ስግው ቃል 3-ሰማያዊ መዋጥርን ፍታሕ ብተዋህዶን. . . . መቀጸልታ

መእተዊ  ቀዳማይ ክፋል ካልኣይ ክፋል

ሰባት ብዉልቃዊ ጻዕሮም ንኣምላኽ ክፈልጥዎ ኣይኽእሉን፣ እግዚአብሔር ባዕሉ`ዩ መንነቱ ዝገለጸሎም። ሰብ ብባህሪኡ ዉሱንን ድሩትን ስለዝኾነ፣ ነቲ ዘይዉሰን፣ ዘይምርመርን፣ ረቂቅን ዝኾነ እግዚአብሔር ክፈልጦ ኣይኽእልን። ኣምላኽ ፈለማ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ ዉን፣ ነዚ ነገር ይፈልጥ ነበረ። ስለዚ ዉን`ዩ ነቲ ናቱ ፍልጠት ንክህልዎም ዝገበረ፣ ምኽንያቱ ፍልጠት ናይ ፈጣሪኦም ዘይብሎም እንተኾይኖምሲ፣ እንታይ ጥቅሚ ኣለዎ፧?

ፍጡር ህላወ ፈጣሪኡ ዘይፈልጥ እንተኾይኑ ደኣ`ሞ እንታይ ዕላምኡ፧ ?ብዛዕባ`ቲ ናብ ህላወ ዘምጽኦም (ዝፈጠሮም)፤ ጥበብ ኣምላኽ ዝኾነ ቃል፣ ዘይፈልጡ እንድሕሪ ኮይኖም ደኣ ከመይ ጌርና፤ ሰባት ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሮም ክንብል (How could men be reasonable)፧? ንእግዚአብሔር ዘይፈልጥዎ እንድሕሪ ኮይኖም፣ ካብ ኣራዊት ዝፍለይሉ ምክንያት የብሎምን። እግዚአብሔር`ከ፣ ንዕዑ ክፈልጥዎ መደብ እንድሕሪ ዘይብሉ፣ ንምንታይ ደኣ ፈጢርዎም ክንብል ኢና፧

ግን እዚ ሕያዋይ ኣምላኽ፣ ነዚ ፍልጠት ዓዲልዎም እዩ። ክፈጥሮም ኣንከሎ ብመልክዑን ብምስሉን ጌሩ ፈጠሮም፣ ማለት ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስሉ። ልክዕ ብመልክዕን ምስሊን ጐይታን ኢና ተፈጢርና። ስለምንታይ፧?!

ንሰብ ሓጎስን ትርጉም ዘለዎ ህይወትን ዝፈጥረሉ፣ ንፈጣሪኡ ምፍላጥ እዩ። ሰባት መልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ስለዘለዎም ነቲ ሓቀኛ ፍልጠት፣ ማለት ምስሊ ቃል ኣብ ህይወቶም ኣሎ። በዚ ምስሊ ኣቢሎም ንኣቦ  (እግዚአብሔር ኣብ) ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ግን ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ ሰባት ዓያሹ ኢዮም። ሒደት ጸጋ ምስተቐበሉ፣ ካብ እግዚአብሔር ኣግለሱ።  ገዛእ ርእሶም ዉን ኣርኸሱ። ኣብ ህይወቶም ዝነበረ ፍልጠት ኣምላኽ ኣጥፍእዎ። ተመሊሶም ዉን ካልእ ኣማልኽቲ ሰርሑ። ኣብ ክንዲ እቲ ሕይዋይን ኣማናዊ ኣምላኽ፣ ካልእ ጣኦታት ሰርሑ። ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን “ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡” /ሮሜ 1፥25/ ይብል። ሕሉፍ ሓሊፎም ዉን እቲ ንእግዚአብሔር ጥራይ ዝግባእ ኣምልኮን ክብሪን፣ ንዕንጨይቲ፣ ኣእማንን ሰባትን ቀየርዎ።

ገዛእ ስጋዊ ፍትወቶም ከዕግቡ ዉን፣ ርኹሳት መናፍስቲ፣ ከም ኣማልኽቲ ጌሮም ከምልኹ ጀመሩ። ነዞም ዝተፈላለዩ ኣማልኽቲ ዉን፣ እንስሳታትን ሰባትን ሰዉኡሎም። ከምዚ ብምግባሮም ዉን መመሊሶም ናብ ዓዘቅቲ ክኣትዉ ጀመሩ። ብዘይካ እቲ ብዓይኒ ዝርአ፣ ካልእ ፍጹም ትርጉም ዘይብሉ ጌሮም ስለዝቖጸርዎ፣ ጥበብ ብምባል፣ ዝተፈላለየ ጥንቆላታትን፣ ሽርሕታትን ኣብ ህይወቶም ኣተኣታተዉ። ንህይወት ኩሉ ሰብ ዉን ምስ ከዋኽብቲን ዛዕጎልን ኣዛመድዎ። ክፍኣት፣ ሕጊ ምጥሓስ፣ ሓጢኣት፣ ኣብ ኹሉ ቦታ ነገሰ። ኣምላኽ ይኹን ቃሉ ተርሲዑ። እዚ ኹሉ ክገብሩ እንከልዉ ግና ሱቕ ኢሉ ንክጠፍኡ ኣይሓደገሞን። ገዛእ ርእሱ ብብዙሕ መንገዲ የግህደሎም ነበረ። ብቡዝሕ መንገዲን ኩነትን ገዛእ ርእሱ ገለጸሎም።

ሰባት ክሳዕ ክንደይ ድሩታት ምዃኖም እግዚአብሔር ይፈልጥ። እቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ ጸጋ መልክዕ ኣምላክ፤ ፍልጠት ናይ ኣምላኽን ናይ ቃልን ክህቦም ይኽእል ኔሩ፣ ግን በዚ ጥራይ ኣይተወሰነን። እግዚአብሔር ብስነ-ፍጥረታት ኣቢሉ መንነቱ ገሊጹ እዩ። ብጸጋ ክፈልጥዎ እንተዘይከኣሉ፣ ብተሞክሮ ንኣምላኽ ከለልይዎ ገበረ። እዚ ጥራይ ዉን ኣይነበረን። ሰባት ነቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ ጸጋ፣ ብዝያዳ ከቃልልዎ ስለዝጀመሩ፣ ኣምላኽ ምእንቲ ናብ ዝያዳ ጌጋ ከይወድቁ ኢሉ፣ ሕጊ ሂብዎም፣ ነብያት ዉን ኣተንስኣሎም። እዞም ነብያት ደቂ ዓዶምን፣ መናብርቶምን እዮም። ምናልባት፣ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም፣ ኣምላኾም ክፈልጡ እንድሕሪ ጸጊምዎም፣ ነቶም ኣብ ጎኖም ዘለዉ ቅዱሳን ነብያት ብምጥማት፣ ኣካይድኦም ብምዕዛብ፣ ፍልጠት ኣምላኽ ንክረኽቡ ገበሮም። ምክንያቱ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ብዙሕ ይመሓር እዩ።

