘይሓለዉዋ፣ ጸላእቲ መጺኦም ነታ ከተማ ኣዕነዉዋ። እምበኣር ሕጂ፣ እዚ ሰናይን ፍጹምን ዝኾነ ንጉስ እንታይ ይግበር፧?

እታ ከተማ መግለጺ ክብሩ እያ። መግለጺ ክብሩ ስለዝኾነት ዉን፣ ነቶም ጸላእቲ ስዒሩ፣ ነታ ከተማ መሊሱ ይሃንጻን፣ ናብ ናይ ቀደም ክብራ ዉን ይመልሳን። እምባኣር እግዚአብሔር ወልድ ነዚ እዩ ጌሩ። ወልድ ማለት ወዲ`ቲ ብባህሪኡ ሰናይ ዝዀነ እግዚአብሔር አብ እዩ። ሰባት እንታይ ከምዝገብሩ ይፈልጥ እዩ፣ እንዳፈለጠ ዉን ፈጠረና። ግን ብናቶም ጌጋ ሞት ምስ ኣምጽኡ፣ ገዛእ ኣካላቱ ንሞት ብምዉፋይ ንሞት ሰዓሮ፣ ብትምህርቱ ኣቢሉ ዉን ኣብ ደቂ ሰባት ንዝነበረ ሸለልተኝነት ኣረሞ። ከምዚ ኢሉ ከኣ፣ ንሰብ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ መለሶ።

ደቀ መዝሙርቱ ዉን ነዚ እዮም ዝመሃሩና፣ “እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” /2ይ ቆሮ 5፥14-16/። ኣብ ካልእ ዉን ከምዚ ይብል “ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ ኢየሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኺጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ አሎና። እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ።” /ዕብ 2፥9-10/።

ኣብዚ እንታይ እዩ ዝብል ዘሎ፤ ንደቂ ሰባት ካብ ዘልኣለማዊ ምምሳን ከድሕኖም ዝኽእል ንሱ በይኑ እቲ ብመጀመርታ  ዝፈጠሮም ቃል (ክርስቶስ) ምዃኑ የረድኣና። ብምቕጻል እዚ ሓዋርያ`ዚ ፣ ስለምንታይ ቃል ከምዝተሰገወ ምክንያት ክህብ እንከሎ፣ ነቶም ስጋ ለበስ ብመስዋእቱ ከድሕኖም ምዃኑ ይምህረና። “እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዓር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።” /ዕብ 2፥14/።

ስግኡ መስዋእቲ ብምግባር ክልተ ነገር ገበረ፣ ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ዝነበረ ሞት ተሳዕረ፣ ተስፋ ትንሳኤ ብምሃብ ከኣ ሓድሽ ህይወት ፈጠረልና። ሞት ብምክንያት ሰባት ኣቢሉ ኣብ ልዕሌና ጸኒዑ ነበረ፣ ቃል ስጋ ስለዝተዋሃሃደ ከኣ ንዘለኣለም ተሳዕረ፣ ሓድሽ ህይወት ዉን ረኸብና። ነዚ ዉን`ዩ እቲ ኣማናዊ ኣገልጋሊ ክርስቶስ ዝኾነ ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ ዝበለ፣ “ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪኾኑ እዮም።” /1ይ ቆሮ 15፥21/። ስለዚ ደጊም ንሕና ክንመዉት ከለና፣ ከምቲ ቀደም ንሞት ዝተፈርዱ ኣይኮናን፣ እኳ ደኣ ከምቶም ተስፋ ትንሳኤ ዝጽበዩ ኢና። ነዚ ዉን እቲ ገባሬ ኩሉ ዝዀነ እግዚአብሔር፤ ኣብ ግዚኡ ክገልጾ እዩ (1ይ ጢሞ 6፥15)። እምበኣር ቃል ስጋ ዝኾነሉ ቀዳመይቲ ምክንያት እዚ ዝገልጽናዮ እዩ። ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ካልእ ስለዘሎ በብሓደ ክንፍትሾ ኢና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር!

ብሰላም ጽንሑና!

  1. ቃል ንኣቦ የግህዶ እዩ፣ ሰብ ዉን ብቅድስንኡ ንህላወ እግዚአብሔር የግህዶ እዩ []