ክርስቲያናዊ ህይወትናን መስቀል ክርስቶስን

ሚስጢር ድሕነትና ኣብ መስቀል ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሓዝአ እዩ። ዓሙቊ ዝዀነ ሚስጢር ድሕነትና ዝተፈጸመሉ ጥራይ ዘይዀነስ፣ መስረትን ምልኣት ክርስቲያናዊ ህይወትና ዉን ዝተጋህደሉ፣ መስቀል እዩ።

“ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዝደሊ እንተሎ፣ ህይወቱ ቐቢጹ (ነፍሲ ይቕበጽ)፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ። /ማቴ 16፡24 ሉቃ 9፡23/ ብምባል ጐይታ ዝተዛረበና ስምዕታ ዉን ንስፍሓት ናይዚ ሚስጢር እዚ ምእንቲ ከነጽረልና እዩ። ስፍሓት ናይዚ መምርሒ እዚ ዉን፣ ብኣፍ ቅዱስ ጳዉሎስ መሊሱ ተቃሊሑ ንረኽቦ፣ ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ. . ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር
ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ
ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።” /ገላ 2፡20/

ዕምቆት ናይዚ ሚስጢር እዚ ዝያዳ ብሩህ ዝኸዉን፣ ነቲ ቅዱስ ጳዉሎስ “ሓሳብ ክርስቶስ” ብምባል ኣብ ምዕራፍ ክልተ ናይ መልእክቱ ናብ ሰብ ፊሊጲስዩስ ገሊጽዎ ዘሎ እዩ ከነንብብ እንከሎና እዩ፦

እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡
ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። 
ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም ኢየሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኺእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ።  ፊሊ 2፡5-12

እዚ ሓዋርያ`ዚ ኣብዛ መልእክቱ ግሉጽ ብዝዀነ መልክዑ ብዛዕባ መስቀል ይነግረና። ኣብ ጸጽባሕ መስቀል ኣልዒልካ፣ ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት፣ ነቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ዝነበረ ሓሳብ፣ ምሓዝ ማለት እዩ። “ሓልዩ ለነሂ ዘከመ ገብረ ለነ ኢየሱስ ክርስቶስ” ክህልወና ዝግባእ ኣተሓሳስባ፣ ናይ ክርስቶስ ሓሳብ እዩ። ኣብ ዉሽጢና ክህሉ ዝግብኦ ሓሳብ፣ “ሓሳብ ክርስቶስ” እዩ። ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ርእሱ ብምሕሳር፣ ክሳዕ ሞት ትሕት ብምባል፣ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል ተኣዚዙ፣ ንሕና ዉን ከምኡ፣ ርእስና ትሕት ብምባል ነፍስና ብምቕባጽ፣ ህይወትና ብምቅባጽ፣ እዙዛት ኮይንና ክንነብር ይግባእ። ከምዚ እንድሕሪ ጌርና፣ ከምቲ ጐይታ ነፍሱ ብምትሓት፣ ናብ ክብሪ ዝበጽሐ፣ ንሕና ዉን ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ብምሃብ ኣሰር ክርስቶስ እንድሕሪ ስዒብና፣ ናብ ዝበለጸ ክብሪ ክንበጽሕ ኢና።

ንመንገድናን ኣካይዳናን ዝጸልዎ ኣተሓሳስባና እዩ። ናብ ክብሪ ክንበጽሕ ዘኽእለና እንኮ መገዲ ድማ፣ ንገዛእ ርእስና ትሕት ኣቢልና (ከም ዘይትጠቅም ርኢና፣ ብፍቓድና ርእስና ከነሐስር እንከሎና) ምስ ክርስቶስ ክንመላለስ እንከሎና እዩ። ካብቲ ዝገዝኣና ሞት ሓራ እንኸዉን፣ ማለት ድሕነት ከዉህበና ዘኽእል መገዲ፣ ብፍታዉና ምእንቲ ክርስቶስ ኢልና ገዛእ ርእስና ትሕት ምስ እነብል ጥራይ እዩ። እዚ እዩ ሚስጢር ድሕነትና።

ሰማእታት ዝመረጽዎ መገዲ ዉን ነዚ ከምዚ ዝመሰለ እዩ። ፍቅሪ ዝገዝኦ ሰብ ዝሓርዮ መገዲ ዉን ነዚ እዩ። ምክንያቱ ፍቕሪ ኣብቲ “ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ” ዝወሰነ ሰብ እዩ ዝርኸብ።

ኲሉቲ ኣብ ናይ ክርስቶስ መስቀል ዝተገብረ፣ ንድሕነትና እዩ ተጌሩ። ኣብኡ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ። ኣብኡ ደሙ ምእንታና ኣፍሲሱ። ኣብኡ ማለት ኣብቲ መስቀል ህይወቱ ምእንቲ ህይወት ዓለም ከፊሉ። ኣብኡ ዉን ንሕና ምስ ኣምላኽ ተዓረቕና።
What a tasty way of erectile dysfunction treatment! Before taking it make sure you are aware about the dosage pattern. dig this order cheap levitra

መስቀል ዘለኣለማዊ መልእክቲ ዘለዎ እዩ። መስቀል መገዲ ህይወት እዩ። ገዛእ ርእስኻ ብፍቕሪ ኣሕሊፍካ ምሃብ፣ መግለጺ ፍቕሪ እዩ። ኣምላኽ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍጹም (መወዳድርቲ ኣልቦ) ፍቕሪ ዉን፣ እዚ እዩ። ኣብ መስቀል ክሳዕ ዘግህዶ ግና፣ ንፈልጦ ኣይነበርናን። ሕጂ ግና ፈሊጥናዮ ኢና፣ ሕጂ “ሓሳብና” ከምኡ ክኸዉን ይግባእ።

መስከረም 17 ነኽብሮ በዓል ቅዱስ መስቀል  ሓደ ካብቶም ዓበይቲ በዓላትና እዩ። እዚ በዓል`ዚ 40 መዓልቲ ድሕሪ ደብረ ታቦር ይዉዕል። ወሃቢ ህይወት ቅዱስ መስቀል ኣብ ኲሉ ዓለም ዝከበረሉ መዓልቲ ዉን እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ ግርማ እግዚአብሔር ኣምላኽ፣ ኣብ መንበረ ታቦት ይግለጽ ነበረ። እቲ ሽዑ ዝገሃድ ዝነበረ ግርማ ድማ፣ ምልኣት ዘመን ምስ እከለ፣ ብሞትን ብትንሳኤን ጐይታ ኣብ መስቀል ተጋሂዱ እዩ። በዚ ምክንያት ድማ ኣርማና ጌርና ንጥቀመሉ።

ክንበልዕ ክንሰቲ፣ ክንጽሊ ከነጥምቅ፣ ክንቅበል ክንዝምር፣ ክንሕጎስ ክንስንብድ፤ ስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ብምምሕጻን፣ ብትእምርተ መስቀል እምነትና ንገልጽ። መስቀል ሓልይና፣ መስቀል ጽንዓትና፣ መስ በጃና፣ መስቀል መድሕን ነፍስና እዩ።

ለመስቀልካ እግዚአ ንሰግድ ኲልና

ወለትንሳኤከ ቅድስት፣  ነኣምን ኲልነ፣

ይእዜኒ ወይዘልፈኒ፣ ለዓለመ ዓለም እሜን!!!