እምበኣርከስ፣ ንኣምላኽ ዝፈልጡሉ ሰለስተ መንገዲ ሂብዎም። ቀዳማይ፣ ኣብ ሰማያትን፣ ኩሉ ፍጥረታትን ብምዕዛብ፣ ነዚ ኩሉ ዝፈጠረን ዘመሓድርን፣ ሓይሊ ከምዘሎ ብምስትዉዓል፣ ናይዚ ኩሉ ነገር ገዛኢ፣ ቃለ ኣብ ምዃኑ ምፍላጥ። ንቃል ፈሊጦሞ ማለት ከኣ፣ ን ኣቦ ምፍላጥ እዩ። ካልኣይ፣ እንድሕሪ እዚ ከቢድዎም፣ ኣብ ጎኖም ምስ ዘለዉ ቅዱሳን ብምዝርራብ፣ ብዛዕባ እግዚአብሔር እንታይነት ክመሃሩ ይኽእሉ። ንሱ ኣብኡ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሓቀኛ ኣምላኽ ፈሊጦሞ ማለት ኸኣ፣ ኣምልኾ ጣኦት ርኹስ ምዃኑ ክርድኡ ይኽእሉ። ከም ሳልሳይ ደረጃ ኸኣ፣ ምናልባት እዚ ኹሉ ምስላጥ እንተኣብዩ፣ ቀባሕባሕን ነው ነጀዉን ምባል ሓዲጎም፣ ሕጊ ኣምላኽ ጥራይ ብምሕላዉ ሰናይ ህይወት ክመርሑ ይኽእሉ። ነቢያትን፣ ሕጊታት ኣምላኽን ንኣይሁድ (ንእስራኤላዉያን) ጥራይ ኣይኮነን ተዋሂቡ። ንኩሉ ዓለም እዩ። ዋላዃ ነብያት ናብ ኢስራኤላዉያን እንተተላእኹ፣ መሊሶም ብኢድ እስራኤላዉያን እዮም ተቐቲሎም። ሕጊን፣ መማህራን ነብያትን፣ ፍልጠት ኣምላኽ እትመሃረሉ ቅዱስ ቤትትምህርቲ ኮይኑ፣ እቲ ዝግበር መንፈሳዊ ህይወት ዉን ንሙሉእ ዓለም’ዩ። ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ፍቕሪን ሓልዮትን  መዐቀኒ የብሉን። የግዳስ ሰባት በንጻሩ፣ ብርኹሳት መናፍስቲ ተታሊሎምን፣ ብስጋዊ ፍትወቶም ተታሒዞምን፣ ናብ ኣምላኽ ቅንዕ ኢሎም፣ ሓቂ ከናድዩ ኣይመረጹን። ሓጢኣቶም ኣዝዩ ስለዝበዝሐ ዉን፣ ካብቲ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ፣ ለጠቕ ኢሎም፣ ናብ እንስሳ ተቀየሩ፣ እንስሳዊ ባህሪ ኣማዕበሉ። ኣብ ክንዲ መልክዕ ኣምላኽ ዝዀነ ህላወ ቃል ዘግህዱ፣ ከም እንስሳ ተዋረዱ።

ሰባት ብዲያብሎስ ተታሊሎም ካብ ፍልጠት ኣምላኽ ርሒቆም፣ ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ይቕየሩ ኣለዉ፣ እምበኣር እግዚአብሔር ኣምላኽ እንታይ ይግበር፧? ደቂ ሰባት ካብ ፍልጠቱ ርሒቆም፣ ብዲያብሎስ ተታሊሎም፣ ኣብ ጌጋ መንገዲ እንከለዉ፣ ትም ኢሉ’ዶ ይርኣዮም፧? እንዳጠፍኡ ሱቕ ኢሉ ንክርእዮም ደኣ፣ ካብ መጀምርትኡ ስለምንታይ ብመልክዑ ይፈጥሮም፧? ኣብ ክንዲ፥ መልክዕ እግዚአብሔር ቃል ሒዞም ጸኒሖም (ንቃል መሲሎም ከብቕዑ) ደሓር ናብ እንስሳ (ፍልጠት ኣምላኽ ዘይብሉ ፍጡር) ዝምለሱ፣ ብመሰረቱ እንስሳታት ኮይኖም እንተዝፍጠሩ ምሓሸ። ኹሉ ኩነት ከመዘለዎ ክነሱ፣ ሕጂ ዉን ነቲ ዓቢ ሕቶ ንድገሞ። ስለምንታይ ፍልጠት እግዚአብሔር ዘለዎም ፍጡር ጌሩ ፈጠሮም፧? ብመልክዑ ተፈጢሮም ከብቕዑ፣ ብኸምዚ ኣገባብ ዘጥፍእዎ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ስለምንታይ ብመልክዑ ፈጠሮም፧? ብመልክዕ እግዚአብሔር ቃል ተፈጢሮም ከብቕዑ፣ ብናታቶም ስንፍና ካብ ዘጥፍእዎ፤ ብመልክዑ ጌሩ እንተ ዘይፈጥሮም ምሓሸ!!? ሕሰብዎ!!

ኣምላኽ ንክምለኽ (ሰባት ንዕዑ ጥራይ ክሰግድሉ) ኢሉ ንሰባት ፈጢርዎም ክነሱ፣  ንሳቶም ግና በንጻሩ ንካልኦት ፍጥረት ዘምልኽ እንድሕሪ ኮይኖም፤ እግዚአብሔር ካብዚ እንታይ ይረብሕ፧? ንገዛእ ርእሱ ኢሉ ፈጢርዎም ክነሱ፣ ንሳቶም ግና ንካልኦት (ንጣኦታት) ከምልኹ ጀመሩ። ምድራዊ ንጉስ እዃ ከምዚ ኣይምገብረን። ሓደ ንጉስ ወሪሩ ንዝሓዞ መሬት ንካልኦት ኣሕሊፉ ኣይምሃበን። እዃ ደኣ ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ህዝቢ፣ ንጉሶም ንሱ ምኳኑ ንኽፈልጡን ክዝኽሩን፣ ብቐጻሊ ልኡኽ እንዳለኣኸ፣ ኣድላዪ ክኸዉን እንከሎ ዉን ብኣካል እንዳመጽአ ይበጽሖም። ከምዚ ብምግባሩ ዉን ነቲ ኣቐዲሙ ዝፈጸሞ ዓወት፣ የጽንዖ። ብዛዕባ ምድራዊ ንጉስ እኳ እዚ ካብ በልና፣ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣምላኽና እግዚአብሔር ግዳ ክንደይ ኣብሊጽና ዘይንብል። እቶም ብመልክዑ ዝተፈጥሩ፣ ከም ናቱ ባህሪ ዘለዎም ሰባት፣ ንዘለኣለም ክጥፈኡን፤ ወይ ንካልኦት ፍጥረታት ከምልኹን፣ ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ሰባት ካብ መንገዲ ጌጋ ክሳብ ዝምለሱ፣ ብዙሕ ትዕግስቲን፣ ዓቕሊን ኣርኣዮም።

