ፍልሰተ ስጋሃ ለማርያም-ካብ ስንኪሳር

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን። በዚ ሎሚ ዕለት 16 ነሓሰ፣ ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ናብ ሰማይ ዝዓረገሉ እዩ።

ድሕሪ ዕረፍቲ ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ኲሎም ሓዋርያት ካብኦም ብምፍላያ ኣዝዮም ይሓዝኑ ነበሩ፣ ዝክትምና ዉን ይስምዖም ነበረ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ሃገረ ኤስያ፣ ኣብ ዕለት 16 ነሓሰ ወንጌል እንዳሰበከ እንከሎ፣ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሲጡ ኣብ ገነት ዝዀነ ኲሉ ክርኢ ጀመረ። ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ትሕቲ ኦም ገነት ተነቢሩ፣ ጐይታ ድማ ኣብኡ ኮይኑ ረኣዮ። ሽዑ ጐይታ ኣብኡ ኮይኑ፣ ነቶም ሸብዓት ለቃነ መላኣክቲ ጸዊዑ ከምዚ በሎም፣  ንምድሪ “እግዚአብሔር ንስጋ ናይታ ንጽህቲ ዝዀነት ኣዲኡ ከተዉጽኢ ይእዝዘኪ ኣሎ” በልዋ ኢሉ ነገሮም ። ብኡንብኡ ዉን ስጋ ድንግል ማርያም ካብቲ ተቀቢራትሉ ዝነበረት ትሕቲ ኦም ህይወት ወጽአ፣ ጐይታ ዉን ከምዚ እንዳበለ ክናዝዛ ጀመረ፣ “ኦ ፍትዉቲ ዝዀንኪ ወላዲተይ፣ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ሓጎስ ዝመልኦ፣ መንግስተ ሰማያት ምእንቲ ከእርፈኪ፣ ንዒ ናባይ” ዉን በላ።

ብኡንብኡ ኲሎም ኣእዋም ገነት ድንን በሉ፤ ኲሎም መላኣክት፡ ሊቃነ መላኣክት፡  ጻድቃን፡ ሰማእታትን ዉን ምስኦም ሰገዱ።  ንስጋ ድንግል ዉን ኣዕረግዋ። ኣቡኣ ነብዪ ዳዊት ዉን እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም ኣላ /መዝ 45፡9/ እንዳበለ ይዝምር ነበረ። ንሳ ዉን ኣብ የማን ወዳን ኣምላኻን ነበረት። ኣብ ዝባን ሰርገላ ኪሩቤል ኮይና ዉን ብዓቢ ክብሪ ናብ ሰማያት ዓረገት። ዮሃንስ ዉን ካብኣ ተባሪኹ፣ ናብ ምድሪ ተመልሰ።

ኲሎም ሓዋርያት ብዛዕባ ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታ፣ ብሓዘን ተኪዞም ረኸቦም። ንሱ ዉን ስጋ ኣደ ጐይታ ማርያም፣ ብዓቢ ክብሪን ምስጋናን ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ነገሮም። ሓዋርያት ድማ፣ ነዚ ምስ ሰምዑ መሊሶም ሓዘኑ።

ከምዚ ኢሎም ተኪዞም እንከለዉ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ሎቱ ስብሓት፣ ተገሊጹ፤ “ሰላም ንዓኩም ኦ ዉሉዳት ሰላም፣ ስለምንታይ ብዛዕባ ስጋ ኣደይ ትሓዝኑ ኣለኹም፣ ኣነ ኣሎዂ ኣንድየ፣ ምእንቲ ክትሕጎሱን ልብኹም ብሓጎስ ክምላእ ዉን፣ ንዕዓ ከርእየኩም እየ”  በሎም። ከምዚ ምስ በሎም ዉን ናብ ሰማይ ዓረገ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፣ ኲሎም ሓዋርያት ብሓንሳብ እንከለዉ፣ ዕለት ሓደ ነሓሰ (፩ ነሐሴ) ዮሓንስ ንሓዋርያት “ክልተ ሱባኤ ንጹምን ንጸሊን፣ ንጐይታና ዉን ስጋ ቅድስት ድንግል ማርያም ከርእየናን፣ ብእኣ ዉን ክንሕጎስ ንለምኖ” በሎም። ዮሓንስ ከምዝበሎም ዉን ጾሙን ጸለዉን። ዕለት 16 ነሓሰ (፲፮ ነሐሴ) ምስ ኰነ ድማ፣ በዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ንኲሎም ደቂ መዛሙርቱ ናብ ሰማያት ወሰዶም (መሰጦም)። ኣብኡ ዉን ኣደ ጐይታ ብስጋኣ ብየማን ፍቑር ወዳ ብዓቢ ስብሓት ኮይና ረኣይዋ። ኣእዳዋ ዘርጊሓ ዉን ንነፍሲ ወከፎም ኣርድእት ባረኸቶም፣ ብዙሕ ሓጎስ ዉን ኮነሎም።

