ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ነበረት

“ወላዲተ ኣምላክ ነበረት እምቅድመ ይትፈጠር ዓለም በሕሊና ኣምላክ”

ነዚ ቃል እዚ ክሰምዑ እንከለዉ፣ ገለ ዝስንብዱ፣ ገለ ዝግረሙ፣ ገለ ዝደናገሩ፣ ገለ ዉን ዝሓርቁ ኣይሰኣኑን። ገለ ሚስጢር ኣምላኽ ዘይተረድኡ የዋሃን ድማ፣ ነዚ ቃል`ዚ ሰሚዖም ናብ ካልእ ሸነኻቱ ዝትርጉምዎ ኣለዉ። ነዚ ቃል`ዚ ብኸመይ መገዱ ኢና ክንረድኦ? እቲ ቀንዲ መልእክቱ`ኸ እንታይ እዩ? ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ከድሕን ኢሉ ዘዳለዎ መደብ ድዩ ዝዛረብ ዘሎ፣ ዋላስ ካልእ እዩ?

እዚ ቃል`ዚ ኣብ መእተዊ መጽሓፍ ተኣምረ ማርያም ይርኸብ። ሓፈሻዊ መልእክቱ ድማ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ከድሕን ኢሉ ዘዳለዎ መደብ ዘለዋ “ዝለዓለ ቦታ”፣ ዘረድእ ቃል እዩ። ኣጸቢቕና እንድሕሪ ኣስተውዒልናሉ ዉን፣ መደብ ድሕነት ዝነግር እዩ። ብፍሉይ ንመለኮታዊ ባህሪያት እግዚአብሔር ዝገልጽን፣ ከሃሊነት ናይ ስሉስ ቅዱስ ዘረድእን እዩ። መልእክቲ ናይዚ ሓረግ ክርድኣና እንድሕሪ ደሊና፣ ባህሪያት እግዚአብሔር ክንምርምርን ክንርድኦን ይግባእ

ባህሪ እግዚአብሔር

ባህሪ ማለት ናይ ሓደ ነገር እንታይነት እዩ። ንሓደ ኣካል መንነትን ፍሉይነትን ዝህቦ ነገር ባህሪ ይበሃል። ፈቲኻ እተምጽኦ ጸሊእኻ እትሓድጎ ኣይኰነን። ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንታይነቱ ማለት ባህሪያቱ፣ ተማራሚርካ ክብጻሕ ዘይከኣል፣ ኣዝዩ ዓሚቚ እዩ። ሓደ ካብቲ ባህሪያቱ ድማ፣ ዘለኣለማዊነቱ እዩ። እግዚአብሔር ”ዘለዓለማዊ” እዩ፣ ክበሃል እንከሎ፣ መጀመርታን መፈጸምታን ዘይብሉ፣ ንግዜ ዝፈጠረ እምበር ብግዜ ዘይቅየድ፣ ልዕሊ ግዜ ዝዀነ፣ ዕድመ ዘይቁጸረሉ፣ ካብ ዘመናት ወጻኢ ኮይኑ፣ ንዘመናት ዘመሓድር፣ ማለት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ፈለማ ክጅምር እንከሎ ”ኣምላኽ ብመጀምርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ይብለና። እዛ ሓረግ እዚኣ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ”ንግዜ፡ ቦታን፡ ነገርን” ከም ዝፈጠረ ተብርሃልና። በዘን ሰለስተ ነገራት ዝቅየድ ”ፍጡር” ይበሃል። ግዜ ዝቑጸረሉ፣ ብቦታ ዝዉሰን፣ ’ነገር’ ዘለዎ፣ ፍጡር ይበሃል። ካብዘን ሰለስተ ነገራት ብሓደ ዝቅየድ ኣካል፣ ፍጡር ንብሎ። በንጻሩ እቲ በዘን ሰለስተ ነገራት ፍጹም ዘይቅየድ ድማ፣ ”ፈጣሪ” እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ”ፈጣሪ” እዩ ክንብሎ ዘኽእለና፣ ነዘን ሰለስተ ነገራት ማለት ንግዜ፡ ቦታን ነገርን ዝፈጠረ፣ በዘን ሰለስተ ነገራት ግና ፍጹም ዘይቅየድ ስለዝዀነ እዩ። ኣኽራን ከይተወልደ፣ ምድርን ዓለምን ከይፈጠርካ፣ ኤረ ንስኻስ ካብ ዘለአለም ንዘለአለም ኣምላኽ ኢኻ። መዝ 90፡2 ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዘለአለም ኢኻ። መዝ 93፡2.። ነብዪ ኢሳይያስ ዉን ብዛዕባ ስሙ ክዛረብ እንከሎ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ብምባል ብዛዕባ እግዚአብሔር ይዛረብ /ኢሳ 57፡15/።