እግዚአብሔር እንታይ ይግበር፧? እንታይ ዓይነት ኣማራጺታት ኣለዎ፧? ሓንቲ ነገር ክገብር ይኽእል። ነቲ ኣብ ሰባት የሕዲርዎ ዝነበረ መልክዕን (መልክዕ ኣምላኽ) ከሐድሶን፣ ሰባት ከኣ በዚ ዝተሓደሰ መንነት ኣቢሎም ንእግዚአብሔር ክፈልጥዎን፣ ምግባር ይሓይሽ። ነዚ ከመይ ክገብሮ ይኽእል፧? ባዕሉ እቲ መልክዕ ኣምላኽ ዝዀነ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ (ቃል) ናብ ምድሪ ብምምጻእ። ሰባት ነዚ ክግበርዎ ኣይኽእሉን (ባዕላቶም ናብ መልክዕ ኣምላኽ ክምለሱ ኣይኽእሉን) ምክንያቱ ንሳቶም ከም መልክዕ ኣምልኽ ዝተፍጠሩ እዮም፣ ፍጡራት እዮም እምበር ፈጠርቲ ኣይዀኑን። (ፍጡር ድማ ናብ ፈጣሪ ክበጽሕ ኣይኽእልን ፈጣሪ ግና ናብ ፍጡራት ክመጽእ ይኽእል)። ቅዱሳን መላእክቲ ዉን ኣይኽእሉን፣ ምክንያቱ ንሳቶም ብመልክዕ ኣምላኽ ኣይተፈጥሩን። ስለዚ ባዕሉ ቃል ኣምላኽ ብኣካል ተገልጸ፣ ምክንያቱ ንሱ ባዕሉ መልክዕ ኣምላኽ (እግዚአብሔር አብ) ስለዝዀነ፣ ደቂ ሰባት ዉን ብናቱ መልክዕ ስለዝተፈጥሩ፣ መሊሱ ዉን ነቲ ኣብ ሰባት ዘሎ መልክዕ ከሐድሶ ይኽእል። ምእንቲ ብሞቱ ሓንሳብ ንሞት ክስዕር፣ ስጋ ሰብ ተወሃሃደ፣ በዚ ዉን ነቲ ኣብ ሰባት ሓዲሩ ዝነበረ መልክዕ ኣምላኽ ይሕድሶ። ነዚ ክገብር ዝኽእል ባዕሉ መልክዕ እግዚአብሔር ኣብ ዝኰነ ወልድ (እግዚአብሔር ቃል) ጥራይ እዩ። መረዳእታ ዝኾኑ ኣብነት ክንርኢ. . .

ንኣብነት ሓደ ሰኣላይ፣ ኣብ ጻዕዳ ሰሌዳ (ስእሊ ዝስኣለሉ ጻዕዳ ዓለባ) ስእሊ ይስእል እሞ፣ ኣጋጣሚ ብግዳማዊ ርስሓት እንተዝጽየቕ፣ እንታይ ምገበረ ኢልኩም ትሓስቡ!!? ነታ ብዙሕ ጻዕሪ ኣፍሲሱ ዝሰኣላ ስእሊ፣ ግን ከኣ ዝተጸየቐት፣ ኣልዕሉ ኣይምደርበያን። የግዳስ ነቲ ቀንዲ ኣካል ኣምጺኡ፣ ኣብ ጎኑ ብምግባር መሊሱ ነቲ ስእሊ ምሰኣሎ፣ ነቲ ስእሊ መሊሱ ምሓደሶ። እቲ ፍጹም ቅዱስ ዝዀነ ወልደ እግዚአብሔር ዉን ከምኡ’ዩ ጌሩ። ንሱ መልክዕ እግዚአብሔር አብ’ዩ፣ ሰባት ብምስሉ እዮም ተፈጢሮም፣ ስለዚ ነዚ መልክዕ መሊሱ ምእንቲ ከሐድሶ፣ ንሱ ባዕሉ እቲ መልክዕ ኣምላኽ ዝዀነ ክርስቶስ መጺኡ ኣብ ማእኸልና ሓደረ። ነቲ ዝጠፍአ በጊዕ ክደሊ መጽአ። ኣብ ወንጌል ዉን ከምኡ’ዩ ዝበለ “ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ” /ሉቃ 19፥10/። ንኣይሁድ ዉን ከምዚ በሎም “ሰብ ዳግማይ እንተዘይተወልደ. . .” /ዮሃ 3፥3/ በሎም። ዳግማይ ምዉላድ ማለቱ፣ ዳግማይ ካብ ማህጸን ኣደ ምዉላድ ኣይዀነን። ዳግማይ ምዉላድ ማለት፣ ዳግማይ ብመልክዕ ኣምላክ ክትዉለድ፣ ክትሕደስ፣ ክትፍጠር እዩ። ቃል ነዚ ጥራይ ኣይገበረን።

ሰባት ካብ ፍልጠት ኣምላኽ ኣልጊሶም፣ ካብ ሃይማኖት ርሒቆምን፣ ኣብ ኣምልኮ ጣኦት ክሳተፉ ምስ ጀመሩ፤ ብዛዕባቲ ፈጣሪ ኲሉ ዝዀነ እግዚአብሔር ኣቦ፣ ማንም ክምህሮም ኣይኸኣለን። ብዛዕባ እግዚአብሔር ኣቦ`ከ መን ክምህር ይኽእል፧? ሰብ’ዶ ምበልኩም፧? ሰባት ናብ ኲሉ ቦታ ዞይሮም ክበጽሑ ኣይኽእሉን እዮም። ምናልባት ናብ ብዙሕ ቦታ ክበጽሑ እንተዝኽእሉ፣ ትምህርቶም ርዝነት የብሉን። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ነኣጋንንቲ ዝቃወሙሉ ሓይሊ ዉን ይትረፍ ኣይነበሮምን። እቶም ንፉዓትን ዝበለጹን ዝበሃሉ ቅዱሳን ሰባት ብዲያብሎስ ተታሊሎም ይወድቁ ስለዝነበሩ፣ ከመይ ጌሮም ናይ ካልኦት ነፍሲን ኣእምሮን ኽቅይሩ ይኽእሉ፧? ንርእስኻ ከይተረድኣካ፣ ንካልኦት ክትምህር ኣይከኣልን።

