መሐደሲ ህየትና መንፈስ ቅዱስ- ብቅ. ደዲሞስ ዓይነ-ስዉር

ቅዱስ ደዲሞስ ዘእስክንድርያ (318-398 ዓ.ም.)፣ ዘይከም ካልኦት ሊቃዉንቲ ክህነት ይኹን ዲቁና ዘይነበሮ፣ ዘይከም ካልኦት ሙሉእ ኣካላት ዘይነበሮ ዓይነ ስዉር፣ ብቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሓዋርያ መምህር ናይ ትርጓሜ ቤት ትምህርቲ ናይ እስክንርያ ክኸዉን ዝተመርጸ፣ ሊቅ ኣቦ እዩ። ዶግማዊ፣ መንፈሳዊን፡ ትርጓሜ ጽሑፋትን ዝጸሓፈ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ዝነብረ ሓደ ካብ ዓበይቲ መማህራን ናይ እስክንድርያ እዩ። እዚ ኣቦዚ ዋላኳ ካብ ወዲ 4 ዓመት እንከሎ ዓይነ ስዉር እንተነበረ፣ ልዕሉ ናይ ምዝካር ጸጋ ስለዝነበሮ ግና፣ ብብዙሕ መልክዑ ጸብለል ዝበለ ትምህርቲ ከመሓላልፍ በቂዑ እዩ። ንቅድስት ስላሴ ኣመልኪቱ ካብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ዝተወስደ፣ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝመሃሮ ቀሪበልኩም ኣለኹ፣ ሰናይ ንባብ።   

መንፈስ ቅዱስ፣ ብመለኮታዊ ባህሪኡ ምስ ኣብን ወልድን፣ ማዕረ ስለዝዀነ፤ ክንጥምቀ እንከሎና፣ መንፈስ ቅዱስ ብመለኮታዊ ሓይሉ ይሕድሰና እዩ።

መልክዕና ኣጥፊእና፣ ኣብ ሕማቅ ኲነታት ምስ ጸናሕናዮ፤ ጸግኡ ይመልኣና`ሞ ናብቲ ናይ ፈለማ መልክዕና፣ ናብ ናይ ቀደም ክብሪና ይመልሰና። ንፍቅሪ ዘይበቅዕን ዘይሰማማዕን ዘበለ ጣባያትን ኣካይዳን ግና ቦታ ኣይህብን።

መንፈስ ቅዱስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣዉጺኡ፣ ምድራዊ ሰብ ካብ ምኳን ካብ ሓመድን ሓሙኹሽቲን ለዊጡ፣ ኣብ ሰማያዊ ክብሪ ግደ ዘልና መንፈሳዊ ሰብ ይገብረና። ዉልድ ኣምላኽን ወርስቲ መንግስቲ እግዚአብሔርን ይገብረና። ኣቦ ንወልድ ይመስል እዩ፣ ንሕና ድማ ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸዉን። ንወልደ-እግዚአብሔር መሲልና፣ ንወልድ መዋርስቱን የሕዋቱን ኮይንና፣ ምስኡ ኣብ ዙፋኑ ቦታ ይህልወና፣ ተማቐልቲ ክብሪኡ ዉን ንኸዉን። መንፈስ ቅዱስ፣ ኣብ ክንዲ መሬት ንሰማያት ይኸፍተልና፣ ናብ ገነት ብሓጎስ የእትወና፣ በዚ ዉን ካብ መላኣኽቲ ዝበለጸ ክብሪ የዉህበና። እዚ ዂሉ ረኺብናዮ ዘለና ዉን፣ በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ዘጥፍእ ማይ ቅዱስ ጥምቀት እዩ።

ሰባት ክልተ ግዜ ኢና ንዉለድ። ፈለማ ብስጋ ካብ ምድራዊ ወለድና ንዉለድ። ዳግማይ ድማ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ንዉለድ። ቅዱስ ዮሃንስ ከምዚ በለ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። /ዮሃ 1፡12-13/። ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ኲላቶም፣ ዳግማይ ዉሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ ስልጣንን መሰልን ሃቦም፣ ይብለና እሎ። እዚ ዉን ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም እዩ። መንፈስ ቅዱስ ዉሉድ ኣምላኽ ክንኸዉን ይገብረና። እቲ ዉልድነት ዝህበና ዘሎ ዉን ባዕሉ ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ከነጽረልና እንከሎ ዉን፣ ክርስቶስ ኣብ ካልእ ቦታ ከምዚ ኢሉ ወሰከልና፣ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡  (ሰብ) ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን /ዮሃ 3፡5/።