ኣምላኽ ዘለኣለማዊ እዩ፣ ክንብል እንከሎና፣ ”ዘመን ዘይቁጸረሉ”፣ ብግዜ ዘይቅየድ ማለት እዩ። ኲሎም ፍጡራት ድማ በንጻሩ ኣብ ትሕቲ ግዜ እዮም፣ ብግዜ ዉን ይቕየዱ። ”ክንድዚ ዓመት ኮይኑ”፣ ”ክንድዚ ግዜ ተሪፉና”፣ ”ሎሚ”፣ ”ጽባሕ”፣ ”ትማሊ”፤ ብሓጺሩ ካልኢት፡ ደቃይቕ፡ ሰዓታት፡ መዓልታት፡ ሶሙናት፡ ኣዋርሕን፡ ዓመታትን ዝብሉ መለክዒ ግዜታት፣ ንፍጡራት ጥራይ ዝምልከቱ እዮም። ንእግዚአብሔር በዚ መልክዑ ኣይንገልጾን።

ኣብ መንጎ ፍጡርን ፈጣሪን ዘሎ ናይ ግዜ ፍልልይ ከረድእ እንከሎ፣ቃል ኣምላኽ ሽሕ ዓመት አብ ቅድሜኻ ኸም እዛ ትማሊ ዝሐለፈት መዓልትን ከም ምንቃሕ ለይትን እየን ይብል /መዝ 90ን፡ 2 ጴጥ 3ን/። እዚ ሓረግ`ዚ ቁጽራዊ መግለጺ (mathematical expression) ኣይኰነን። ”ንሕና ሽሕ ዘመን ምስገበርና፣ ኣምላኽ ከኣ ሓንቲ መዓልቲ ጌሩ” ማለት ኣይኰነን (1000 ዓመት ናይ ወዲ ሰብ 1 መዓልቲ ናይ ኣምላኽ)። መዝሙር ዳዊት 90፣ 2 ጴጥሮስ 3 ጽቡቕ ጌርና ነንብቦን፣ ንመርምሮን። ኣብዚ ክልቲኡ ምዕራፋት፣ ምሕረትን ትዕግስትን ኣምላኽን፣ ንስሓ ደቂ ሰባትን እንደነጻጸረ፣ ደቂ ሰባት በቲ ናቶም ንዉሓት ዘመን ተታሊሎም ካብ ንስሓ ከየብኲሩ፣ ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ዘረድእ እዩ። በቲ ናትና ኣጸባጽባ ብዙሕ ዘመን (1000 ዓመት) እንተመሰለና፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግና ሓጺር ግዜ (1 መዓልቲ 1 ለይቲ) ማለት፣ ግብሩ ክፍጽሙ ንዕኡ (ንኣምላኽ) ሓጺር ከም ዝዀነ እዩ። ግዜ ኣለና ኢልኩም ከይተታለልኩም፣ ናብ ኣምላኽ ተመለሱ፣ ዝብል መልእክቲ ዝሓዘለ ደኣ እምበር፣ ከምዚ ገሊኣቶም ዝመስሎ፣ ንሕና ደቂ ሰባት 1000 ዓመት ምስ ገበርና፣ ኣምላኽ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ጌሩ፣ ማለት ኣይኰነን። ከምኡ እንድሕሪ ኢልና፣ ንኣምላኽ ብግዜ ክንቅይዶ

ስለዚ፣ ንሕና ”ሎሚ፡ ጽብሕ፣ ንዓመታ፣ ዝሓለፈ ወርሒ” ወይ ዉን ”ሕጂ፡ ደሓር፡ ቅድም፡ ንዝመጽእ ዘሎ፡ ዝሓለፈ” እንዳበልና መልክዒ ግዜ ክንጥቀም እንከለና፣ እግዚአብሔር ግና ብክመዚ ዓይነት መለክዒ ግዜ ኣይግለጽን። ምስ ፍጡር ክራኸብን ክዛረብን እንከሎ ግና፣ ነዘን ኣቐድሚና ዝገለጽናየን መዐቀኒ ግዜ ይጥቀመለን እዩ። ንኣብነት ንኣብራሃም ብዛዕባ ሳራ ወዲ ከም ትወልድ ተስፋ ክህቦ እንከሎ ”ንዓመታ” ኢሉ ገሊጺሉ እዩ። ሕጂ ኣብዚ ከነስተዉዕሎ ዝግብኣና ነጥቢ ኣሎ። ኣምላኽ ምስ ፍጡራቱ ክራኸብ፡ ክዛረብ፡ ተስፋ ክህብ፡ ክዓዪ፡ እንከሎ፤ መግለጺ ግዜ ይጥቀም እዩ። ኣብቲ ናቱ ባህሪያት ኣቲና ክንዛረብ እንከለና ግና፣ ብመለክዒ ግዜ ኣይንገልጾን። ብመለኮታዊ ባህሪኡ፣ ንሱ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም፣ እዩ። መለክዒ ግዜ የብሉን። ካብ ግዜ ወጻኢ እዩ።

