ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ዕርገት ጐይታ ወረደ? ቅ.ዮሃንስ ኣፍወርቅ

ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ’ዚ እንከሎ ዘይወረደ? ስለምንታይ ክሳብ ናብ ሰማያት ዝዓረግ ጸንሐ? ስለምንታይ`ኸ ድሕሪ ዕርገቱ ብኡንብኡ ዘይወረደ? ማለት ክርስቶስ ኣብ መበል ኣርባዓ መዓልቲ ምስ ዓረገ ብእንብኡ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን።

ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም” ግብረ 2፡1

ስለምንታይ ደኣ`ዩ ኸ ጐይታ፣ ገና መንፈስ ቅዱስ ከይወረደ “መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ” ዝበሎም /ዮሃ 20፡22/

ከምዚ ዘበሎ ቀንዲ ምክንያት፣ ምእንቲ ብህንጡይነትን ድልዉነትን ክቕበልዎ እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ብዝግባእ ተዳልዮም ምእንቲ ክቅበልዎ ከምዚ በለ። እምበርኸ፣ ዳንኤል  እዃ ብትርኢት ናይቲ መልኣኽ ፈሪሑ ካብ ወደቐ (ዳን 8፡17)፣ ነዚ ዝዓበየ ጸጋ ክቅበሉ ግዳ ከንደየናይ ኣብዚሖም ዘይስንብዱ?! ስለዚ ‘መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ’ ኢሉ፣ ገና ንዘይኰነ ነገር ከም ዝዀነ ጌሩ ክነግሮም እንከሎ፣ ወይ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝገልጽናዮ እዩ እቲ ምኽንያት፣ ወይ ዉን ነቲ ድሒሩ ዝኸዉን`ዩ ኣቐዲሙ ዝነግሮም ዘሎ። ነቲ ደሓር ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝቐበልዎ ሓይሊ ከመልክቶም እንከሎ ዉን በተመሳሳሊ መገዲ፣ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ /ሉቃ 10፡19/ በሎም።

ግና፣ ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ዘይወረደ?

ሓዋርያት ንምዉራድ መንፈስ ቅዱስ ብሃረርታ ድሉዋት ኮይኖም ምእንቲ ክጸንሑን ነቲ ጸጋ ድማ ብምልኣት ምእንቲ ክቕበሉ እዩ። ማለት ነቲ ካብ ላዕሊ ዝወርድ ሓይሊ ብናፍቆት ተዳልዮም ምእንቲ ክጸንሑ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣቐዲሙ ኣይወረደን። ስለዚ ዉን እዩ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዓረገ፣ መንፈስ ቅዱስ ዝወረደ። ክርስቶስ ካብኦም ምስ ተፈለየ፣ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። ክርስቶስ ምስኦም እንተዝህሉ ኔሩ ግና፣ ንመንፈስ ቅዱስ ብሃረርታ ኣይምተጸብይዎን። ሽዑ ድሕሪ ዕርገቱ ዉን ኣይወረደን፣ የግዳስ ድሕሪ ሸሞንተ ትሽዓተ መዓልቲ እዩ ዝወረደ (ዓሰርተ መዓልቲ ድሕሪ ዕርገቱ ኣብ መበል 50 መዓልቲ ድሕሪ ትንሳኤ)።

ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ተመሳሳሊ ነገር የጋጥመና እዩ። ንኣምላኽ ሃረርታ ክህልወና እንከሎ፣ ብዝያዳ ናብኡ ንቐርብ ኢና። ኣብ ግዜ ሽግርናን ጸገምናን ናብ እግዚአብሔር ንቐርብ ኢና። ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ዉን ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ግዜ ሃረርትኦም’ዩ ናብ ክርስቶስ ዝለኣኽዕም። ዋላ እዃ ንሱ ተኣሲሩ እንተነበረ፣ ንጐይታ ሃረርታ ከም ዘለዎም ፈሊጡ፣ ናብኡ ለኣኾም። (ማቴ 11)