ምናልባት ካብ ስነፍጥረት ስለምንታይ ዘይንመሃር፣ ስለምንታይ ብዛዕባ ኣምላኽ (እግዚአብሔር አብ) ካብ ፍጥረታት ዘይንርዳእ፤ ይበሃል ይኸዉን። እዚ ክግበር ዝከኣል እንተዝኸዉን ኔሩ’ሲ፣ ስለምንታይ ዓለም ኣብ ብዝሒ ክፍኣትን ሓጢኣትን ተሸመት። ፍጥረታት ካብ መጀመርታ ነበሩ፣ የግዳስ ህላወ ፍጥረታት ንደቂ ሰባት ናብ ጌጋ መገዲ ካብ ምኻድ ኣይዓገትዎምን። ነዚ ዂሉ ከማልእ ዝኽእል፣ ሓደ ንሱ ጥራይ እንኮ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ቃለ ኣብ፣ ንፍጥረት ዘምሓድርን፣ ዘኻዉንን ስለዝዀነ፤ ንሰባት ዉን ክምርምር ይኽእል። እሞ ነዚ ከመይ ኢሉ’ዩ ከተግብሮ፧? ከምቲ መጀምርያ ንፍጥረታት ዝፈጠረ፣ ሕጂ ዉን ዳግማይ ከመኡ ክገብር ይሓይሽ፣ ይበሃል ይከዉን። እዚ ግን ፍረ ከም ዘይተረኽበሉ ርኢና ኣለና። ሰባት ናብ ሰማያት ምጥማት ሓዲጎሞ እዮም። በንጻሩ ናብ ታሕቲ፣ ናብ ምድራዊ ነገራት ጥራይ ኮይኑ ቀልቦም። ስለዚ ወልደ እግዚአብሔር፣ ብኲሉ ባህሪያዊ መስርሕ ንዕኦም ክመስል መረጸ። ልክዕ ከምኦም ዓይነት ምድራዊ ስጋ ለቢሱ፣ ንሳቶም ዝገብርዎ ኲሉ ዓይነት ግብሪ ፈጸመ (ብዘይካ ሓጢኣት)። ኣብ ማእኸል ደቂ ሰባት ሓዲሩ፣ ናብ ደረጅኦም (ናብ ደረጃ ደቂ ሰባት) ትሕት ብምባል፣ ሰናይ እንዳገበረ፣ ናብ መንገዲ ፍልጠት ሓቂ ኣቕረቦም። እቶም ብካልእ መንገዲ ንዕዑ (ንወልደ እግዚአብሔር) ክፈልጥዎ ዘይከኣሉ፣ ናብ ፍልጠት ሓቂ ማለት ንቃለ ኣብ ናብ ምፍላጥ ኣቕረቦም። ንወልደ እግዚአብሔር (ቃል) ምፍላጥ ማለት ዉን፣ ን እግዚአብሔር ኣብ ምፍላጥ እዩ።

ከምቲ ሕያዋይ መምህር ንተማሃሮኡ ዝሓሊ፣ ንሱ ዉን ናብ ደረጃኦም ብምዉራድ ቀሊል ኣብነት ብምጥቃም፣ ብሓልዮት መሃሮም። ቅዱስ ጳዉሎስ ከምዚ በለ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ኼድሕኖም ፈቐደ።”  /1 ቆሮ 1፥21/። ደቂ ሰባት ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ክንዲ ዝጥምቱ፣ በንጻሩ ንኣምላኽ ኣብ ታሕቲ ኣብ መንጎ ፍጡራን ኣብ መንጎ ብህዋሳት ኣብ ዝምርመሩ ነገራት ከናድይዎ ጀመሩ። መድኃኒ ኲላትና ዝዀነ ቃለ እግዚአብሔር (ወልድ)፣ ፍጹም ስለዘፍቅረና፣ ስጋ ተወሃሂዱ፣ ሰብ ኮይኑ ኣብ መንጎ ሰብ ተመላለሰ። ብህይዋሳቶም ከም ዝድህሰስ ኮይኑ ዉን ኣብ ማእከሎም ኰነ። ከምዚ ብምግባሩ ዉን ፍርቂ መንገዲ ተራኸበና። ሰባት ብህዋሳተ ስጋ ንእግዚአብሔር ክፈልጥዎ ይጽዕሩ ነበሩ፣ ስለዚ ንሱ ማለት እግዚአብሔር ቃል  ብህዋሳት ስጋ ዝድህሰስ ኮነ። ንሱ ብስጋ ዝገብሮ ዘበሎ ኲሉ ሰባት ብምርኣይ፣ ንወልድ ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ንወልድ ምፍላጥ ከኣ ንኣብ ምፍላጥ እዩ።

ሰባት ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ጥራይ ስለዘለዎም፣ ነገራት ንምፍታሽ ናብ ኲሉ ሸነኻት ክጥምቱ እንከለዉ፣ ነቲ ፍልጠት ሓቂ ክፈልጥዎ ይኽእሉ። ፍጥረታት ድዮም ዘድንቑ?! ንፍጥረት ርእዮም ክርስቶስ ጐይታ ምኳኑ ይመስክሩ። ንሰባት ድዮም ከም ኣማልኽቲ ዝቘጽርዎም?! መድኃኒ ዓለም፣ ኣብ ደቂ-ሰባት ብዝገበሮ ፍሉይ ናይ ድሕነት ስራሕ፣ ንሱ በይኑ ፍሉይ ምዃኑ የመልክት፣ ንሱ ጥራይ እዩ ወልደ እግዚአብሔር። ብርኹስ መንፈስ ዝርዕዱ ድዮም?! ጐይታ ኣጋንንቲን ርኹስን መንፈስን ገሲጹ ከዉጽእ እንከሎ ምስ ረኣይዎ፣ ርኹሳት መናፍስቲ ኣማልኽቲ ከም ዘይኾኑን፣ ወልድ ጥራይ ኣምላኽ ምዃኑ ይርድኡ። ብዛዕባ ምዉታን ዝሓስቡን ንጅግና ዝሰግዱን ድዮም?! ጐይታ ንሞት ስዒሩ ብምትንሳእ፣ እቶም ካልኦት ኣማልኽቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ከም ዘይዀኑን፣ እቲ እንኮን ኣማናዊን ጐይታ ንሱ ጥራይ ምዃኑን፣ ዋላ ንሞት ጐይትኣ ምዃናን ኣርኣየ። እምበኣር በዚ ምኽንያት’ዩ ስጋ ለቢሱ ሰብ ኮይኑ ዝመጽአ። ሞይቱ ነበረ፣ መሊሱ ዉን ንሞት ስዒሩ ተንስአ። ከምዚ ብምግባሩ ዉን በግብሩ ንስራሕ ደቂ ሰባት ከንቱ ብምግባር፣ ሰባት ናብ መንገዲ ሓቂ ማለት ንኣቦ ናብ ምፍላጥ መለሶም። ንሱ ባዕሉ ንምንታይ ከምዝመጽአ ክነግር እንከሎ ከምዚ በለ ንጥፉእ ኪደልን ኬድሕንን እዩ /ሉቃ 19፥10/።
So there is no existence viagra without prescription of man without women.