ብግዜ ዘይቅየድ ዘለኣለማዊ ስለዝዀነ፣ ነገራት ገና ከይዀኑ እንከለዉ ይፈልጥ እዩ። ንሕና ኣብ ትሕቲ ግዜ ስለዝዀንና፣ ጽባሕ እንታይ ከም ዘጋጥም ኣይንፈልጥን። ንሱ ግና ካብ ግዜ ወጻኢ ስለዝዀነ፣ ነገራት ከይተፈጸሙ እንከለዉ፣ እንታይ ከምዝዀኑ ይፈልጥ እዩ። ሕጂ ናብቲ ካልኣይ ባህሪያቱ ክንመጽእ፣ እግዚአብሔር ”ፍጹም ፈላጥ” እዩ። ንኲሉ ይፈልጥ፣ ነገራት ከይተፈጸሙ እንከለዉ እንታይ ከም ዘጋጥም ይፈልጥ።

ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዚማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ኪቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ አነ እየ።” ኢሳ 46፡9-10 ”ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ /መዝ 139፡1-4/። ናብ ካልእ ከይከድና፣ በዘን ክልተ ጥቅሲታት ጥራይ እንድሕሪ ኣስተዉዒልና። እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ኲሉ ዝፈልጥን፣ ንዂሉ ዝምርምርን፣ ንፍልጠቱ ዉን መዐቀኒ ዘይብሉ ምዃኑን፣ ብግዜ ዉን ዘይቅየድ ፍልጠት ከምዘለዎ እዩ። እግዚአብሔር ”Omniscience” ”ፍጹም ፈላጥ” እዩ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርናዮ ባህሪያት እግዚአብሔር ኣምላኽ ብሓደ ጌርና ክንርእየን እንከሎና፤ ሓደ ንጹር ዝዀነ ነገር ንረኽብ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ብግዜ ዘይቅየድ ዘለኣለማዊን፣ ፍጹም ፈላጥን እዩ። እዚ ካብ በርሃልና፣ ሕጂ ናብ መድብ ድሕነት ኣምላኽ ንቐጽል።

ድሕነት

እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ንሰብ ብመልክዑ ከም ምስሉ ምስ ፈጠሮ፣ ምስኡ ሓቢሩ ብሓድነት ክነብርን፣ ብጸጋ ንክዓቢን ነበረ። ኣይጸንሐን ግና፣ ኣዳም ወደቐ፣ ብሰንኩ ዉን ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ /ሮሜ 5፡12/። ከምቲ ምላኣት ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና ድማ፣ እግዚአብሔር ንሰብ ከድሕኖ መረጸ። ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ  እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። /ገላ 4፡4/። እቲ ዘመን ዘይቁጸረሉ፣ ወልደ እግዚአብሔር፣ ካብ ድንግል ማርያም ተወሊዱ፣ ሰብ ኰነ። በቱ ናቱ ናይ በጃነት ዕዮ ድማ፣ ኲሉ ሰብ ድሕነት ረኸበ፣ ”ሎቱ ስብሓት!!”

 

ክንርድኦ ዝግባእ ነጥቢ ድማ እዚ ዝስዕብ እዩ። እግዚአብሔር፣ ዘመን ዘይቅይዶ፣ ፍጹም ፈላጥ እንድሕሪ ኮይኑ፣ ገና ኣዳም ከይወደቐ እንከሎ፣ ኣዳም ክወድቕ ምዃኑ ይፈልጥ ኔሩ እዩ። ከድሕኖ ምዃኑ ዉን ኣቐዲሙ ይፈልጥ እዩ። ቃል መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ ብግህዶ የርድኣና እዩ።