ክንጥመቕ እንከሎና፣ ካህን ብዝገብሮ ዝርአ ኣገልግሎት፣ እቲ ንጥመቀሉ ጋብላ ማይ፣ ምልክት ናይ ልደት ኮይኑ፣ ሰብነትና ይዉለድ ከም ዘሎ የርእየና። በቲ ዘይርአ ኣገልግሎት መላኣኽቲ ግና፣ እቲ ዓይነ ልቦናና እኳ ከይተረፈ ክርእዮ ዘይኽእል ኣምላኽ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ፣ ንነፍስናን ስጋናን ናብኡ የጥምቆም፣ ካብኡ ከም ዝዉለዱ የገብሮም፣ ሓድሽ ልደት ዉን ይህበና።
The pill helps achieve complete (cheapest cialis) visit content satisfaction during an intimacy.

ብዛዕባ ማይ መንፈስን ብልክዕ ክዛረብ እንከሎ፣ ቅዱስ ዮሃንስ መጥምቅ ብዛዕባ ክርስቶስ ከምዚ በለና፣ “ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቀኩም እዩ” /ማቴ 3፡11/።

ንሕና ካብ ጭቃ ዝተሰራሕና ኣቅሑት ኢና (ካብ ሓመድ ኢና ተፈጢርና)። ጥዑያት ንብረት ምእንቲ ክንኸዉን ድማ፣ ቅድም ብማይ ክንጸሪ፣ መሊስና ዉን ዳግማይ ብሓዊ ክንተርር ይግባእ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ነዚ ይገብር። መንፈስ ቅዱስ ማይ ስለዝዀነ፣ ቅድም የጽርየና፣ ሓዊ ስለዝዀነ መሊሱ ዳግማይ ብእሳታዊ ሓይሉ የትርረና፤ ብመንፈሳዊ ሓዊ ንተርር፣ ምክንያቱ ኣምላኽና “ዝባላዕ ሓዊ”  (እብ 12፡29) እዩ። ክንሕደስን ፍጹማት ምእንቲ ክንኸዉንን፣ መንፈስ ቅዱስ የድልየና። ምክንያቱ መንፈሳዊ ማይ ከንጽሃና ይኽእል እዩ፣ መንፈሳዊ ሓዊ ድማ ዉን ኣብ እቶን (መንፈሳዊ) የእትዩ ከም ብሓድሽ ሰብ ይገብረና እዩ።

ምንጪ፦ቅዱስ ደዲሞስ ዘእስክንድርያ፣ ብዛዕባ ቅድስት ስላሴ ካብ ዝመሃሮ ትምህርቲ ዝተወስደ።

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ቅዱስ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ደቀ መዛሙርትኻን ክቡራን ሓዋርያትኻን ኣብ ሣልሰይቲ ሰዓት ዝለኣኽካዮ፣ ኦ ሓቀኛ ኣምላኽና ሕጂዉን ካባና ኣይትመንዝዓዮ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽን ንኣቦ ሓደ ውዱን፣ ንወሃቢ ህይወት፤ መንፈስ ቅንዕናን፡ መንፈስ ዉልድነትን፡ መንፈስ ንጽህናን፡ መንፈስ ቅድስናን፡ መንፈስ ሓቅን ፍርድን ስልጣንን፣ ኣብ ዉሽጥናን ንኽትሕድሶ ንልምነኻ ኣሎና። ኦ ንዂሉ ነገር እትኽእል መብራህቲ ነፍስና ንስኻ ኢኻ። ኣንታ ብርሃንካ ናብ ኲሉ ሰብ እትህብ ናብ ዓለም ዝመጻእካ፣ መሓረና!!! ኣሜን