ኣእምሮ ደቂ ሰባት ካብ ክቡር ነገር ኣግሊሱ፣ ብህዋሳት ናብ ዝምርመሩ ነገራት ማለት ናብ ዝርአ (ብዓይኒ ዝርአ ስጋዊ) ነገራት ጥራይ ከድህብ ምስ ጀመረ፣ ፤ ቃል ኣርኣያ ስጋ ወሲዱ ሰብ ኰነ። ንሱ ማለት ቃል ስጋ ስለዝለበሰ፣ ሰብ እዩ። ሰብ ብምዃኑ ዉን ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ተጋሂዱ፣ ህዋሳት ደቂ ሳባት ናብኡ ከም ዘቕልቡ ገበረ፣ ማለት ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ብዝገብሮ ሰብኣዊ (ስጋዊ ወይ ንሰብ ዝምልከት) ንጥፈታትን ተግባራትን ንኣቃልቦ ሰባት ናብኡ ሰሓበ። ኣቃልቦ ደቂ ሰባት ናብኡ ምስ ተመልሰ ድማ፣ በቲ ዝገብሮ ንጥፈታትን ተግባራትን፣ ንሱ (ቃል/ወልድ) ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እንታይ ደኣ፣ ንሱ ብሓቂ ኣምላኽ፡ ቃልን (ናይ ኣብ ቃል)፣ ጥበብ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽን ምዃኑ ኣርኣየና።

ቅዱስ ጳዉሎስ ዉን “ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኺሐድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ አሎኹ።” /ኤፈ 3፥17-1/ ዝበለ ዉን ነዚ ንከረድኣና እዩ። ምክንያቱ፣ እቲ ቃል፣ ኣብ ኲሉን ሸነኻት ህላዌኡ ገሊጹ እዩ። ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ታሕቲ፡ ኣብ ዕምቘትን ኣብ ምንዋሕን፡ ኣብ ምግፋሕን ኣብ ቁመትን ገዛእ ርእሱ ገለጸልና። ፍጥረታት ብምፍጣሩ ኣብ ላዕሊ፣ ስጋ ብምዉህሃዱ ኣብ ታሕቲ፣ ሲኦል ብምዉርዱ ኣብ ዕምቈት፣ ኣብ ኲሉ ዓለማት ድማ ብግፍሒ ተጋሂዱ እዩ። ኲሉ ነገር ድማ፣ ብፍልጠት እግዚአብሔር ኣምላኽ መልአ።

እምበኣር በዚ ምክንያት እዩ፣ ክርስቶስ (ናይ ኣብ ቃል) ዉልድ ምስ በለ፣ ብኡንብኡ መስዋእቲ ክኸዉን ኣይመረጸን። ማለት ናብዚ ዓለም እትዉ ምስ በለ (ካብ ድንግል ምስተወልደ) ብኡንብኡ ኣብ ክንዲ ኲልና ክመውትን ንሞት ስዒሩ ክትንስእን ኣይወሰነን። ከምኡ እንተ ዝገብር ኔሩ፣ ብህዋሳትና ኣይምረኣናዮን፣ ኣየምስተማቐርናዮን፣ ከም ዉጽኢቱ ድማ ፍጹም ብግህዶ ከይተፈልጠን ብኡንብኡ ምተረስዐ። እንታይ ደኣ፣ መስዋእቲ ኮይኑ ገዛእ ርእሱ ንሞት ኣሕሊፉ ቅድሚ ምሃቡ፣ ወንጌል ብምስባኩ፡ ሕሙማት ብምፍዋሱ፡ ተኣምራት ብምግባሩ፣ ገዛእ ርእሱ ብሓቂ ኣግሃደ። በቲ ዝለበሶ ስጋ፣ ብግህዶ እንዳተራእየ፣ ንሱ ብሓቂ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ እንኰላይ ኣምላኽ ዉን ምዃኑ፣ በቲ ዝፈጸሞ ፍሉይ ተኣምራትን ተግባራትን ገዛእ ርእሱ ገለጸልና። ስጋ ብምዉህሃዱ ንድቂ ሰባት ዘለዎ ፍጹም ፍቕሪ ኣርኣየ፤ በዚ ዉን ክልተ ዕዮ ፈጸመ። ቀዳማይ፣ ኣብ ልዕሌና ዝነበረ ሞት ብምስዓር፣ ሓራ ጌሩ ሓድሽ ፍጥረት ገበረና። በቲ ካልእ መገዲ ድማ፣ ዋላዃ ንሱ ብባህሪኡ ዘይርአን፡ ዘይድህሰስን (መለኮታዊ ባህሪ) እኳ እንተዀነ፣ ስጋ ተወሃሂዱ ብግህዶ ስለዝተገልጸ፣ በቲ ዝፈጸሞ ተግባራትን ዕዮታትን ድማ፣ ንሱ ብሓቂ እቲ ኣማናዊ ናይ ኣብ ቃል፡ ገዛኢን ንጉስ ኲሉ ፍጥረትን ምዃኑ ኣርኣየ።

ኣብዛ ናይ መወዳእታ ሓሳብ፣ ክበርህ ዝግብኦ ነጥቢታት ኣሎ። ስጋ ሰብ ተወሃሂዱ ክበሃል እንከሎ፣ ብስጋ ተቀዪዱ እሱር ኮይኑ ማለት ኣይኰነን። ዋላዃ ስጋ ሰብ ይልበስ ደኣእምበሪ፣ ኣብ ኲሉ ግና ሙሉእ እዩ። ስጋ ምልባሱ ሙሉእ በኲለሄ ካብ ምዃን ኣይዓንቀጾን። ብስጋ ስብ ኣብ ምድሪ ክንቀሳቐስ እንከሎ፣ ብሓይሉን ብኣእምሮኡን ግና፣ ንኲሉ ኣድማስን ንኲሉ ፍጥረታትን ዉን ይምግብን የመሓዳድርን ነበረ። እቲ ኣዝዩ ዝደንቕ ሓቂ ዉን እዚ እዩ።  ንሱ እቲ ቃል ባዕሉ ስለዝዀነ፣ ብነገራት ኣይውሰንን፣ የግዳስ ንሱ እዩ ንነገራት ዝዉስን። ንሱ ብምንም ኣይተሓዝን እዩ፣ ንኲሉ ግና ኣብ ኢዱ ይሕዝ። ዋላዃ ንሱ ኣብ ፍጥረታት ይሃልዉ እምበር፣ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ግና ንሱ ካብ ፍጥረታት ወጻኢ እዩ። ብሓይሉን ብግብሩን ግና ኣብ ዉሽጢ ኲሉ ፍጥረት እዩ፣ ንኲሉ ብስርዓት እንዳመገበ የመሓድርን፣ ንነፍሲ ወከፍን ንኲሉ ፍጥረትን ድማ ህይወት ይህብን [Essence or Nature and Energy. ባህሪን ሓይሉ ዝግለጸሉ ተግባራትን። ቅዱሳን ኣቦታት ብዛዕባ እግዚአብሔር ክዛረቡ እንከለዉ፣ ኣብ መንጎ ባህሪን ሓይሊን ፍልልይ ይገብሩ። ባህሪ እግዚአብሔር ኣምላኽ (Essence and Nature of God) መለኮታዊ ስለዝዀነ፣ ማንም ፍጥረት ክቐርቦን ክትንክፎ ይኹን ክበጽሖ ኣይክእልን። ማለት ንኣምላኽ ከምቲ ንሱ ዘለዎ፣ ፍጹም ኣምላኻዊ ባህሪያቱ፣ ማንም ፍጡር ክርእዮ ኣይኽእልን። ብተግባራቱን ብሓይሉን (Energy or activities of God) ግና ኲሉ ግዜ ምስ ፍጥረቱ ሕብረት ኣለዎ። ፍጥረት ዉን ንሓይሊን ንግብሪ ኣምላኽን ከስተንትኖን ክቐርቦን ይኽእል። ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነዚ ነገር ከብርህ ስለዝደለየ እዩ “ዋላዃ ንሱ ኣብ ፍጥረታት ይሃልዉ እምበር፣ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ግና ንሱ ካብ ፍጥረታት ወጻኢ እዩ። ብሓይሉን ብስርሑን ግና ኣብ ዉሽጢ ኲሉ ፍጥረት እዩ፣”]። ንኣድማስ ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ብኣድማስ ግና ዘይተሓጽረ እዩ። ብኲሉ ባህሪያቱ ድማ ሙሉእን ፍጹምን ኮይኑ፣ በይኑ ምስ ኣቡኡ ይነብር።  ስጋ ሰብ ለቢሱ ክግለጽ እንከሎ፣ ነቲ ንሱ ዝተወሃሃዶ ስጋ ባዕሉ ህይወት ሂቡ፣ ከምኡ ዉን ንዂሉ ኣድማስ ህይወት ካብ ምሃብ ኣየቋረጸን። ከምዚ ብምግባሩ ከኣ፣ ንኲሉ መሊኡን (ብሓይሉ)፣ ግን ከኣ ካብ ኲሉ ተፈልዩን (ብመለኮታዊ ባህሪኡ) ይነብር። ኣብቲ ዝተወሃሃዶ ስጋ ኮይኑ ብዝፍጽሞ ተግባራት ኣብ ኲሉ ግሁድ እዩ፣ እዚ ጥራይ ዘይኰነ ግና፣ ኣብ ኣድማስ ዉን ብፍጥረታቱን ብተግባራቱን ግሉጽ እዩ። ኣብ ስግኡ ኮይኑ ብዝፈጸሞ ተግባራትን፣ ኣብ ኣድማስ ሓዲሩ ብዝፍጽሞ ግብሪታትን፣ ኲሉ ግዜ ግሁድን ግሉጽን እዩ።