ኣዳም ምስ ተጋገየ፣ እግዚአብሔር ነቲ ተመን (ዲያብሎስ) ዝሃቦ ስምዕታ ከምዚ ይብል፣ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትንኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል  አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ /ዘፍ 3፡15/። ገና ኣዳም ምስ ተጋገየ፣ ነቲ መስሓቲ ዝተነግረ ፍርዲ፤ ኣብ መንጎ ዲያብሎስን ሰራዊቱን ኣብ መንጎ ዘርኢ ሄዋንን (ደቂ ሰባት)፣ ጽልኢ ከም ዝህሉ እሞ፣ እቲ ካብ ሰበይቲ ዝዉለድ (ንሱ ስለዝብል) ”ወዲ ሰብ” ማለት ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ርእሲ ተመን ከም ዝጭፍልቅ ይነግረና ኣሎ።
He should tell his Dr. if he or any one of the (order cheap levitra) appalachianmagazine.com drug.

 

ነዚ ሓሳብ እዚ ዝያዳ ዘራጉዶ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ክንረኽብ ኢና። ብዛዕባ እቶም ነቲ ሓሳዊ መሲሕ ዝሰግዱን ዘይሰግዱን ክዛረብ እንከሎ ”ወይሰግዱ ሎቱ ኲሎሙ እለ ይነብሩ ዲበ ምድር እለ ኢኮኑ ጽሑፋን ኣስማቲሆሙ ዉስተ መጽሐፈ ሕይወት ዘበግዑ ዘተቀትለ ዘእምፍጥረተ ዓለም፣ ዘቦ ዕዝን ሰሚዐ ለይስማዕ” ራእ 13፡8.። እዚ ቃልዚ ኣብቲ ናይ ትግርኛ ብቅኑዕ ኣይተተርጎመን። ”እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሐርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅላቶም ኪሰግዱሉ እዮም። ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ”። ኣብቲ ጥንቲ ግሪክ ግና ልክዕ ከምቲ ናይ ግእዝ እዩ ዘሎ። ካብ ናይ King james version ከምኡ ዉን ካብ Koine Greek ዝተጻሕፈ ተመሳሳሊ ጥቅሲ ኣብ ትሕቲ ንመርምረን።

”ወይሰግዱ ሎቱ ኲሎሙ እለ ይነብሩ ዲበ ምድር እለ ኢኮኑ ጽሑፋን ኣስማቲሆሙ ዉስተ መጽሐፈ ሕይወት ዘበግዑ ዘተቀትለ ዘእምፍጥረተ ዓለም፣ ዘቦ ዕዝን ሰሚዐ ለይስማዕ”

“ከዓለም ፍጥረት ጀምሮ በታረደው በግ ህይወት መጽሓፍ ስሞቻቸው ያልተጻፈ በምድር የሚኖሩ ሁሉ ይሰግዱለታል። ጆሮ ያለው ቢኖር ይስማ”

”And all that dwell upon the earth shall worship him, whose names are not written in the book of life of the Lamb slain from the foundation of the world. If any man have an ear, let him hear.”

“και προσκυνησουσιν αυτω παντες οι κατοικουντες επι της γης ων ου γεγραπται τα ονοματα εν τη βιβλω της ζωης του αρνιου εσφαγμενου απο καταβολης κοσμου ει τις εχει ους ακουσατω”

 

ብግእዝ “በግዕ ዘተቀትለ ዘእምፍጥረተ ዓለም”፣ ብኣምሓርኛ “ከዓለም ፍጥረት ጀምሮ በታረደዉ በግ”፣ ብግሪክ “του αρνιου εσφαγμενου απο καταβολης κοσμου/ho arnion sphazo apo katabole kosmos” ብKJV “The Lamb slain from the foundation of the world”. ዝብል ሓረግ፤ ኣብ ናይ ትግሪኛ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ብቅኑዕ መገዲ ኣይሰፈረን። መስርዑ ስሒቱ ኣሎ። እቲ ግቡእ ትርጉም ከምዚ ክኸዉን`ዩ ዝግብኦ ዝነበረ

እቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ናይቲ ካብ ምምስራት ዓለም ጀሚሩ እተሓርደ ገንሸል ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኲላቶም ክሰግዱሉ እዮም

ብዝዀነ ናብቲ ቀንዲ ነጥብና ንመለስ፣ ካብ ራእይ 13፡8 ዘሎ ቃል ኣምላኽ ንርድኦ ነገር እንተሃልዩ፣ ኣምላኽ በቲ ግዜ ዘይቅይዶ ፍጹም ፍልጠቱ፣ እቲ እንኮ ወዱ፣ ካብ ድንግል ማርያም ብዝወሰዶ ስጋ ገንሸል ኮይኑ ከም ዝሕረድን፣ እሞ ድማ እዚ ነገር እዚ “ካብ ምምስራት ዓለም” ጀሚሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ከም ዝነበረን እዩ። ነዚ ከረድኣና እንከሎ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምዚ በለ፣ “ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ።” /1 ጴጥ 1፡20/