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ጥራይ ግና እይኰነን እቲ ምክንያት። እቲ ሰብኣዊ ባህሪና፣ ኣብ ሰማያት ክሳብ ዝበጽሕ ዉን፣ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን። ናትና ሰብነትና፣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ፣ መስርሕ ዕርቂ መፈጸምትኡ ምስ ለበሰ፣ ብድሕሪኡ መንፈስ ቅዱስ ወረደ። ምልኣት ሓጎስ ዉን ናባና በጽሐ።

መንፈስ ቅዱስ እንተዝወርድ`ሞ፣ ክርስቶስ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ እንተዝዓርግ ኔሩ፣ እንታይ ዝኸዉም ምመሰለኹም። እቲ መንፈስ ምስኦም ምሃለወ፣ እቲ ምጽንናዕ ግና ክሳዕ ክንድኡ ሓይሊ ዘለዎ ኣይምኳነን። ክርስቶስ ምስኦም ብስጋ ክህሉ ጥራይ ምደለዩ ኔሮም። ሓዋርያት ክርስቶስ ብኣካል ካብኦም ክፍለ ይደልዩ ኣይነበሩን። ምእንቲ ከጸናንዖ ዉን እዩ “ኣነ እንተ ኸድኩ ይሕሸኹም” ዝበሎም /ዮሃ 16፡7/።

Otherwise, if you have the option of getting the free delivery of the product. commander levitra buying that
ከምዚ ኢሉ ምስ ተዛረቦም ከኣ፣ ንቕሩብ መዓልታት ምስኦም ነበረ። ምእንቲ ሃረርታን ህንጡይነትን ኽሕድሩ፣ ንዕኡ ማለት ንመንፈስ ቅዱስ ብሙሉእ ሃረርታ ልቢ ተዳልዮም ከም ዝጸንሕዎ ገበሮሞ። ዉጽኢት ናይዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደ ምልኣት ሓጎስ ተቐበሉ። ፍረ ናይ ሃረርትኦም ዉን ተነጊሩ ዘይዉዳእ ሓጎስ ረኸቡ። የግዳስ ሓደ ነገር ኣስትዉዕሉ፣ መንፈስ ቅዱስ ካብ ወልድ ዝንእስ እንተዝኸዉን ኔሩ፣ ከመይ ጌሩ ምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስ ይኣኽሎም። ከመይ ጌሩ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ከጸናንዖም ይኽእል። ከመይ ጌሩከ ጐይታ "ኣነ እንተ ከድኹ ይሕሸኹም" ዝበሎም? (መንፈስ ቅዱስ ማዕረ ወልድ ስለዀነ እዩ፣ ዋላ ወልድ ብኣካል ካብኦም ይፈለ፣ መንፈስ ቅዱስ ግና ኣጸናንዒዎም እዩ)

ነቲ ዝዓበየን ዝጸንዐን ዝሓየለን ትምህርቲ (ዝዓበየ ዕዮን) ንመንፈስ ቅዱስ ክገልጸሎም እዩ ተገዲፉ። ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ንመንፈስ ቅዱስ ኣትሒቶም ምእንቲ ከይሓስብዎ ዉን ከምኡ  ዝበሎም።

ምንጪ፦ ካብ ቀዳማይ ክፋል ትሩጓሜ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፍወርቅ ኣብ ግብረ ሓዋርያት ዝተወስደ

ኦ ጐይታ ሰማይ መጸናንዒ፣ 
ኣብ ኲሉ እትርኸብ መንፈስ ሓቂ፣ 
ንዂሉ እትመልእ፣ ማዕከን ሰናያት፣ ወሃቢ ህይወት 
ንዓ ኣባና መጺእኻ ሕደር። 
ኦ ሄር ካብ ኲሉ ደነስ ኣንጺህኻ፣
 ንነፍስና ኣድሕና።
ኣሜን!!