ኣብ ሰብ ዘላ ነፍሲ ንዉሰዳ። ነፍሲ ምስ ስጋ ተወሃሂዳ ክነሳ፣ ካብ ስጋ ከይተፈለየት፣ ካብ ስጋ ወጻኢ ንዘሎ ነገራት ክትምርምር፡ ክትርኢን ከተስተዉዕልን ትኽእል። ኮይኑ ግና፣ ካብ ስጋ ዝረሓቁ ነገራት፣ ብምርኣይ ጥራይ ከተንቀሳቕሶም ክትደፍኦም ይኹን ከተጓዓዕዞም ኣይከኣልን። ንኣብነት፣ ኣነን ንስኹምን፣ ብነፍሲና ኣቢልና፣ ነቲ ካብ ስጋና ወጻኢ ዘሎ ነገራት ክንዕዘብ፡ ክንምርምርን ከነስተንትንን ንኽእል ኢና። ኮይኑ ግና ብምዕዛብና ወይ ብምርኣይና ጥራይ ከነንቀሳቅሶም ወይ ክንደፍኦም ኣይንኽእል። ንነገራት ብምሕሳብ ጥራይ ከነንቀሳቅሶም ኣይከኣልን። ኣብ ገዛይ ኮፍ ኢለ፣ ንጸሓይን ከዋኽብቲን ክርእዮምን፣ ብዛዕብኦም ክሓስብን፣ ክንቀሳቐሳ እንከለዋ ክጥምተን ይኽእል፤ ባዕለይ ከንቀሳቕሶም ይኹን ክእዝዞም ግና ፍጹም ኣይከኣልን።

ናይ እግዚአብሔር ቃል ስጋ ክለብስ እንከሎ ግና፣ ከምኡ ኣይኰነን፤ ብኣንጻሩ እዩ። ናይ ኣብ ቃል ስጋ ለቢሱ ክነሱ፤ በቲ ስጋ ኣይተቀየደን። በቲ ስጋ ኣይተቀየደን፣ ግን ከኣ ንስጋ ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ። ነቲ ዝተወሃሃዶ ስጋ ከም መሳርሒ እንደተጠቀመ፤ ኣብ ስጋ ብምልኣት ሕዱር እዩ፣ ኣብ ኲሉ (ኣብ ኲሉ ኣድማስ) ዉን ሙሉእ እዩ፤ ግን ከኣ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ምስ ኣቦ (እግዚአብሔር ኣብ) እዩ፣ በዚ ድማ (ብመለኮታዊ) ካብ ኲሉ ፍሉይ እዩ። ኣዝዩ ደስ ዘብል ነገር ድማ እዚ እዩ። ከም ዉሉድ ብባህሪኡ ኲሉ ግዜ ምስ ኣቦ እዩ፣ ቃል (ናይ ኣብ ቃል) ከም ምኳኑ ድማ ንኲሉ ህይወት ይህብ፣ ስጋ ብምልባሱ ድማ ሰብ ኮይኑ ይነብር። ስለዚ ዉን እዩ፣ ካብ ድንግል ክዉለድ እንከሎ ፍጹም ቃንዛ (ሕማም) ኣይተሰምዖን፣ ስጋ ብምልባሱ ዉን በቲ ስጋ ኣይረኸሰን፣ የግዳስ ንስጋ ብምዉህሃዱ ባዕሉ ነቲ ስጋ ኣንጺህዎ እዩ። (ቃል) ኣብ ኲሉ ሙሉእን ህልዉን እዩ፣ ክበሃል እንከሎ፤ ባህሪ ናይ ነገራት ተካፋሊ ኮይኑ ማለት ኣይኰነን።  እንታይ ደኣ፣ ንኲሉ ነገር ህላወን ህይወትን እንዳሃበ፣ ንኲሉ ነገራት ዝምግብ ንሱ እዩ። ጸሓይ ንዉሰዳ። እዛ ብቃል ዝተፈጥረት፣ ንሕና ዉን ኣብ ሰማያት ዑደት ክትገብር እንከላ፣ እንርእያ ጸሓይ፤ ብርሃና ናብ ኲሉ ክትዝርግሕ እንከላ ኣይትረኽስን። ጩራ ጸሓይ ኣብ ሬሳታት ክዓልብ እንከሎ፣ ጸሓይ በቲ ብርሃን ኣይትረኽስን። ጸልማት ዉን ንብርሃን ጸሓይ ክስዕሮ ኣይኽእልን። ጸሓይ በቲ ተብርሆን ትትንክፎን ነገራት ከይተጸልወት፣ በንጻሩ ግና ንነገራት ተንጽህን፣ ተብርህን እያ። ከምኡ ድማ፣ እቲ ንጸሓይ ዝፈጠረ፣ ኣምላኽ ዉን ዝዀነ፣ ፍጹም ቅዱስ ናይ ኣብ ቃል፤ ስጋ ሰብ እኳ እንተለበሰ፣ በቲ ስጋ ግና ኣይረኸሰን። ብባህሪኡ ምምሽማሽ ዘይሰማምዖ፣ ፍጹም ዘይመዉት ስለዝዀነ፣ ንመዋቲ ስጋ (ሰብነት) ኣንጺሁ ህይወት ሂብዎ (ንስጋ) እዩ። ምክንያቱ ንሱ “ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ . . . ዘየፈራርሄ።” እዩ /1 ጴጥር 2፥22 ኢሳ 53፥9/።

