Category: ብሂል ቅዱሳን

ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣባ ሲኖዳ

ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣባ ሲኖዳ

ተግሳጽ ዘቅዱስ ሲኖዳ፣ሶኒ ሰዓት ዓሰርተ ሓደ ሠርክ ስግደት ገለ ገለ ኣካይዳ  (ግብሪ) ኣለዋ፣ ብናትና ኣተሓሳስባ ሰናይ ጌርና ንቆጽረን፣ ብዓይኒ እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና ሓጢኣት እየን። ንኣብነት፣ ንስሓ ዘይኣተወ ሰብ፣ ናብቲ ቅዱስ ቦታ ምልስምልስ ይብል`ሞ፣ ከምዚ...

ተግሳጽ ዘቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ተግሳጽ ዘቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ

ፍቑራት ምእመናን፣ ብዛዕባ ኣስቆረታዊ ይሁዳ እንታይ ክንብል ኢና። ንጐይትኡ ኣሕሊፉ ዝሃበ ይሁዳ ብምንታይ ንገልጾ። ንሱ ሓደ ካብቶም ዓሰርተው ክልተ ክነሱ ናብቶም ሊቃነ ካህናትን ሽሟሙንትን ከይዱ፣ “ኣነ ኣሕሊፈ ክህበኩም፣ ክንደይ ትኸፍሉኒ፧” በሎም። ሰላሳ ዲናር ክኸፍልዎ...

ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ

ተግሳጽ ዘቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ

ክርስቶስ ስለዘፍቀረና፣ መጺኡ ባዕሉ ምእንታና ሞይቱልና። ብሓጢኣት ንገዛእ ርእስና ምስ ኣማሰንናያ፣ ፈጢሩ ሱቅ ኢሉ ኣይሓደገናን። ካብ ሰማያት መጺኡ፣ ምእንታና መከራ ጸጊቡ፣ ህይወቱ ሂቡና። ከም ሓኪም ክፍዉሰና፣ ብግህዶ መጽአ። ካብ ሕማምና ክፍዉሰና ጥራይ ኣይኰነን ዝምጽአ፣ እንታይ...

ተግሳጽ ዘ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሠርክ ዓርብ

ተግሳጽ ዘ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘሠርክ ዓርብ

መጽሓፍ ከምዝምህረና፣ ነፍስና ብሕጊ ኣምላኽ ትነብር እንተደኣ ኮይና፣ ሓይሊ ጸልማትን ኣጋንንትን ኣይክስዕሩናን እዮም። በንጻሩ ካብ ሕጊ ኣምላኽ እንድሕሪ ርሒቅና ግና፣ ክሕይሉናን ክስዕሩናን ይኽእሉ። የሕዋተየ  ነስተዉዕል። ገዛ ርእስኻ ከተድሕን እንተደሊኻ፣ ኣብ ሃብቲ ጥበብ እግዚአብሔርን፣ ሃብቲ...

ጸሎት-ካብ ድርሳን ኣርጋዊ መንፈሳዊ 0

ጸሎት-ካብ ድርሳን ኣርጋዊ መንፈሳዊ

ዓርቢ ሰዓት 12 ዝንበብ ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ-ድርሳን 25 “ኦ ምእንቲ ኣልኣዛር ዝነባዕኻን ዝበኸይኻን ኣምላኸይ፣ ናተይ ዝመረረ ሓዘነይ ንብዓተይን ተቐበል። ብሕማማትኻ ሕማመይ ፈዉስ፣ ብኣቚሳልካ ነቊሳለይ ኣጥዒ፣ ደምኻ ኣብ ደመይ ሓዉሶ፣ ናይ ህይወት መኣዛ ዝዀነ...

ምዕዶ-ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ 0

ምዕዶ-ካብ ቃል ኣረጋዊ መንፈሳዊ

ኣረጋዊ መንፈሳዊ፣ ሓደ ካብቶም ንመጽሓፈ መነኮሳት ካብ ዝጸሓፉ ኣቦ ኮይኑ፣ ብዛዕባ ምንኩስናዊ ህይወት፡ ብዛዕባ መንፈሳዊ ገድሊታትን፡ ብዛዕባ ነፍስኻ ኣንጺህኻ ብቅድስና ከመይ ንዓቢን ከመይ ናብ ምስሊ ወልደ እግዚአብሔር ብትሕትና፡ ብምሕረት፡ ብምልግሲ፡ ብመንፈስዊ ገድሊ ክንዓቢ ንኽእል...

0

ጸሎት ስምኦን ኣምዳዊ- ናይ ሆሳእና ዋዜማ

ቅ. ስምኦን ኣምዳዊ ዝጸለዮ ኣብ ናይ ሆሳእና ዋዜማ ዝጽለ ጸሎት። ቅዱስ ስምኦን ኣብ ከባቢ 5ይ ክ/ዘ ዝነበረ፣ ቅዱስ ኣቦ ኮይኑ፣ ኣብ ሓንቲ ዓንዲ ን45 ዓመት ከየወረደ ብምጽላዩ፣ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ 392 ዓም ኣብ ኣንጾክያ...

ቀኖና ብዛዕባ ብልዒ 7

ቀኖና ብዛዕባ ብልዒ

ሰላም ክርስቶስ ምስ ኲሉኹም ይኹን፣ ዝኸብርኩም ተከታተልቲ እዛ ብሎግ እዚኣ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዙሓት ሰባት፣ ብዛዕባ ዘይብልዑን ዝብልዑን፣ ዓይነት እንስሳታት ኣብ ፍትሃ ነገስት እንተሃልዩ ቶርጊመ ከቕርብ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ብተወሳኺ፣ ትርጉም 1ይ ጢሞ 4፥4 ቃል...

ምዕራፍ 4. ምቁጽጻር ዝኽሪን ስእላዊ ሓሳብን 1

ምዕራፍ 4. ምቁጽጻር ዝኽሪን ስእላዊ ሓሳብን

እግዚአብሔር ነገራት ክንዝክር ዘኽእለና ጸጋ ዓዲሉና እዩ። ነገራት ኣብ ኣእምሮና ብምዕቃብ መሊስና ዘኪርና ክንጥንቀመሎም ንኽእል። ሕጉ ንክንዝክር፣ ናይ ምዝካር ክእለት ሂቡና «ንኩሉ ትእዛዛተይ ክትዝክርዎን ክትገብርዎን ኢኩም» /ዘሁ 15፥39-40/። ሓዋርያት ጐይታ ምሳቶም እንከሎ ዝተዛረቦም ቃል...

ምዕራፍ 3. ምቁጽጻር ህዋሳታትና-መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ 3

ምዕራፍ 3. ምቁጽጻር ህዋሳታትና-መንፈሳዊ ህይወት ኣብ ግብሪ

ሰብ ሓሙሽተ ህዋሳት ኣለዎ፣ ዓይኒ መርኣዪ፡ እዝኒ መስምዒ፡ ኣፍንጫ መሸተቲ፡ መልሓስ መጥዓሚን፡ ኢድ መዳህሰሲን። ቅዱስ ቲዮፋን ባህታዊ፣ ንሰብ ከም ኣብ ቤተ-መንግስቲ (ኣብ ስጋ) ዝነብር ንጉስ (ንነፍሲ) ጌሩ፣ ሓደ መንፈሳዊ ሓሳብ ይምህር። ቤተመንግስቲ ዝተባህለት ስጋና...