ድሕነትና ”ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሐነና”2 ጢሞ 1፡9 ተስፋና ዉን ”በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት” /ቲቶ 1፡2/ ሕርየትና ዉን ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡” /ኤፈ 1፡4/ ። ”ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም።” /ሮሜ 8፡29/

መጠቃለሊ

ካብዚ ዂሉ ዘርዚርናዮ ዘለና ጥቅሲ እንታይ ኢና ንመሃር? እቲ መልእክቲ ንጹር እዩ። እግዚአብሔር፣ ፍጹም ኲሉ ዝፈልጥን፣ ፍልጠቱ ዉን ግዜ ዘይቅይዶ ስለዝዀነ፣ ገና ቅድሚ ምምስራት ዓለም፣ ”ወዱ፣ ስጋ ለቢሱ ከምዝሕረድ” ይፈልጥ ነበረ። ንኣዳም ከይፈጠሮ እንከሎ፣ እንታይ ከጋጥም ከም ዝዀነ፣ ይፈልጥ ኔሩ። ኣዳም ምስ ተጋገየ ከመይ ጌሩ ክድሕኖ ከም ዝዀነዉን ይፈልጥ እዩ። እቲ ምስ እግዚአብሔር ብመለኮታዊ ባህሪ ማዕረ ዝዀነ፣ ወልደ እግዚአብሔር፣ ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ፣ ካብ ድንግል ማርያም ስጋ ሰብ ለቢሱ፣ ወዲ ሰብ ኮይኑ፣ ብሰብኣዊ ባህሪኡ ምሳና ማዕረ ከም ዝኸዉንን፣ ተሰቒሉ፣ ደሙ ኣፊሲሱ ከም ዘድሕነናን እዩ። እዚ ሓቂ ድማ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ተመዲቡ ኔሩ። እቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝለበሶ ስጋ ድማ፣ ናይ ድንግል ማርያም ስጋ እዩ። ስለዚ ብተዘዋዋሪ መገዲ፣ ድንግል ማርያም ቅድሚ ምምስራት ዓለም ኣብ ድሕነት ደቂ ሰባት ታራ ከም ዝህልዋ፣ ርዱእ እዩ።

ድሕነትና ቅድሚ ዘመናት ዓለም፣ ተስፋና ቅድሚ ዘመናት ዓለም፣ ሕርየትና ቅድሚ ምምስራት ዓለም ተመዲቡ ካብ ኮነ፧?! ንምስሊ ወዱ ክንመስል ድማ ቀደም ዝተመደብና እንድሕሪ ኮይንና!?፧ ብዓቢኡ ድማ ክርስቶስ ክሕረድ ከምዝዀነ ቅድሚ ምምስራት ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ተመዲቡ ካብ ነበረ፤ እታ፣ ነቲ ናቱ ስጋ እትህብ ኣደ፣ ወላዲተ ኣምላኽ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ኔራ ማለት እዩ። ከምዚ ምባል ዉን ጌጋ ኣይኰነን?!!!

ነስተዉዕል!!! ኲልና ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ኔርና! ምክንያቱ ናይ ኣምላኽ ፍልጠት ደረት ኣልቦ እዩ። ኣምላኽ ”ፍጹም ፈላጥ” እዩ። ነገራት ገና ከይኮኑ እንከለዉ ዝፈልጥ እዩ። ”ወላዲተ ኣምላኽ ቅድሚ ፍጥረት ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ነበረት” ክበሃል እንከሎ፣ ኣብቲ ናይ ድሕነት መደብ እትዉቲ ነበረት ማለት እዩ። ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ”ሕሊና ኣምላኽ” ነበረት ክበሃል እንከሎ፣ ”ብኣካል ነበረት” ኣይኰነን ዝበሃል ዘሎ። ቤተክርስቲያን ከምኡ ኣይትምህርን፣ ነዚ ክሕደት ካባና የርሕቆ። ”ኣብ ሓሳብ፣ ኣብ መደብ፣ ኣብ ዉጥን ናይቲ  ድሕነት ነበረት” ኢና ንብል ዘለና። እዚ ኸኣ፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ልዕልና ባህሪ ዘረድእ ”ዘይከሓድ ሓቂ” እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!