እምበኣር፣ ነባብያነ መለኮት ዝዀኑ ወንጌላዉያን፣ ብዛዕባኡ (ብዛዕባ ቃል) ‘ተወሊዱ፡ በሊዑ፡ ሰትዩ፡ ደቂሱ’  ኢሎም ምጽሓፎም፣ ብዛዕባ ስጋኡ ምኳኑ ከነስተዉዕል ይግባእ። እቲ ዝተወሃሃዶ ስጋ፣ ስጋ (ሰብ) ከም ምኳኑ፣ ከም ስጋ ተወሊዱ፡ ንስጋ ዝሰማምዖ መግቢ ተዓንጊሉ፣ እዩ። እቲ ናይ እግዚአብሔር ቃል ድማ፣ ምስ ስጋ ተወሃሂዱ ክነሱ ካብ ስጋ ከይተፈለየ፣ ንዓለም ይገዝእ፡ የመሓድርን፡ ይምግብን ነበረ። ኣብ ስጋ ሓዲሩ ብዝገበሮ ግብሪ ድማ፣ ንሱ፣ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ እንኮላይ ኣምላኽ (ቃል) ዉን ምዃኑ፣ ኣግሃደ። ስለዚ፣ ኲሉ እቲ ብስጋ ዝፈጸሞ ተግባራት፣ ከም ናቱ ማለት ከም ተግባራት ናይቲ ቃል ተጌሮም ክግለጹ፣ ቅኑዕ እዩ። እቲ ዝበልዐ፡ ዝሰተየን፡ መከራ ዝተቐበለን ስጋ፣ ስብነት (ስጋ) ናይቲ ቃል እዩ። ቃል ስጋ ተወሃሂዱ፣ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ እዩ። ተግባራት ናይቲ ቃል ዉን፣ ከም ተግባራት ናይ ሰብ ተጌሮም ክግለጹ ዉን ቅኑዕ እዩ፣ ምክንያቱ ብሓቂ ስጋ ለቢሱን፣ ሰብ ኮይኑን እዩ። ከም ምትሃት፣ ወይ ድማ ከም መንፈስ ኮይኑ፣ ኣይተገልጸን። ብሓቂ ንሱ፣ ፍጹም ሰብ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ከም ሰብ ክንገረሉ ግቡእ እዩ። ከም ስጋ ምዉላዱ፡ ምብልዑ፡ ምስታዩ፡ ምሕማሙ፤ በዚ ኲሉ ተግባራት፣ ንሱ ማለት እቲ ቃል ብሓቂ ሰብ ምኳኑ ብግህዶ ኣርኣየ። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ፣ ኣብዚ ስጋ ሓዲሩ ብዝፈጸሞ ተግባራት (ኣምላኻዊ ተግባራት)፣ ብሓቂ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዉን ኣረጋገጸልና። ናብቶም ዘይኣመንቲ ኣይሁድ “ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። (ግብሪ ኣቦይ)እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ።” ምባሉ ዉን ነዚ ከገልጸሎም ደልዩ እዩ¨/ዮሃ 10፥37-38/። ብባህሪኡ ዘይርአ እኳ እንተዃነ፣ ብግብሪ ፍጥረታቱ ግና ኲሉ ግዜ ግሁድ እዩ። ሕጂ ድማ፣ ስጋ ተወሃሂዱ ሰብ ምስ ኰነ፣ መለኮታዊ ሓይሉ ብስጋ ምስተገልጸ፣ ንሱ ብሓቂ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብሓቂ ንሱ ሓይሊ እግዚአብሔርን ቃል እግዚአብሔርን ምኳኑ ኣፍለጠ (ዮሃ 1፥1  1 ቆሮ 1፥24)።

ኣጋንንቲ ምግሳጽን ምዉጻእን፣ ተግባር ናይ ሰብ ዘይኰነስ፣ ኣምላኻዊ ግብሪ እዩ። ሰባት ንብዙሕ ዓይነት ሕማማት ተቃሊዖም ኔሮም፣ ንሱ ግና ንብዙሓት ሕማማት ፈወሰ /ማቴ 4፥23-25/። ነዚ ዝመስል ግብሪ (ኣምላካዊ ግብሩ) ርእዩ፣ ሰብ ጥራይ እዩ ዝብሎ፤ መን እዩ? ለምጻማት ኣንጽሀ፡ ልሙሳት ኣሕወየ፡ ጎባጣት ኣቅነዐ፡ ጸማማት ከም ዝሰምዑ ገብረ፡ ዓይነ ስዉራን ፈወሰ፣ ሕጽር ብዝበለ ንኲሉ ዓይነት ሕማማትን ንኲሉ ዓይነት ስንክልናን ካብ ደቂ ሰባት ኣርሓቀ። በዚ ግብሪታት ድማ፣ ንሱ ኣምላኽ ማለት መለኮታዊ ምኳኑ ኣርኣየ። ክፍጠሩ እንከለዉ፣ ዝጎደሎም ነገራት እዃ ከይተረፈ፣ ንሱ ይህብ። ካብ ዝዉለድ ጀሚሩ ዓይኒ ንዘይነበሮ ሰብ፣ ዓይኒ ብምትካል (ብምሃብ)፣ ብሓቂ ንሱ ፈጣሪ ዓለማትን ገባሪ ኲሉን ከም ዝዀነ ኣረጋገጸልና። ምክንያቱ ብዘይካ ፈጣሪ፣ ካልእ ነዚ ክገብር ሓይሊ ዘለዎ ማንም ካልእ ኣካል የለን። ክፍጠር እንከሎ፣ ንዘይነበረ ነገራት መሊሱ ክህብ ዝኽእል፣ ፈጣሪ በይኑ ንሱ እዩ። መን እዩ`ሞ ካብ ዝዉለድ ጀሚሩ ንዘይነበረ ነገራት ክህብ ዝኽእል? ስጋ ለቢሱ ናባና ክወርድ እንከሎ  ድማ፣ ንዕዑ ዝኸዉን ስጋ (ሰብነት) ካብ ስጋ ድንግል (ማህጸን) ኣዳለወ። እዚ ምግባሩ ድማ፣ መርኣያ ኣማላኻዊ ሓይሉ እዩ። ምክንያቱ፣ ፈጣሪ ኲሉን ገባሪን ዂሉን ስለዝዃነ፣ ካብ ማህጸን ድንግል ዉን ንዕዑ ዝከዉን ሰብነት ከዳሉ ክኢሉ እዩ።