ሽዑ ቅዳሴ ተሰርዐ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዕኡ ምስጋና ይዂን (ሎቱ ስብሓት)፣ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ስግኡ ከህን ኮይኑ፣ ሊቀ ዲያቆናት እስቲፋኖስ ድማ  ይሕግዝ ነበረ፤ ዮሓንስ ዉን “ብፍርሓት ቁሙ” ቢሉ ኣወጀ። ኲሎም ሓዋርያት ኣብ ዙርያ ናይቲ መስዋእቲ ቆሙ፣ ስርዓት ቅዳሴ ምስ ተወድአ ድማ፣ ካብቲ ቅዱስ ሚስጢር ኣቀበሎም። በዚ ዉን ዓቢ ሓጎስ ኮነ፣ ቅድሚ ሕጂ ርእዮሞ ዘይፈልጡ ፍስሃ ዉን መልኦም።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን፣ ንኣዲኡ ማርያም ከምዚ በላ። “ንደቕኪ ሓዋርያት ከምዚ ኢልኺ ንገርዮም። በዚ ዕለት`ዚ ዝዀነ ዕርገትኪ ኣብ ኲሉ ዓለም ክሰብኹን፣ ተዝካርኪ ንዝገብሩ ዉን ኣነ ሓጢኣቶም ክሓድገሎም 

For instance, excessive smoking and alcohol drinking is one hindrance for better cute-n-tiny.com cialis 20 mg ejaculation.

እየ። ብዛ ዕርገት ናይ ስጋኺ ዝዀነሉ ዕለት፣ ስግኡን ደሙን ዝቕበል፣ ኲሉ ሓጢኣቱ ክሓድገሉ እየ፣ ናይ ገሃነም እሳት ኣይክርእይን፣ ምሕረት ዉን ካባይ ክረኽብ እዩ”። ኣደ ጐይታ ማርያም ዉን ከምዚ ቢላ መለሰትሉ፣ “ኦ ወደይ፣ ሕጂ ብዓይኖም ርእዮም፣ ብእዝኖም ሰሚዖም፣ ብኣእዳዎም ተቐቢሎም፣ እነሆ ዉን ብዙሕ ብሉጽ ነገራትን መንክራትን ረኣዩ” በለቶ። ከምዚ ኢላ ምስ ተዛረበት ድማ፣ ጐይታ ሰላም ሃቦም። ንሳቶም ዉን ጐይታና ሰገዱሉ፣ ብድሕሪዚ ናብ ደብረ ዘይቲ ተመልሱ።

ኦ ፍቑራት የሕዋት፣ እምበኣር ንሕና ዉን፣ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ሰማይ ዝዓረገትሉ ዕለት ክንዝኽር ይግብኣና እዩ። ምክንያቱ፣ ኲሉ ግዜ ንሳ ምእንታና ትልምን እያ፣ ንፍቑር ወዳ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዉን ሎቱ ስብሓት ክምሕረና ዉን ትልምን እያ። ጸሎታን በረኸታን ምስ ኲልና ህዝበ ክርስቲያናት ይኹን። ንዘለኣለም ኣለም፣ ኣሜን!!

ሰላም እብል ለዘበማሕጸና ተሥዕለ /ሰላም ነቲ ኣብ ማህጸና ዝተሳእለ (ዝሓደረ)/፣
ዘሣረረ ምድረ ወሰማያተ ሰቀለ /ንምድሪ ዝሳረራ ንሰማያት ዝሰቐላ/
ማርያም እምድር አመ ተዓርግ ላዕለ /ማርያም ካብ ምድሪ ናብ ላዕሊ ክትዓርግ እንከላ/
ፀዳለ መብረቅ ቅድሜሃ ፀደለ /ብርሃን መብረቕ ኣብ ቅድሚኣ በርሀ/
ወበድኅሬሃ ወሀበ ነጐድጓድ ቃለ /ኣብ ድሕሪኣ ዉን ነጎድጓድ ኣድመጸ (ቃሉ ሃበ)/

ምንጪ፦ ኮኮበ ጽባሕ 1991 ዝተሓትመ መጽሓፍ ስንኪሳር፣ ገጽ 974

ግእዝ ኣማሕርኛ  እንድሕሪ ደሊኹም  http://www.ethiopianorthodox.org/amharic/holybooks/metsehafe%20senkesar/geeze-amharic/zewera%20nehase.pdf