Category: ቀኖና

ቀኖና ማለት ካብ κανονικός, kanonikós, ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ፣ “ስርዓት፡ ወይ ከኣ ኣፈጻጽማ መንገዲን ሕጊን” ማለት እዩ። ነቲ ሓቂ ዝሰረቱ መሰረተ እምነትና፣ ዝፍጸመሉ ስርዓትን፡ ሕጊታት ዘመልክት እዩ። ንኣብነት ናይ ጥምቀት ስርዓት፡ ናይ ቁርባን፡ ሚሮን፡ ዝኣመሰሉ ዝሓዘለ እዩ። ዶግማ ናይ ነገራት ሓቂ ምዃኖም ዝእዉጅ ክኸዉን እንከሎ፡ ቀኖና ድማ ነዚ ሓቂ ብከመይ ስርዓት ይፍጸም ይነግረና። ንኣብነት፣ “ሰብ ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክጥመቅ ግቡእ እዩ፣ ሰብ እንድሕሪ ዘይተጠሚቁ ድሕነት ኣይወርስን” እዚ ናይ ዶግማ ኣብነት እዩ፣ ቀኖና ድማ ሰብ መዓስ ክጥምቀ ኣለዎ፡ ብከመይ ኣገባብ፡ ንዝብል ናይ ኣፈጻጽማ ስርዓት ይነግረና። ዶግማ ዘይቅየር ሓቂ እዩ፣ ቀኖና ግና ከከም ኩነታቱ ክቅየር ኰነ ከምሓያየሽ ይኽእል።

ለከ ሓይል-ዝማሬ ሕማማት 0

ለከ ሓይል-ዝማሬ ሕማማት

ኣብ ግዜ ሕማማት፣ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ዘሎ ግዜ ኣብ ቤተክርስቲያን፣ ካልእ ኲሉ ጸሎት ተሪፉ፣ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ይጽለይ። ብሓባር ኰንኻ ብየማንን ብጸጋምን እንዳተቀባበሉ ይበጽሕ። ቅድም ናይ ወትሩ ጸሎት ይበጽሕ፣ ዳዊትን ዉዳሴ ማርያምን ይዕደል።...

ቀኖና ብዛዕባ ብልዒ 7

ቀኖና ብዛዕባ ብልዒ

ሰላም ክርስቶስ ምስ ኲሉኹም ይኹን፣ ዝኸብርኩም ተከታተልቲ እዛ ብሎግ እዚኣ፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ብዙሓት ሰባት፣ ብዛዕባ ዘይብልዑን ዝብልዑን፣ ዓይነት እንስሳታት ኣብ ፍትሃ ነገስት እንተሃልዩ ቶርጊመ ከቕርብ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ብተወሳኺ፣ ትርጉም 1ይ ጢሞ 4፥4 ቃል...

መንፈሳዊ ትርጉም ናይ ሳእኒ ምዉጻእ እንታይ እዩ፧? 0

መንፈሳዊ ትርጉም ናይ ሳእኒ ምዉጻእ እንታይ እዩ፧?

ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዝዓበየ ኣማኒ፣ ካብ ህጻንነቱ ጀሚራ ኣብ ልቡ ዝተሰረተት ስርዓት፣ ቤተክርስቲያን ክትኣቱ እንከለኻ ኣሳእንኻ ምዉጻእ እዩ። እዚ መንፈሳዊ ልምዲ እዚ ባህሊ ዝሰረቱ ዘይዀነስ፣ ትእዛዝ እቲ ልዑል ኣምላኽ እዩ። ታቦት ኣብ ዘለዎ ቅድስት...

ዲድኣኬ-2 0

ዲድኣኬ-2

ካልኣይ ክፋል፣ ስርዓት ቤተክርስቲያን ጥምቀት ብዛዕባ ጥምቀት፣ ኩሉኹም ክትጥመቁ ይግባእ። ቅድም ነዚ ኹሉ ይድገምዎ፣ ደሓር ግና ኣብ ፈሳሲ (ከያዲ) ማይ[1]፣ ብስም ኣብን፡ ወልድን፡ መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቅዎም። ፈሳሲ ማይ እንድሕሪ ዘይተረኽበ ኸኣ፣ ኣብ ዝዀነ ማይ...

ዲድኣኬ-1 1

ዲድኣኬ-1

ዲድኣኬ- ትምህርቲ ሓዋርያት ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ክልተ መንገዲ መንገዲ ህይወት 1. ክልተ መንገዲ ኣለዋ፣ ሓንቲ ናብ ህይወት ተብጽሕ፣ እታ ሓንቲ ድማ ናብ ሞት ተበጽሕ። ኣብ መንጎ እዞም ክልተ መንገዲታት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ኣሎ።...

ብዛዕባ ዲድኣኬ እንታይ ትፈልጡ?!!! 1

ብዛዕባ ዲድኣኬ እንታይ ትፈልጡ?!!!

ዲድኣኬ- ብ12 ሓዋርያት ናብ ኣህዛብ ዝተሰብኸ ናይ ጐይታ ትምህርቲ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን። ዲድኣኬ ማለት ቃል ብቃሉ ካብ ዲዳስኬን ዝብል ናይ ግሪክ ቃል  ዝተወስደ ኮይኑ፣ “ትምህርቲ ምምሃር” ማለት እዩ። ኣብ...

1

ልደትን ጥምቀትን ኣብ ሮብዕን ዓርቢን እንተወዓለ`ኸ?

ቅንያቱ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ልደቱ ከነኽብር ንቀራረበሉ ዘለና ግዜ ኣዩ። ናይ ሎምዘበን በዓል ናይ ልደት ኣብ ሮብዕ ስለትዉዕል፣ ብዙሓት ናይ ስዕረት መግቢ ይብላዕ ድዩ ኣይብላዕን ዝብል ሕቶ ሓቲትኩምኒ ኔርኩም። ዝኸበርኩም ሓተቲ፣ ካብ...