እመበኣር ነዚ እናራኣየ፣ ኣምላኽነቱ ክጠራጠር ዝኽእል መን እዩ? እቲ ንሱ ዝለበሶ ስጋ፣ ካብ ድንግል ብዘይ ኣቦ (ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ) ከም ዝተረኽበ ምስ ረኣዩ፣ ብሓቂ ንሱ ፈጣሪን ገባሪን ኲሉ ሰብነት ምዃኑ፣ ዘይምስክርን ዘይኣምንን መን እዩ? ካልእ ተኣምር ናይ መርዓ ቃና ዘገሊላ ንዉሰድ። ትሕዝቶ ናይ ማይ ናብ ወይኒ ምስ ተቀየረ፣ እቲ ነዚ ዝገበረ ብሓቂ ንሱ ፈጣሪን ገባሪን ናይ ማያትን ኲሉ ትሕዝቶ ፈሳሲን ምዃኑ፣ ዝጠራጠር መን ኣሎ? ናይ ጐይትነቱ መርትዖ ደልዮም ናብኡ ንዝቐረቡ ኲላቶም፣ ኲሉ ዓይነት መርትዖ ኣቕሪብሎም። ናይ ባሕሪን ቀላያትን ኣምላኽ ስለዝዀነ ዉን፣ ልክዕ ከም ንቁጽ መሬት፣ ኣብ ልዕሊ ማያት ተመላለሰ። ብዉሕድ እንጀራ ንኣሽሓት መገበ፣ ካብ ሓሙሽተ ህብስቲ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ኣጽጊቡ ኣትረፍረፈ፣ ካብቲ ቁሩብን ዉሑድን ድማ ብዝሒ በረኸት ኣፍሰሰ።  እዚ ኲሉ ግብሪታት ድማ ሓደ ነገር ጥራይ የመልክተና። ንሱ ማለት ቃል ብሓቂ ፈጣሪን ኣምላኽ ኲሉ ኣድማስን እዩ።   

መድሓኒ ዓለም ነዚ ኲሉ ተግባራት ስጋ ክፍጽም ምፍቃዱ (ምፍታዉ) ሓደ ነገር ምእንቲ ከብርሃልና ደልዩ እዩ። ሰባት ንፍጥረታት ብምምርማርን ብምዕዛብን ናብ ፍልጠት ኣምላኽ ክበጽሑ ኣይከኣሉን፣ ማለት ደቂ ሰባት ንፍጡራት ጥራይ ብምዕዛብ፣ ዓለም ፈጣሪን መጋቢን ከም ዘለዋ ክርድኦም ምኸኣለ ኔሩ። የግዳስ ናብዚ ፍልጠት እዚ ግና ክበጽሑ ኣይከኣሉን። ስለዚ መድሓኒ ዓለም፣ ሰብ ኮይኑ ብዝፍጸሞ ኲሉ ግብሪ ስጋ፣ ኣምላኻዊ ሓይሉ ስለዝተጋህደ፣ በዚ ዉን ደቂ ሰባት ናብ ፍልጠት ኣቦ ክበጽሑ ክኢሎም። ብካልእ ኣዘራርባ፣ ደቂ ሰባት፣ ቃል ስጋ ለቢሱ ብዝግበሮ ግብሪታት ርእዮም፣ ናብ ፍልጠት ኣቦ ይበጽሑ፣ እዚ ጥራይ ዉን ኣይኰነን፣ ቃል ናይ ኲሉ መጋቢን ገዛኢን ምዃኑ ዉን ክፈልጡ ይኽእሉ።

መን እዩ እሞ ንሓይሉ ክጠራጠር ዝኽእል? ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ ዘለዎ ስልጣን ርእዩ፣ ኣጋንንቲ እዃ ከይተረፈ ንሓይሉ እንዳረዓዱ፣ ኣምላኽን ጐይታን ምዃኑ እንዳመስከሩ፣ ነዚ ኲሉ ሓይሊታት ርእዩ፣ መን እዩ ዝጠራጠር? ምክንያቱ፣ እንትርፎ እቲ፤ ወዲ ኣምላኽ፡ ጥበብ ኣምላኽን፡ ሓይሊ ኣምላኽን ዝኰነ እንተዘይኰይኑ፣ ካልእ ከምዚ ክገብር ዝኽእል ማንም የለን። ፍጥረታት ብዛዕብኡ ካብ ምምስካር ዓዲ ዉዒለን ኣይፈልጣን። ዂሉ ግዜ ኣምላኽነቱ ይምስክራ እየን። ካብ ዂል ዝደንቕ ግና፣ ዋላ ኣብቲ ናይ ሕስራንን መከራን ሰዓትን እኳ ከይተረፈ፣ ምምስካረን እዩ። ማለት ኣብ ግዜ ሞቱ፡ ሞቱ ጥራይ እዃ ዘይኰነ፣ ንሞት ክስዕሮ ኢሉ፣ ኣብ መስቀል ኣብ ዝወዓለሉ ግዜ፣ ኲሉ ፍጥረት ብዛዕብኡ መስኪሮም እዮም። እቲ ብስጋ ተገሊጹ፡ ተሰቒሉ ሕማምን መከራን ዝተቐበለ፣ ካልእ ዘይኰነሲ፣ ባዕሉ ወዲ ኣምላኽን መድሓኒ ኲሉን እዩ። መርኣያ ናይዚ ድማ፣ ኣብ ግዜ ስቕለት  ጸሓይ ብርሃና ሓብአት፣ መቃብራት ተከፍቱ፣ መሬት ኣንቀጥቀጠት፣ እምባታት ዉን ራዕ ራዕ በሉ፣ ኲሉ ዉን ንክብሩ መስከሩ። ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኮይኑ፣ ሓቀኛ ኣምላኽን ኲሉ ንዕዑ ከም ዝግዛእን ኣርኣየ። ኲሎም ፍጥረታት ንምግላጽ ጐይትአን ዉን ኣመስገና፣ ሰገዳን። ብኸምዚ ዝመሰለ መገዲ ድማ እዩ፣ ናይ ኣብ ቃል፣ ብሓቂ ስጋ ከም ዝለበሰ ዘፍለጠና።

ሕጂ ተሪፉ ዘሎ፣ ብዛዕባ ሞቱን፣ መወዳእታ ህይወቱን ዝምልከት እዩ። ኲሉ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነጥቢ`ዚ ይዝትይ እዩ። ብስጋ ምሟቱ ከመይ እዩ? ምስቲ ስጋዊ ኣምላኻዊን ባህሪያት`ከ ከመይ እዩ? ነዚ ኲሉ ክንፍትሾ ግድን እዩ። ምክንያቱ መስረተ እምነትና ኣብዚ ነጥቢ`ዚ ዝተስረተ ስለዝዀነ። ብዛዕባ ሞቱ ብምዝርራብ ዉን፣ ክርስቶስ ብሓቂ ኣምላኽን ወዲ ኣምላኽን ምዃኑ ክተስተዉዕል ኢኻ።

ኣብ ራብዓይ ክፋል ብሰላም የራኽበና!

ወስብሓት ለእግዚአብሔር